ስሉጥ ዝኾነ ናይ መገዲ ምስክርነት ገይርካ ነቶም ተገደስቲ ምርካቦም
1 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስማዕ ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ክደልይዎም መምርሒ ሃቦም። (ማቴ. 10:11) ይኹን እምበር: ሎሚ ኣብ ኣባይቶም ክንረኽቦም ኣዝዩ ኣሸጋሪ እናኾነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስለዚ ነቶም ክንረኽቦም ዘይከኣልና ብቑዓት ንምርካብ እንታይ ክንገብር ምተኻእለ፧
2 ነቶም ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ዕዮ ዝሰኣንናዮም ሰባት ንምርካብ: ናይ መገዲ ምስክርነት ኣሳልጦ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ መገዲ ምስክርነት ኣብ ኣውቶቡስ ጠጠው እትብለሉ: ጥቓ ንምእታዉ ኣሸጋሪ ዝኾነ ርሻናት: ኣብ ህዝባዊ መናፈሻታትን ኣብ ካልእ ሰባት መዓልታዊ ዋኒኖም ዘካይድሉ ቦታታትን: ክንገብር ንኽእል ኢና።
3 ናይ መገዲ ምስክርነት ዝብል ቃል ክጥቀስ ከሎ ፍርሒ ዝስምዖም ሰባት ኣለዉ። ሕፍረት ስለ ዝስምዖም ወይ እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝቃወምዎ ሰባት ከየላግጽሎም ስለዝፈርሑ ኣብዚ ዕዮ እዚ ንምክፋል ይጠራጠሩ። ዝበዝሕ ግዜ እዚ ምሽቃል እዚ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ። እቶም ኣብዚ ንጥፈት እዚ ተመኵሮ ዘለዎም ካብቲ ካብ ቤት ናይ ቤት ዝግበር ምስክርነት ከም ዘይከብድ ኢዮም ጸብጻብ ዝህቡ። አረ መብዛሕትኦም ሰባትሲ ዝተፈላለየ ምኽንያት ተጠቒምካ ብቐሊሉ ቅርብ ኢልካ ከተዘራርቦም ከም ዝከኣል ኢዩ ረኺቦሞ ዘለዉ። ገሊኦም ከኣ ካብ ኣብ ገዝኦም መጺእካ ክትኵሕኵሖም ኣብ መገዲ ከዘራርቡኻ ወይ ክሰምዑኻ ዝያዳ ዝፈኹሰሎም ኣለዉ። እንተ “ተባዕና” ብሓጐስ ክንግረም ኢና። — 1 ተሰ. 2:2
4 ናይ መገዲ ዕዮ ከመይ ገይርካ ኢዩ ብዝስሕብ ኣገባብ ክግበር ዝከኣል፧ ኣቐዲምካ ኣጸቢቕካ ምድላው ኣገዳሲ ኢዩ። ነቲ መጽሔት ከሎ ጌና ኣንብቦ: ደሓር ነቶም ዝረኸብካዮም ሰባት የገድሶም ኢዩ ዝበልካዮ ሓደ ወይ ክልተ መዘራረቢ ነጥብታት ምረጽ። ኣብቲ ኣቀራርባኻ ፍርቂ ደቒቕ እንተወሰድካ ኣኻሊ ኢዩ። እቲ ዕላማ ምስ ካልኦት ብብሕቲ ንምርኻብ ስለ ዝኾነ ድማ ብርክት ዝበለ ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት ኣዘውቲሮም ዝሓልፍዎ ቦታ ምረጽ። ሽሕ’ኳ ኣብ ጥቓኻ ካልእ ኣስፋሒ ክህሉ ጥበባዊ እንተኾነ: መብዛሕትኡ ግዜ ክትዓዪ ከሎኻ በይንኻ እንተኾንካ ኢዩ እቲ ዝበለጸ። እቶም ብሓደ ጠጠው ዝብሉ ኣስፋሕቲ ኣብ ንሓድሕዶም ናይ ምዕላል ዝምባለ ክህልዎም ስለ ዝኽእል ነቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰምዑ ዝኽእሉ ሰባት ከየቕለቡሎም ክተርፉ ይኽእሉ ኢዮም።
5 ኣብ ሓንቲ ቦታ ጥራይ ተዓኒድካ ነታ መጽሔት ከኣ ከም እትርአ ምግባር ከምቲ ባዕልኻ ነቲ ሰብ ቅርብ ኢልካ ምዝራቡ ገይሩ ኣስላጢ ወይ ማራኺ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ምስቲ ሰብ ዓይኒ ንዓይኒ ክትጠማመት ፈትን። ዝርርብ ክትከፍት ክትጽዕር ከሎኻ: ምዉቕን ፍሕሽውን ትኽ ኢልካ እትዛረብን ኩን። ሓደ ሓደ ግዜ ምስቲ ሰብ እናተዛረብካ ሒደት ስጉምትታት ክትከይድ የድልየካ ይኸውን። እቲ ሰብ ዝቕበል እንተኾይኑ: ነቲ መጽሔታት ዓድሎ። ነቲ መጽሔታት እንተ ኣብዩካ ትራክት ክትዕድሎ ትኽእል ኢኻ።
6 መብዝሕትኡ ግዜ ሕቶ ከልዕል ዝኽእል ወይ ተገዳስነት ከልዕል ዝኽእል ሕጽር ዝበለ ሓሳብ ምቕራብ ዝበለጸ ኢዩ። እቲ ሰብ ዝቕበል እንተ መሲሉ ስሙን ኣድራሽኡን ምናልባሽውን ተለፎን ወሲድካ ንተገዳስነቱ ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኸኣ ክትብሎ ትኽእል:– “ዝያዳ ክትመሃር እንተ ደሊኻ: ኣብ ገዛኻ ክበጽሓካ: ወይ ካልእ ምስክር ምእንቲ ክበጽሓካ መደብ ክገብረልካ እኽእል ኢየ።”
7 ሓደ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ተጸሚዱ ዝነበረ ሽማግለ: ንሓንቲ ሰበይቲ ቅርብ ኢሉ ኣዘራረባ እሞ ኣብ ገዝኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትዘራረብ ኣጋጣሚ ረኺባ ከም ዘይትፈልጥ ተረድኦ። መጽሓፍ ተቐበለት እሞ ኣብ ዝምችእ ግዜ ሓንቲ ሓብቲ ክትበጽሕ ተሰማምዐት። ንሕና ኣብቲ ናይ መገዲ ምስክርነት ዝማርኽ ኣቀራርባ እንተድኣ ተጠቒምና ብርግጽ ብዙሓት ብቑዓት ሰባት ክርከቡ ኢዮም። — ግብ. 17:17