ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/95 ገጽ 3-4
  • ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ምብጽጻሕ መጽሔት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ይሕግዝ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 9/95 ገጽ 3-4

ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም

1 ናብቲ ጋዜጣ ዝሽየጠሉ ክትበጽሕ ከሎኻ እንታይ ኢኻ እትርኢ፧ መጽሔታት። ኣብ ኵርናዕ ዘላ ቤተ መጻሕፍቲ ዝስሕበካ እንታይ ኢዩ፧ መጽሔታት። ንሓደ በዓል ቡስጣ እቲ ቦርሳኡ ክሳዕ ዝደንን ዝገብሮ እንታይ ስለ ዝሓዘ ኢዩ፧ መጽሔታት። ስለዚ ብዙሓት ሰባት ዘንብብዎ እንታይ ኢዩ፧ መጽሔታት። ኣብ መንጎ 10 ከምኡውን 18 ዓመት ዘለዉ ካብ 10 መንእሰያት 9: ከምኡውን ክንድኡ መጠን ናይ ዓበይቲ: እንተወሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓንቲ መጽሔት የንብቡ ኢዮም። ዓለም ብመጽሔት ትግደስ ኢያ።

2 ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከም ዝግደሱ ክንገብሮምዶ ንኽእል ኢና፧ እወ: ንሕና ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንግደስ እንተድኣ ኴንና ክንገብሮም ንኽእል ኢና። እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧ ነዞም ርእይቶታት ሕሰበሎም:-

◼ ነቲ መጽሔታት ኣንብቦ:- ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ኣብቲ ዞባኡ ብገምጋም ካብ 3 ኣስፋሕቲ 1 ጥራይ ኢዩ ነቲ ሕታማት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ዘንብቦ ብምባል ጸብጻብ የቐርብ። ተነብቦዶ ኢኻ፧ ንነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ኣርእስቲ ከተንብቦ ከሎኻ ‘ነዚ ሓበሬታ እዚ መን መማሰወሉ​—⁠ኣደ: ኣምላኽ ክብጻሕ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ሰብ: ነጋዳይ: መንእሰይ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። ኣብ ናትካ ቅዳሕ ነቲ መጽሔት ከተበርክቶ ከሎኻ እትጥቀመሉ ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ኣመልክት። ብድሕሪኡ ኣብቲ ኣርእስቲ ብኸመይ ብሓደ ወይ ክልተ ምሉእ ሓሳባት ተገዳስነት ከም እተለዓዕል ክትሓሰብ ትኽእል ትኸውን።

◼ ውሱን ናይ መጽሔት ትእዛዝ ይሃሉኻ:- ካብቲ መጽሔታት ሒዙ ዘሎ ሓው ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ውሱን ቍጽሪ ኣዝዝ። ብኸምዚ ኣገባብ ንስኻን ስድራቤትካን ስርዓታውን እኹልን ቀረብ ናይ መጽሔታት ክህልወኩም ኢዩ።

◼ ስርዓታዊ መዓልቲ መጽሔት መድብ:- ብዙሓት ጉባኤታት ብመጀመርያ ንናይ መጽሔት ምስክርነት ዝኸውን መዓልቲ ፈልየን ኣለዋ። ነቲ ናይታ ጉባኤ ናይ መጽሔት መዓልቲስ ክትድግፎዶ ምኸኣልካ፧ እንተዘይኰይኑ ብኽልቲኡ ካብ ቤት ናብ ቤት ከምኡውን ምብጽጻሕ መጽሔት ብምግባር: ገለ ናይ ኣገልግሎት ግዜ ንናይ መጽሔት ናይ መገዲ ምስክርነትን ናይ ብሕቲ ናይ መጽሔት ዕደላን ብምውሳን ክትጥቀመሉ ፈትን።

