ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/07 ገጽ 3-4
  • ነተን ሓቂ ዚምስክራ መጽሔታት ኣበርክት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነተን ሓቂ ዚምስክራ መጽሔታት ኣበርክት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሔት ንምዕዳል ዚሕግዝ ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እተዳሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 12/07 ገጽ 3-4

ነተን ሓቂ ዚምስክራ መጽሔታት ኣበርክት

1. መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! እንታይ ግደ እዩ ዘለወን፧

1 መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን እታ ብጸይታ መጽሔት ንቕሑ! መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ብቐዳምነት ይጥቀሳ እየን። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክንካፈል ከለና: ነዘን ክልተ እዋናውያን መጽሔታት እዚኣተን ኣዘውቲርና ብምዕዳልና ንሕጐስ ኢና።

2. ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! እንታይ ለውጥታት እዩ ተገይሩ፧ ስለምንታይከ፧

2 ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዓቐንን ትሕዝቶን እዘን መጽሔታት እዚኣተን ከምኡውን ኣብ ኣገባብ ኣተዓዳድላና እተገብረ ለውጥታት ርኢና ኢና። እዚ ለውጥታት እዚ እተን መጽሔታት ሰሓብትን ውጽኢታውያን ኪዀና ተባሂሉ እዩ ተገይሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣልባብ ሰባት ይበጽሕ እሞ: ‘ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ’ ይኽእል።—1 ጢሞ. 2:4

3. ነዘን መጽሔታት እዚኣተን ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክንጥቀመለን ኢና፧

3 ካብ ጥሪ 2006 ኣትሒዝና ነታ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ እትሕተም መጽሔት ንቕሑ! ንምዕዳል ዜኽእል እተፈላለየ ኣቀራርባ ኽንጥቀም ጸኒሕና ኢና። ሕጂ ንሓንቲ ኻብተን ኣብ ወርሒ ዚሕተማ ኽልተ ሕታማት እታ መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎትና ንምዕዳል ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ኽንጥቀም ኢና። ንነፍሲ ወከፍ መጽሔት ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ይርከብ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ናይ መእተዊ ዓንቀጻት እተን መጽሔታት ዜጕልሕ እዩ: ሓድሓደ ግዜ ግን ካልእ ሰሓቢ ዓንቀጻት እውን ይቐርብ እዩ። ምስቲ ዚቐርብ ዓንቀጽ ኣጸቢቕና ምስ እንፋለጥን ምስ ክልና ንምስምማዑ ድማ ብናትና ኣበሃህላ ምስ እነቕርቦን እቲ ኣቀራርባ ዝያዳ ውጽኢታዊ ይኸውን።

4. ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚወጽእ ኣቀራርባ: ካልእ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ንነፍሲ ወከፍ መጽሔት ክልተ ኣቀራርባ ዚወጽእ እኳ እንተ ዀነ: ካብዚ እተፈልየ ኻልእ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ከምዚ እትገብረሉ ሓደ ምኽንያት: ካልእ ዓንቀጻት ኣብ ክልኻ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ኪኸውን ስለ ዚኽእል እዩ። ወይ እውን ካልእ ንዓኻ ዜገድሰካ ዓንቀጽ ተጠቒምካ ውጽኢታዊ ኣቀራርባ ኽትገብር ትኽእል ኰይኑ ይስማዓካ ይኸውን።

5. ንሓንቲ እትዕድላ መጽሔት ኣቀራርባ ቕድሚ ምድላውካ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

5 ኣቀራርባኻ ብኸመይ ከም እተዳሉ:- መጀመርታ ነቲ ኸተቕርቦ ደሊኻ ዘለኻ ዓንቀጽ ኣጸቢቕካ ኽትርድኦ ኣሎካ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ቕድሚ ምክፋልካ ንነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ እታ መጽሔት ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ትኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ ኸተቕርቦ ተዳሊኻ ዘለኻ ዓንቀጽ ብውዕዉዕ ስምዒትን ብቕንዕናን ከተቕርቦ ይግባእ። ከምዚ ኽትገብር እትኽእል ድማ ኣቐዲምካ ምስቲ ሓሳባት ጽቡቕ ጌርካ እንተ ተላሊኻ ጥራይ ኢኻ።

