ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/98 ገጽ 8
  • መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን እዋናውያን መጽሔታት ሓቂ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ነተን ሓቂ ዚምስክራ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 4/98 ገጽ 8

መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ

 1 ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኢ ብምስባኽ ኣዚና ፍሉጣት ኢና። እቶም እነበርክቶም ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት: ሚልዮናት ሰባት ዕላማታት ኣምላኽ ንኽማሃሩ ኣብ ምሕጋዝ ሓያል ግደ ኣለዎም። እቲ ዝገልጽዎ መልእኽቲ ብሓቂ ብስራት ኢዩ: ከመይሲ እንኮ ተስፋ ወድሰብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነት ዝእውጁ ኢዮም።

 2 መጽሔታት ነቲ ንሰባት ብሓቂ ዘድልዮም ነገራት​—⁠ስምዒታውን ማሕበራውን መንፈሳውን​—⁠ሓገዝ ይህቡ ኢዮም። ናይ ስነ⁠-​ምግባርን ስድራቤትን ስርዓት ኣብ ኵሉ ቦታ እናደኸመ ክኸይድ ከሎ: ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዕልዎ ብምሕባር: ንሰባት ናብርኦም ንኸመሓይሹ ይሕግዙ ኢዮም። ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን መጽሔታት ምዕዳል ከሐጕሰና ኢዩ።

 3 ናይ ሓቂ ማራኽነት ኣለዎም:⁠- ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዳርጋ ኵሎም ህዝቢ ዓለም ብዝጥቀምሉ ቋንቋታት ይርከብ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: መጽሔታትና ኣዝዮም ፍሉጣት ኢዮም። ሰባት ብመጽሔታት ዝማረኽሉ ገለ ምኽንያታት እነሆ:⁠-

◼ ከም መጽሔታት ንጽህናን ሓቅን መጠን: ነቲ ኣብ መንጎ ሰናይን እከይን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ይሕብሩ።

◼ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቱ ከም እትኸውን ኣብ ዝገልጽ ናይ ኣምላኽ መብጽዓ ብምምርኳስ: ጽድቃዊት ገነት ክትመጽእ ምዃና ተስፋ ይህቡ።

◼ ኵሉ ዓይነት መበቈልን ባህልታትን ንዘለዎም ሰባት ዝማርኽ: እዋናዊ ዝዀነ ኣዝዩ እተፈላለየ ኣርእስታት ዘለዎ መጽሔታት ተሓቲሙ ኢዩ።

◼ እቲ ዓንቀጻት ሓጺርን መሃርን ሓቅነት ዘለዎን ኢዩ: ኣቐዲሙ ብሕማቕ ኣይፈርድን ንሓቂ ድማ ኣይሽፍንን ኢዩ።

◼ እቲ ንዓይኒ ዝማርኽ ስእላዊ መግለጺታት ቅልጡፍ ተገዳስነት የሕድር ኢዩ: እቲ ንጹር ናይ ኣጸሓሕፋ ኣገባብ ድማ ነቲ መጽሔታት ብቐሊሉ ከም ዝንበብ ዝገብር ኢዩ።

 4 ብሰፊሑ ዘርግሓዮም:⁠- ኣስላጢ ዝዀነ ምዝርጋሕ መጽሔት ብዓቢኡ ኣብ ምድላው ኣቀራርባና: ኣመዳድባ ግዜና: ከምኡውን ናይ ስብከት ንጥፈትና ንምምሕዳር ኣብ እንገብሮ ትግሃት እተመርኰሰ ኢዩ። ኣብ ናይ መስከረም 1995 ከምኡውን ኣብ ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕታማት ተግባራዊ ሓሳባት ተዋሂቡ ኢዩ: ነዚ ምልስ ኢልካ ምርኣዩን ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

 5 ምስቲ መጽሔታት ሌላ ግበር:⁠- ነፍሲ ወከፍ ሕታም ከተንብብ ከሎኻ: ነታ ቅዳሕ ብምርካቡ ከማሱ ዝኽእል ሰብ እንተሎ ሕሰብ። ኣብ ኣቀራርባኻ ክትጠቕሶ እትኽእል ፍሉይ ነጥብታትን ቅዱስ ጽሑፋትን ድለ። ምይይጥ ንምጅማርን ኣብቲ ኣርእስቲ እቲ ድማ ተገዳስነት ንምልዕዓልን ክትሓቶ እትኽእል ሕቶታት ሕሰብ።