◼ ኣብ “ግምቢ ዘብዐኛ” ከምኡውን “ንቕሑ!” እትግደስ ኵን:- ክትጓዓዝ ወይ ክትዕድግ ከሎኻ ቅዳሓት ናይቲ መጽሔታት ምሳኻ ተማላእ። ንመሳርሕቲ: ጐረባብቲ: መማህርቲ ወይ መማህራን ከተዘራርቦም ከሎኻ ኣበርክቶም። ብዙሕ ግዜ ብኣውሮፕላን ዝጓዓዙ ክልተ ሰብ ሓዳር: ምስቲ ጥቓኦም ኮፍ ዝበለ ሰብ ዝርርብ ንምጅማር ካብቲ ኣብ ሓድሽቲ መጽሔታት ዘሎ ሓሳባት ይጥቀሙ። ብዙሕ ደስ ዘብል ተሞክሮታት ኣስተማቒሮም ኢዮም። ገለ መንእሰያት ንመምህራኖም ወይ መማህርቶም ዘገድሶም ኰይኑ ዝስምዖም ኣርእስትታት ስርዓታውያን ኰይኖም ይወስዱ። ገለ ነገር ክትገዝእ ክትጓዓዝ ከሎኻ ገለ ቅዳሓት ምሳኻ ተማላእ: እቲ ጉዳይካ ምስ ወዳእካ ድማ ነቶም ነጋዶ ኣበርክተሎም። መብዛሕትና ነዳዲ ኵሉ ግዜ ንዕድግ ኢና: ኣብቲ መዐደሊ ስለምንታይ ነቲ ነዳዲ ዝሸይጥ ሰብ መጽሔታት ዘይነበርክተሉ፧ ኣዝማድ ክበጽሑ ከለዉ: ህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጥቀም ከሎኻ: ወይ ድማ ቈጸራ ክትጽበ ከሎኻ ቅሩባት ግበሮም። ብዛዕባ ካልኦት ምቹኣት ኣጋጣሚታት ክትሓስብ ምኸኣልካዶ፧

◼ ሓጺር ናይ መጽሔት ኣቀራርባ ኣዳሉ:- ሒደት ጥራይ ክትዛረብ ወጥን ግናኸ ጽቡቕ ገይርካ ኣቕርቦ። ብተመስጦ ተዛረብ። ናብ ልቢ ብጻሕ። ንጹር ኵን። ካብቲ መጽሔት ሓደ ሓሳብ ውሰድ: ብሒደት ቃላት ግለጾም እሞ ነተን መጽሔታት ኣበርክተን። እቲ ዝበለጸ ኣቀራርባ ኣብቲ ዘገድስ ኣርእስቲ ሕቶ ብምልዓልን ብድሕሪኡ ድማ ናብቲ ጽሑፋዊ መልሲ ዝህብ መጽሔት ምሕባርን ኢዩ። እዚ ብኸመይ ክግበር ከም ዝኽእል ሒደት ኣብነታት ርአ:-

3 ብዛዕባ ምውሳኽ ገበን ተጕልሕ እንተድኣ ኣሊኻ: ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል:-

◼ “ለይቲ ብዘይ ናይ ገበን ፍርሂ ክንድቅስ ክንክእል እንታይ የድ⁠ሊ፧” እቲ በዓል ቤት ነገራት ዝሓሸ ክኸውን ኢሉ ዘይትስፎ ሰብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ከምኡ ከም ዝሓስቡን ውስኽ ኣቢልካ ድማ ንዕኡ ከገድሶ ዝኽእል ሓበሬታ ከም ዘሎካን ብምግላጽ ክትምልስ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ናብ ዝሰማማዕ ነጥቢ ናይቲ ዓንቀጽ ኣመልክት።

4 ብዛዕባ ናብራ ስድራቤት ዝምልከት ኣርእስቲ ከተበርክት ከሎኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ትኸውን:-

◼ “ብዙሓት ሰባት ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን ናብራ ክትገብርን ስድራቤት ክትኣልን ብሓቂ በዳሂ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ብዙሕ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ: ይኹን እምበር እቶም ክኢላታት እኳ ኣብቲ ናይቲ ሽግራት መፍትሒታት ኣይሰማምዑን ኢዮም። ዘተኣማምን መምርሒ ክንረኽበሉ እንኽእል ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧” ብድሕሪኡ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥበብ ዝገልጽ ኣብቲ መጽሔት ዘሎ ውሱን ሓሳባት ኣተኵር።

5 ብዛዕባ ማሕበራዊ ሽግር ዝምልከት ኣርእስቲ ከተበርከት ከሎኻ: ነዚ ኣቀራርባ እዚ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ሎሚ ብዛሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኢዮም ዘለዉ። ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ናብራ ክንነብር ፈጺሙ ኣይሓሰቦን።” ብድሕሪኡ እቲ ኣብታ ኣርእስቲ ዘሎ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ ሓሳባት ነዚ ናይ ሎሚ ናይ ህይወት ሽግር ከም እንዋጽኣሉን ተስፋ ናይ መጻኢ ነባሪ መፍትሒ ብምሃብን ብኸመይ ከም ዝሕግዞም ኣርእዮም።

