ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንለካቲት
2 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 166
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ቲኦክራሲያዊ ዜና።
15 ደቒቕ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ሓቀኛታት ወንጌላውያን።” ሕቶን መልስን። ነቲ ኣብ ናይ 1 መስከረም 1992 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን ወስኸሉ።
20 ደቒቕ:- “ነቲ ዕድመ ናብ ነፍሲ ወከፍ ዝጸምአ ሰብ ዘርግሓዮ።” እቲ እተዋህበ ኣቀራርባታት ተገዳስነት ንምልዕዓልን ንሰማዕቲ ንምቕስቃስን ብኸመይ ተዳልዩ ከም ዘሎ ብምግላጽ ነቲ ዓንቀጽ ተዘራረበሉ። ሓደ ዓቢ ሰብ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 2-3 ወይ ድማ ኣብ ቍጽሪ 4-5 ዘሎ ከምኡውን ሓደ መንእሰይ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 6 ዘሎ ኣቀራርባ ብመርኣያ ከም ዘቕርቡ ግበር።
መዝሙር 208ን መዕጸዊ ጸሎትን
9 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 96
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
20 ደቒቕ:- እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ነቲ “ሚልዮናት ሰባት ይሳቐዩ ኣለዉ—ክሕገዙ ምተኻእለዶ፧” ዝብል ኣብ ናይ 8 ሚያዝያ 1993 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 20-23 ዘሎ ብዝርርብ የቕርቦ። ነተን ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ደቓይቕ ሰማዕቲ ከም ዝሳተፉ ብምግባር በጃኻ ንድግማ ተጠቐመለን።
መዝሙር 220ን መዕጸዊ ጸሎትን
16 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 75
5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
10 ደቒቕ:- ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትካፈል ዘድልየካ ምኽንያታት። ሓደ ሽማግለ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ናይ ምክፋል ኣድላይነት ብምጕላሕ: ነቲ ኣብ 15 ነሓሰ 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 8-11 ዘሎ ቐንዲ ነጥብታት ይመያየጠሉ።
15 ደቒቕ:- ነቲ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ዓቢ ሓጐስ የምጽእ” ዝብል ብምንባብ ተመያየጠሉ። (km 4/87 ገጽ 1) ነቲ ስርዓታዊ ዄንካ ምግልጋልን ኵላትና ቅኑዕ ጸብጻብ ንምሃብን ዘሎና ሸቶ ኣጕልሓዮ። (km 4/87 እንተድኣ ዘይተረኺቡ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና [እንግሊዝኛ] ገጽ 106-110 ዘሎ ሓሳባት ተጠቐም።)
15 ደቒቕ:- “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ።” ብሽማግለ ዝዋሃብ ምዉቕን ዘተባብዕን ዝርርብ።
መዝሙር 15ን መዕጸዊ ጸሎትን
23 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 4
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ መጋቢት ዝዕደል ጽሑፍ ዘርዝሮ። ነቲ ኣብ ታሕሳስ 1995 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ነታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል መጽሓፍ ንምዕዳል ተባሂሉ ዝወጸ ነጥብታት ተጠቒምካ: ንመጽሓፍ ፍልጠት ክንዕድል ከለና ዝሕግዝ ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ግለጽ። ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጅማር ሸቶ ኣጕልሕ።
15 ደቒቕ:- “ፍረ እንተድኣ ኣፍርዩ ተጠቐመሉ!” ብሕቶን መልስን። ካብቶም ሰማዕቲ ተመክሮ ዘለዎም ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ: እቲ ኣቀራርባ ቀሊልን ፍረ ዘፍሪ ብምዃኑን ዝጥቀምሉ ዘለዉ ኣቀራርባታት ኣሕጽር ኣቢሎም ንኽገልጹ ኣዳሉ። ድሕርዚ ገለ ኣስፋሕቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸን ኣስላጢ ዀይኑ እተረጋገጸን ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተዋህበ ኣቀራርባታት ከም ዘካፍሉ ግበር።
20 ደቒቕ:- ንኣቀራርባኻ ኣብ ተግባር ኣውዕሎ። ካብታ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 98-9 ቍጽሪ 8-9 እተመርኰሰ ሓጺር ዝርርብ። ኣቀራርባና ክንምርምርን ዝያዳ ኣስላጢ ክገብረልና ዝኽእል መገድታት ክንደልን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሓዮ። ክልተ ኣሓት ከማሓይሻሉ ዝኽእላ መገዲ ብምምይያጥ: ነቶም ሰብ ቤት ዝብልኦም ነገራት ብኸመይ ከም ዝመርመረኦ መርኣያ ከም ዘቕርባ ግበር። ኣብ ንሓድሕደን ሓጋዚ ሓሳባት ብምልውዋጥ: ነቲ ኣብ ዝመጽእ እዋን ክጥቀማሉ ዝመደባ ኣቀራርባ ንምፍታን እውን ሓጺር ምልምማድ ይግበራ። እቲ ኣቦ መንበር ኵሎም ንኣቀራርባኦም ክምርምርዎን ክለማመድሉን ብምትብባዕ ይዛዝም።
መዝሙር 103ን መዕጸዊ ጸሎትን