 6 ነቲ ኣቀራርባ ምስቲ ሰብ ኣሰማምዓዮ:⁠- ንሰብኣይ: ንሰበይቲ: ብዕድመ ንዝደፍአ ሰብ: ወይ ድማ መንእሰይ: ንእትፈልጦ ይኹን ዘይትፈልጦ ሰብ ክሰማማዕ ዝኽእል ቀሊልን ተዓጻጻፍን ኣቀራርባ ኣዳሉ።

 7 ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንምብርካት ድሉው ኩን:⁠- መጽሔታት ኣብ ዕብይ ዝበለ ቦርሳ: ኣብ ናይ ኢድ ቦርሳ: ወይውን ኣብ ጁባ ብቐሊሉ ክትሓዙ ዝኽእሉ ስለ ዝዀኑ: ክንጓዓዝ ወይ ድማ ናብ ዕዳጋ ክንከይድ ከሎና ቅዳሓት ምሳና ክንሕዝ ንኽእል ኢና። ምስ ኣዝማድ: ጐረባብቲ: መሳርሕቲ: መማህርቲ: ወይ መምህራን ክትዛረብ ከለኻ ኣበርክቶም። ናይ መጽሔት ምስክርነት ንምሃብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ መድብ።

 8 ንመጽሔታት ሞሳ ኣርኢ:⁠- መጽሔታት ጥቕሞም ፈጺሙ ኣይጐድልን ኢዩ። ምሕላፍ ግዜ ኣድላይነት ናይቲ ሒዞምዎ ዘለዉ መልእኽቲ ኣየጕድሎን ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ንዅሉ እቲ እንቕበሎ መጽሔታት ንምብርካት ፍሉይ ጻዕርታት እንተድኣ ገይርና: መዓልቱ ዝሓለፈ ሕታማት ኣብ ከብሕታትና ኣይክእከብን ኢዩ።

 9 ናይ መገዲ ምስክርነት ኣስላጢ ኢዩ:⁠- መጽሔታት ንብዙሓት ሰባት ንምዕዳል ካብቲ ዝበለጸ መገድታት ሓደ እዚ ኢዩ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ስርዓታውያን ብምዃን ኣብ ናይ ዕዳጋ መዓልትታት ሰብ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢታት ይዓዩ።

 10 ናይ ንግዲ ዞባታት ፍረ ዘፍሪ ኢዩ:⁠- ካብ ድኳን ናብ ድኳን ብምኻድ ምስክርነት ክንህብ ከለና: ኣብ ገዛ ዘይንረኽቦም ሰባት ሒደት ኢዮም። መብዛሕትኦም ነጋዶ ምቕሉላት ኢዮም: ብዙሓት ድማ መጽሔታት ብሓጐስ ይቕበሉ ኢዮም። ንነፍሲ ወከፍ ዕዮ ዝሰማማዕ ዓንቀጻት ኣቕርብ።

 11 ምብጽጻሕ መጽሔት ውጽኢታዊ ኢዩ:⁠- መጽሔታት ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ዝሕተሙ ስለ ዝዀኑ: ናብቶም ዘንብብዎም ሰባት ተመሊስካ ንምኻድን ነቲ ዝቕጽል ሕታማት ንምዕዳልን ዝሰማማዑ ኢዮም። መጽሔታት ንምዕዳል ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ተገዳስነቱ ንምምዕባል ስርዓታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ኣሎና። ምብጽጻሕ መጽሔት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ዝኽእሉ ሰባት ንምርካብ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ።

 12 ሚያዝያን ግንቦትን ብዝበለጸ ተጠቐመለን:⁠- ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንሚልዮናት መማሰውቲ ኣንበብቲ እምንቶ ከም ዘሕድሩ ገይሮም ኢዮም። ኣብ ምእዋጅ እታ መንግስቲ ኣዝዮም ኣስለጥቲ ኢዮም: ምሳና ክንማልኦምን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ድማ ክንዕድሎምን ሸቶ ክንገብሮ ኣሎና። ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ኣብ ምዝርጋሕ መጽሔት ሓለፍ ዝበላ ኣዋርሕ ዝዀና ይግበረን!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