6 ናይ መገዲ ምስክርነት ስሉጥ ኢዩ:- ኣብቲ ናይ 1940 ሕታም ናይ ሓባሪ (ናይ መንግስትና ኣገልግሎት): ኣስፋሕቲ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብመጽሔታት ተጠቒሞም ንናይ መገዲ ምስክርነት ሓንቲ ፍልይቲ መዓልቲ ክምድቡ ተተባቢዖም ኢዮም። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ትሳተፍዶ ኢኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ እቲ እትጥቀመሉ ኣገባብ ብሓቂ ስሉጥ ድዩ፧ ገለ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ሰባት ዝበዝሕዎ መገድታት ጠጠው ኢሎም ኣብ ንሓድሕዶም ክዘራረቡ ከለዉ እቶም ሰባት ከይተስተብሃለሎም ክሓልፉ ተራእዮም ኢዮም። ኣብ ክንዲ ነቲ መጽሔታት ሒዝካ ጎኒ ንጎኒ ጠጠው ምባል ተፈላሊኻ ናብ ሰባት ክትቀርብ ዝያዳ ስሉጥነት ኣለዎ። ዘይትፈልጦም ሰባት ብሓደ ሰብ ጥራይ ጠጠው ክብሉን ኣሕጽር ኣቢሎም ክሰምዑን ይኽእሉ ይዀኑ: መብዛሕትኦም ግን ናብ ዕላል እተጸምዱ ጉጅለ ክቐርቡ ተበግሶ ኣይወስዱን ኢዮም። ኣብ መገዲ ብዙሕ ኣቓልቦ ንስሕብ ስለ ዝዀንና: ነገልገልቲ ኣምላኽ ዝበቅዕ ጽቡቕ ኣቃውማን ውርዙይ ኣከዳድናን ክህልወና ፍሉይ ኣድላይነት ኣለዎ።​—⁠1 ጢሞ. 2:​9, 10

7 ምብጽጻሕ መጽሔት:- እቶም ምብጽጻሕ መጽሔት ዘለዎም ዋላ እኳ እቲ ዞባ ስርዓታዊ ብዝዀነ መገዲ እተዳህሰሰ እንተዀነ: ብዙሕ መጽሔታት የበርክቱ ኢዮም። ምብጽጻሕ መጽሔት እቲ ዝበለጸ ምንጪ ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።

8 ነቲ መጽሔታት ከተብጽሕ ኢልካ ስርዓታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምስ እትገብር: እቲ ምሳኻን ምስቲ በዓል ቤትን ዘሎ ሙቐትን ዕርክነትን እናዓበየ ክኸይድ ምዃኑ ክትግንዘብ ኢኻ። ብዝበለጸ እናተፋለጥካ ብዝኸድካ መጠን: ብዝቐለለ ድማ ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣርእስትታት ክትዘራረብ ትኽእል። እዚ ናብ ውጽኢታዊ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ: ርኡይ ዝዀነ ሞሳ ኣብ መጽሔታት ምስ ዝህሉ ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ኣበርክት። ከምኡውን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ነቲ በዓል ቤት ምስ እትረኽቦ ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ጸብጻብ ከተቕርብ ከም እትኽእል ዘክር።

9 ሓንቲ ሓብቲ ናብ ሓንቲ ኵሉ ግዜ እትቕበል ሰበይቲ ስርዓታዊት ኰይና መጽሔታት ተብጽሕ: ይኹን እምበር “እቲ ትብልኒ ዘሎኺ ኣይኣምኖን ኢየ” ትብላ። ኣብቲ ዳሕረዋይ ምብጽሓ እታ ሓብቲ ነቲ በዓል እንዳ ኣብ ቤት ረኸበቶ። ድሕሪ ምሕዝነታዊ ዝርርብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ምትዕርራይ ተገብረ። እታ ሓብቲ ምስቶም ኣብቲ ጽንዓት ክሓብሩ ዝመጹ ሰለስተ ደቆም ዕርክነት ገበረት። ኣብ መወዳእታ: እታ ኣደን ደቃን ህይወቶም ንየሆዋ ብምውፋይ ተጠምቁ። ሕጂ 35 ኣባላት ናይታ ስድራቤት ንሓቂ ተቐቢሎም ኣለዉ። እዚ ዅሉ እታ ሓብቲ ነቲ ምብጽጻሕ መጽሔት ስለ እተኸታተለቶ ኢዩ!

