ኩሉ ግዜ ክልውጥ የድልየኒ ድዩ?
ነፍሲ ወከፍ ሕታም ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ክንምስክር ከሎና ክንጥቀመሎም እንኽእል ዝተፈላለዩ ጽሑፋዊ መእተዊትት ይቕረበልና ኢዩ። ብዙሓት ንቑሓት ኣስፋሕቲ ሓድሽ ሓሳባት ክረኽቡን፤ ዝተፈላለዩ መእተዊታት ክጥቀሙን ኢዮም ዝብህጉ። ናይ መንግስትና ኣገልግሎት በብወርሒ ብዙሕ ሓሳባት ብምቕራብ ተአንግዶም ኣላ።
ምናልባት ግን ነቲ ክትጥቀመሉ ዝጸናሕካ ክትልውጦ ኣድላይ ኮይኑ ኣይስመዓካን ይኸውን። ኣብቲ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ዝግበር ዕዮ ቅሩብ ሰዓታት ይህልወካ ይኸውን። ጽቡቕ ውጽኢት ዝረኸብካሉ ካብ ነዊሕ ግዜ ዘማዕበልካዮ እትሰማማዓሉ መእተዊ ይህልወካ ይኸውን። ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ኩሉ ግዜ እንጥቀመሎም ጥቕስታት ከም መዝሙር 37:9–11፣ 2 ጴጥሮስ 3:13 ወይ ራእይ 21:4 ወይ ካልኦት ትምርኮስ ትኸውን። ከምዚ እንተ ኾይኑ ደጋጊምካ ናብ ካልእ ክትልውጥ ናይ ግድን ክስመዓካ ኣየድልየካን ኢዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማና ነቲ ተስፋ ናይታ መንግስቲ ምስ ካልኦት ክንካፈሎን ናይ የሆዋ በረኸት ክረኽቡ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ክመሃሩ ክንሕግዞምን ኢዩ። ሓድሽን ዝስሕብን ኣቀራርባ ካብ መጽሓፍ ምምርማር ክትጥቀም ጀሚርካስ እሞ ጽቡቍ ውጺኢት ድማ ትረኽበሉ ኣሊኻ ንኽትጥቀመሉ ኣይትጠራጠር።