6. ናይ ርእስና ኣቀራርባ ኸነዳሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ድሕሪኡ: መእተዊ ቓላት ኣብ ምድላው ተዓጻጻፊ ኹን። ዝርርብ ንምጅማር ምስቲ ዓንቀጽ ዚተሓሓዝ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኽትጥቀም ትኽእል ትኸውን። ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ልቢ ንምትንካፍ ዘለዎ ሓይሊ ወትሩ ተኣማመን። (እብ. 4:12) ምስቲ ኸተመሓላልፎ ደሊኻ ዘለኻ ሓሳባት ዚኸይድ ጥቕሲ ምረጽ: እታ ጥቕሲ ኣብታ ኽትዕድላ ደሊኻ ዘለኻ መጽሔት ተሓቢራ ወይ ተጠቒሳ ዘላ እንተ ዀይና ይምረጽ። ነታ ጥቕሲ ምስታ ዓንቀጽ ብኸመይ ከም እተተኣሳስራ ድማ ሕሰብ።

7. ኣቀራርባና ተወሳኺ ምትዕርራያት ክንገብረሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ:- ሓደ ኣቀራርባ ብሓቂ ውጽኢታዊ ንኪኸውን: ክትጥቀመሉ ኽትክእል ኣሎካ። ኣብቲ ቐዳም ዚግበር ናይ መጽሔት ምስክርነት ምስታ ጉባኤኻ ተኻፈል። እተን መጽሔታት ነቶም ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋትና ተቐቢሎም ዚፈልጡ ሰባት ኣበርክተን። ነቲ መጽሔታት ኵሉ ግዜ ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሎምን ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ ክትረኽቦም ንእትኽእልን ሰባት ኣበርክት። ዕዳጋ ኽትከይድ ከለካ: ኣብ መገሻ ወይ ኣብ ሕክምና ተራ ኽትጽበ ኸለኻ ንእትረኽቦም ሰባት መጽሔታት ክትህቦም ትኽእል ትኸውን። ኣብታ ወርሒ ነቲ ኣቀራርባኻ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ኣመሓይሾ።

8. ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ፍሉያት ዚዀና በየናይ መገድታት እየን፧

8 መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ፍሉያት እየን። ንየሆዋ ኸም ዝለዓለ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት መጠን ክብ የብላኦ። (ግብ. 4:24) ንሰባት ብብስራት መንግስቲ ኣምላኽ የጸናንዓ: ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ኬሕድሩ ድማ የተባብዓ። (ማቴ. 24:14፣ ግብ. 10:43) ብተወሳኺ: ኵነታት ዓለም ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ነቒሐን ይከታተላ። (ማቴ. 25:13) ኣብ ኵሉ ዝረኸብካዮ ምሹእ ኣጋጣሚ ነዘን መጽሔታት እዚኣተን ንኸተበርክተን ብምድላው: ኣብ ክልኻ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ካብአን ኪጥቀሙ ሓግዞም።

9. ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን ባይታ ኸነንጽፍ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 መጽሔት እንተ ኣበርኪትካ: ወይ ምስ ገለ ሰብ ባህ ዜብል መንፈሳዊ ዝርርብ እንተ ጌርካ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽትገብር ወይ ካልእ መንፈሳዊ ዝርርብ ንኽትቅጽል ዜኽእል ሕቶ ወይ ዜመራምር ሓሳባት ኣዳሉ። ዘርኢ ሓቂ ኣብ ምዝራእ ቀናኣት እንተ ደኣ ዄንና: የሆዋ ኣልባብ እቶም ብሓቂ ኺፈልጥዎን ኬገልግልዎን ዚብህጉ ሰባት ከም ዚኸፍት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 3:6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