10 ምብጽጻሕ መጽሔት ዝጅመረሎም ብዙሓት መገድታት ኣለዉ። ነቲ ዝገበርካዮ ዕደላ መዝገብ ብምሓዝን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ነቲ ሓደስቲ ሕታማት ሒዝካ ክትምለስ ብምትዕርራይን ምብጽጻሕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ሓደ መገዲ ነቲ ኣብ ትሕቲ እታ “ኣብታ ትቕጽል ሕታምና” ዝብል ኣርእስቲ ዘሎ ሓበሬታ ምጥቃም ኢዩ። ምስ ተመለስካ: ነቲ በዓል ቤት ነታ ኣብ ዝሓለፈ ጠቒስካያ ዝነበርካ ኣርእስቲ ከም እተማላእካያ ንገሮ። ወይ ድማ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:- “ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ከንብባ ከሎኹ: ንዓኻ ከተገድሰካ ኢያ ኢለ ሓሲበ . . .” ብድሕሪኡ ቍሩብ ሓጺር ሓሳባት ሃብ እሞ ኣበርክታ። ነቲ ምብጻሕ ምስ ወዳእካ ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት መዝገብካ ሓሙሽተ ሓጸርቲ ነጥብታት ጽሓፍ:- (1) ናይቲ በዓል ቤት ስም (2) ናይ በዓል ቤት ኣድራሻ (3) ናይ ምብጻሕ ዕለት (4) እቲ እተበርከተ መጽሔት: ከምኡውን (5) እቲ እተዘርበሉ ኣረእስቲ። ገለ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ዝርዝሮም ክሳዕ 40 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምብጽሓት ብምእካብ ናይ መጽሔት ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምምዕባል ኣዝዮም ዕዉታት ኰይኖም ኢዮም!

11 ናይ ንግዲ ዞባ:- በቶም ኣብ ናይ ንግዲ ዞባ ዝዓዩ ኣስፋሕቲ ብዙሕ መጽሔታት ተዓዲሉ ኢዩ። ነቲ ናይ ድኳን-ንድኳን ዕዮ ፈቲንካዮዶ፧ ኣብ ገለ ጉባኤታት ኣብዚ መዳይ ናይ ኣገልግሎት እቲ ተሳታፍነት ውሱን ምዃኑ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ መጀመርታ: ገለ ናብቶም ናይ ንግዲ ሰባት ምብጻሕ ከቢድዎም ኢዩ: ንቝሩብ ግዜ ምስ ፈተንዎ ግን: ዘገድስን በረኸት ዘለዎን ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ንሓደ ተሞክሮ ዘለዎ ተስፋሒ ወይ ፓይነር ንምጅማር ክሕግዘካ ስለምንታይ ዘይትሓቶ፧

12 ካብ ድንኳን ናብ ድንኳን ምዕያይ ብዙሕ ጥቕምታት ኣለዎ። እንተወሓደ ኣብ ግዜ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዘይርከቡ ሰባት ኣዝዮም ሒደት ኢዮም! ናይ ንግዲ ሰባት ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይግደሱ እኳ እንተዀኑ: ምቕሉላት ኢዮም። ኣንጊህካ ጀምር፣ ምናልባት ጽቡቕ ተቐባልነት ክትረክብ ኢኻ። ገዛእ ርእስኻ ምስ ኣፋለጥካያ: ናይ ንግዲ ሰባት ኣብ ቤቶም ሳሕቲ ከም እትረኽቦም: ስለዚ ድማ ሓደስቲ ሕታማት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከተበርክተሎም ንቝሩብ ግዜ ትበጽሖም ምህላውካ ክትነግሮም ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ነጋዶ ምስ ናይ ዓለም ኵነታት ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ክጓዓዙ ንመጽሔታትና ከም ዘማስውሉ: ይኹን እምበር ንኸንብብዎ ዘለዎም ግዜ ሒደት ምዃኑ ጥቐስ። እዞም መጽሔታት እዚኣቶም ብዘይ ናይ ሃይማኖት: ፖለቲካ: ወይ ናይ ንግዲ ምቕናን ኣብ ሓድሽ ኣረኣእያ ብምምርኳስ ዘተሓሳስብ ሓበሬታ የቕርቡ። ምስቶም ኣብ ናይ መጽሔት ዞባ እተረኽቡ ዝግደሱ ሰባት: ምብጽጻሕ መጽሔት ክምዕብል ይኽእል ኢዩ።

