ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
1. ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚወጽእ ኣቀራርባ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧
1 መጽሔታት ይኹን ካልእ ጽሑፋት ብኸመይ ከም እንዕድል ዜርኢ ኣቀራርባ ኵሉ ግዜ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ይወጽእ እዩ። ኣብ ኣገልግሎትና ነቲ ኣብኡ ዚወጽእ ኣቀራርባ ኸም ዘለዎ ቓል ብቓሉ ምድጋም ኣየድልየናን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣቀራርባ እንታይ ክንብል ከም እንኽእል ንኺሕብር ተባሂሉ ጥራይ እዩ ተዳልዩ። ኵሉ ግዜ ነቲ ኣቀራርባ ብናይ ገዛእ ርእስና ኣበሃህላ ንጥቀመሉ እንተደኣ ዄንና ዝያዳ ኣስለጥቲ ኢና እንኸውን። ባህርያዊ ኣዘራርባ ምጥቃም ነቲ ብዓል ቤት ፍዅስ ከም ዚብሎ ኣብ ርእሲ ምግባሩ ብቕንዕናን ብዜእምን መገድን ከም እንዛረብ ዜንጸባርቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 2:17፣ 1 ተሰ. 1:5
2. ንኣገልግሎት ዚዀነና ኣቀራርባ ኽንዳሎ ኸሎና: ናይቲ ኸባቢ ልምድታት ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
2 ኣቀራርባኻ ዚሰማማዕ ግበሮ:- ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከሎና እንጥቀመሉ ኣቀራርባ በቲ ናይቲ ኸባቢ ልምዲ ኣጸቢቑ ይጽሎ እዩ። ምስቶም ኣብ ዞባና ዚርከቡ ሰባት ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዕላል ኣምሲልና ኽንነግሮም ድዩ ዘሎና፧ ወይስ ብቐጥታ ናብ መልእኽትና ኽንኣቱ እዮም ዚጽበዩና፧ እዚ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ: አረ ሓደ ሓደ እዋን እውን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከይተረፈ ኺፈላለ ይኽእል እዩ። ሕቶታት ክንጥቀም ከሎና እውን መስተውዓልቲ ኽንከውን ኣሎና። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሕቶታት ምሕታት ጸገም ዘይብሉ ኪኸውን ከሎ ኣብ ገሊኡ ግን ነቶም ሰባት ባህ ዘየብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ኣቀራርባና ኣብቲ ኸባቢ ተቐባልነት ምእንቲ ኺህልዎ መመዛዘንቲ ኽንከውንን ምስቲ ዅነታት ከነሰማምዖን ኣሎና።
3. ናይቶም ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ድሕረ-ባይታን ኣተሓሳስባን ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
3 ብተወሳኺ: ንግራት ኣገልግሎት ክንዳሎ ኸሎና ድሕረ-ባይታ ኸምኡውን ኣተሓሳስባ ናይቶም ኣብ ዞባና ዚርከቡ ሰባት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ንኣብነት: ንማቴዎስ 6:9, 10 ምስ ሓደ ውፉይ ካቶሊክ ክትመያየጠላ ኸለኻ ኻብቲ ምስ ሓደ ነታ “ኣቡነ ዘበሰማያት” እትብል ጸሎት እውን ከይተረፈ ዘይፈልጥ ተራ ሰብ ክትዛረብ ከሎኻ እትጥቀመሉ ኣቀራርባ እተፈልየ ምዃኑ ንጹር እዩ። ኣቐዲምና ብምድላው: ኣቀራርባና ነቶም ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ዝያዳ ምእንቲ ኺስሕቦም ምስ ኵነታቶም ከነሰማምዖ ኣሎና።—1 ቈረ. 9:20-23
4. ግቡእ ምድላው ምግባር ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
4 ሽሕኳ እቲ ኽንጥቀመሉ መዲብና ዘለና ኣቀራርባ ኻብቲ ተጻሒፉ ዘሎ ብዙሕ ዘይፍለ እንተዀነ: ግቡእ ምድላው ክንገብር ግን ኬድልየና እዩ። ነታ ኽንዕድላ ወይ ክንመያየጠላ ደሊና ዘሎና ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ኣጸቢቕና ኸነንብባን ተገዳስነት ዜለዓዕል ነጥብታት ክንደልየላን ኣሎና። ድሕርዚ ነቲ ነጥብታት ኣብ ኣቀራርባና ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚርከብ ብሉጽ ትምህርቲ ኣጸቢቕና ምስ እንፈልጦ ጥራይ ኢና ንጽሑፋትና ብውዕዉዕ ስምዒት ክንዕድሎ እንኽእል።
5. ካልእ ኣቀራርባ ኽንዳሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና: ከምዚ ኽንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
5 ካልእ ኣቀራርባ:- ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚወጽእ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ጥራይ ዲና ኽንጥቀም ዘሎና፧ ኣይፋልን። ዝያዳ ዚቐለካ ኣቀራርባ እንተደኣ ኣሎ ዀይኑ ወይ ድማ ካልእ ፍልይ ዝበለ ጥቕሲ ኽትጥቀም እንተደኣ ደሊኻ: ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። መጽሔታት ከተበርክት ከሎኻ: እቲ ተወሳኺ ዓንቀጻት ብፍላይ ነቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ኬገድሶም ስለ ዚኽእል: ተገዳስነቶም ንምልዕዓል ዚሕግዝ ኣጋጣሚታት ንምርካብ ንቑሕ ክትከውን ኣሎካ። ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንግራት ኣገልግሎት ዚኸውን ኣቀራርባ ኪቐርብ ከሎ: ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ ኣስላጢ ኣቀራርባ ኣብቲ ኣኼባ ንምቕራብ ምድላዉ ኺግበር ይከኣል እዩ። በዚ መገዲ እዚ ድማ እዮም ኵሎም ኣስፋሕቲ ነቲ ብስራት ብስሉጥ መገዲ ኬቕርብዎ ዚኽእሉ።