ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/98 ገጽ 1
  • ፍረ እንተድኣ ኣፍርዩ ተጠቐመሉ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍረ እንተድኣ ኣፍርዩ ተጠቐመሉ!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንኣገልግሎት ብምድላው ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ነተን ሓቂ ዚምስክራ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ኩሉ ግዜ ክልውጥ የድልየኒ ድዩ?
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 2/98 ገጽ 1

ፍረ እንተድኣ ኣፍርዩ ተጠቐመሉ!

1 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ኣገልግሎት እንጥቀመሉ እተፈላለየ ሓሳባት ዘለዎ ኣቀራርባታት ብቐጻሊ የዳልወልና ኢዩ። እዚ ኣቀራርባታት እዚ ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ብኸመይ ተገዳስነት ከም እነልዕል ሓድሽ ሓሳባት ይህበና ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓደ ወይ ዝያዳ ካብዚ ኣቀራርባታት እዚ ንኽትማሃር ጻዕሪ ትገብር ትኸውን። ይኹን እምበር: ገለ ኣስፋሕቲ ንገለ ካብኡ ንሒደት እዋናት ምስ ተጠቐምሉ ጸኒሑ ድማ ካልእ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሓደስቲ ኣቀራርባታት የዳሉ። ነቲ ቕድም ኢሉ እተዋህበ ኣቀራርባ ከይመለኽካ ሓድሽ ኣቀራርባ ክትማሃር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝከኣል ክኸውን ከም ዘይክእል ርዱእ ኢዩ።

2 ርግጽ ኢዩ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብዙሕ ሰዓታት ዘሕልፉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፓይነራትን ካልኦት ኣስፋሕትን ኣለዉ። ብተወሳኺ: ብዙሓት ጉባኤታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሒደት ሰሙናት ንብምልኡ ዞባአን ይዓይኦ ኢየን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት: ኣስፋሕቲ ነቲ መልእኽቲ ንምብጻሕ ዝሕግዞም ሓድሽ ኣቀራርባታትን ሓሳባትን ብምርካቦም መማሰውቲ ኢዮም። እዚ ክእለቶም ንኸማዕብሉ ይሕግዞም ኢዩ። ንኣገልግሎቶም እውን ብዝያዳ ደስ ዘብልን ፍረ ዘለዎን ዝገብር ኢዩ: ነቲ ዘጋጥሞም ብድሆታት ንኽዋጽእሉ ኸኣ ይሕግዞም።

3 እንተ በዚ እንተ በቲ: ተገዳስነት ኣብ ምዅስኳስ ኣስላጢ ዝዀነ ኣቀራርባ እንተድኣ ኣዳሊኻ: ብዘይ ምቍራጽ ተጠቐመሉ! ሓደ ኣስላጢ ዝዀነ ኣቀራርባ ፍረ ዘፍሪ እንተድኣ ኣልዩ ዀይኑ ከይተጠቐምካሉ ክትተርፍ ኣድላዪ ኣይኰነን። ምስቲ ኣብቲ ወርሒ እቲ ዝዕደል ጽሑፍ ጥራይ ኣሰማምዓዮ። ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተዋህበ ሓሳባት ከተጽንዖ ከለኻ: ኣብ ኣቀራርባኻ ክትጥቀመሉ እትደሊ ኣገደስቲ ነጥብታት ድለ።

4 ስለዚ ሓድሽ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ምስ ተቐበልካ: እቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣቀራርባታት ሓሳባት ጥራይ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ክትጥቀመሎም እንተድኣ ኽኢልካ: ጽቡቕ ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብ ዞባኻ ፍረ ዘፍሪ ኣቀራርባ ድሮ እንተድኣ ረኺብካ ኣለኻ: ተጠቐመሉ! እቲ ተደላዪ ነገር ነቶም ዝግብኦም ሰባት ብምርካብን ደቀ መዛሙርቲ ንኽዀኑ ብምሕጋዝን: ብጽቡቕ ኵነታት ‘ኣገልግሎትካ ንምምላእ’ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞ. 4:⁠5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