13 ከም ስድራቤት መጠን ተዳሎ:- ካብቲ ሓደስቲ መጽሔታት ኣየናይ ኣርእስቲ ኣብቲ ዞባኹም ከም ዝሰማማዕ ንኽትመያየጡ ካብቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም ገለ ግዜ ክትምድቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣባላት ስድራቤት​—⁠ቈልዑውን ሓዊስካ​—⁠ኣቀራርባኦም ክለማመዱን ነቲ ከም እኒ “ብስራሕ ትሑዝ ኢየ”: “ናትና ሃይማኖት ኣሎና”: ወይ “ኣይግደስን ኢየ” ዝብል ተቓውሞታት ከሰንፍዎ ግደ ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ጽቡቕ ምትሕግጋዝ ነታ ስድራቤት ኣብ ናይ መጽሔት ምዝርጋሕ ስርዓታዊ እጃም ከም ዝህልዋ ክገብር ይኽእል ኢዩ።

14 ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕቲ ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም:- ተግባራዊ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ ናይ መዓልቲ መጽሔት ኣገልግሎት ኣኼባ: እታ ጉባኤ ብምልእታ ኣብቲ መንግስቲ ኣዳራሽ ኣብ ክንዲ እትእከብ: እቲ ዝመርሕ ኣብቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ቦታ ይግበሮ። እቶም ነቲ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክመርሑ ሓላፍነት እተዋህቡ ነታ ገጅለ ውሱን ሓሳባት ብምሓዝ ጽቡቕ ገይሮም ክዳለዉ ኣለዎም። እዚ ድማ ናይ ኣቀራርባ ኣብነትን ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ተገዳስነት ንምልዕዓል ክትጥቀመሉ ዝከኣል ካብቲ ሓደስቲ ሕታማት እተወስደ ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባትን ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ​—⁠እቲ ምቍራን ናይታ ጉጅለ ሓዊስካ​—⁠ካብ 10 ክሳዕ 15 ደቒቕ ጥራይ ዝጸንሕ ሓጺር ክኸውን ኣለዎ። ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕቲ እታ ጉጅለ ኣብቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ግዜ ብምሉኡ ትሕዝቲ ምእንቲ ክትከውን: እኹል ዞባ ምህላዉ ከረጋግጹ ኣለዎም።

15 ነቲ መጽሔታት ሞሳ ኣርኢ:- እታ ኣብ ናይ ሓምለ 1993 ሕታም ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዝወጸት “ንግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብጽቡቕ ተጠቐመሎም” ዘርእስታ እዚ ዝስዕብ ጽቡቕ ሓሳብ ትህብ:- “ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ ድሕሪ ምውጽኦም እውን ይኹን ኣብ ውሽጢ ወርሒ ወይ ክልተ ወርሒ እንተዘይተዓደሉ: እቲ ቁም ነገሮም ኣይጐድልን ኢዩ። እቲ ሒዞምዎ ዘለዉ ሓበሬታ ምስ ምሕላፍ ናይ ግዜ ኣድላይነቶም ኣይንክን ኢዩ . . . ናይ ዝሓለፉ መጽሔታት ምእካቦምን ፈጺምካ ድማ ዘይምጥቃምን ናብዞም ጠቐምቲ መሳርሕታት ሞሳ ምጕዳል ኢዩ ዘርኢ። . . . ነዞም ናይ ዝሓለፉ ሕታማት ኣብ ክንዲ እነቕምጦምን እንርስዖምን ኣብ ኢድ ዝግደሱ ሰባት ከነብጽሖም ኢልና ፍሉይ ጻዕሪ ክንገብርዶ ኣይምሓሸን፧”

16 ሎሚ ብዙሓት ንሓቂ ዝደልዩ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ኣብ ሓንቲ መጽሔት ዘሎ ሓበሬታ: ናብ ሓቂ ንኽመርሖም ዘድልዮም ክኸውን ይኽእል ኢዩ! የሆዋ ክንእውጆ ዘሎና ዘደንቕ መልእኽቲ ሂቡና ኣሎ: መጽሔታትና ድማ ነቲ መልእኽቲ ናብ ካልኦት ንምብጻሕ ኣገዳሲ ግደ ኣለወን። ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ናይ መጽሔታት ዕደላ ዝያዳ ግዱስ ክትከውንዶ ኢኻ፧ ንገለ ካብዞም ርእይቶታት ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት እዚ ክትጥቀመሎምዶ ኢኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ገይርካ ብዙሕ ክትባረኽ ኢኻ።

ተግባራዊ ርእይቶታት:-

◼ ነቲ መጽሔታት ኣቐዲምካ ኣንብቦ: ምስቲ ኣርእስትታት ድማ ተላለ።

◼ ምስቲ ማሕበረሰብካ ዝሰማማዕ ሓፈሻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣርእስቲ ምረጽ።

◼ ንእተፈላለዩ ሰባት ንሰብኡት ይኹን: ወይ ኣንስቲ: ወይ መንእሰያት ዝሰማማዕ ኣቀራርባ ኣዳሉ። ብኸመይ ምስቲ በዓል ቤት ከም እትሰማማዕን ብኸመይ ብምልእታ እታ ስድራቤት ከም እተሕጐሰሉን ኣርኢ።

◼ ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ገዝኦም ከለዉ ኣብ ንጥፈታት ናይ ግራት ኣገልግሎትካ ክትጽመድ ወጥን። ገለ ጉባኤታት ብመጽሔት ምምስካር ኣብ ናይ ምሸት ገይረናኦ ኣለዋ።

◼ ኣቀራርባኻ ሓጺርን ነጥቢ ዝወቅዕን ግበሮ።

◼ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢልካ ኣይትዛረብ። እቲ ሰማዒኻ ተገዳስነት ዘይብሉ እንተድኣ ኰይኑ: ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢልካ ምዝራብ ኣይሕግዝን ኢዩ። ኣይትጨነቕ: ነቲ በዓል ቤት ክምልስ ኣጋጣሚ ሃቦ።

ካብ ቤት ናብ ቤት መጽሔታት ምዓዳል:-

◼ ምሕዝነታዊ ፍሽኽታን ሕያውነት ዘለዎ ድምጽን ይሃሉኻ።

◼ ብዛዕባ እቶም መጽሔታት ተመስጦ ይሃሉኻ።

◼ ቀስ ኢልካ ኣነጺርካ ተዛረብ።

◼ ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ጥራይ ተዘራረብ፣ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣገዳስነት ኣላዓዕል: ነቲ በዓል ቤት ዘለዎ ረብሓ ኣርኢ።

◼ ሓንቲ ኣርእስቲ ኣጕልሕ።

◼ ሓንቲ መጽሔት ጥራይ ብምቕራብ: እቲ ኻልእ ከም ሓጋዚ ገይርካ ኣብርክቶ።

◼ ነታ መጽሔት ነቲ በዓል ቤት ሃቦ።

◼ ክትምለስ ከም ዝመደብካ ነቲ በዓል ቤት ኣፍልጦ።

◼ ነተን መጽሔታት እንተ ዘይተቐበልወንውን: ዕርክነታውን ኣወንታውን መዕጸዊ ይሃሉኻ።

◼ ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት መዝገብ ናይ ኵሉ ተገዳስነትን ዕደላታትን ምልክት ግበር።

መጽሔታት ንምዕዳል ዘሎ ኣጋጣሚታት:-

◼ ናይ ቤተ-ቤት ምስክርነት

◼ ናይ መገዲ ምስክርነት

◼ ናይ ድኳን-ንድኳን ዕዮ

◼ ምብጽጻሕ መጽሔት

◼ ናይ ምሸት ምስክርነት

◼ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ

◼ ናይ ቀደም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትበጽሕ ከሎኻ

◼ ክትጓዓዝን ክትዕድግን ከሎኻ

◼ ነዝማድ: መሳርሕቲ: ጐረባብቲ: መማህርቲ: መምህራን ክትምስክር ከሎኻ

◼ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ: ናይ መጸበዪ ክፍልታት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