ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/98 ገጽ 2
  • ቲኦክራሲያዊ ዜና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቲኦክራሲያዊ ዜና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 2/98 ገጽ 2

ቲኦክራሲያዊ ዜና

◼ በኒን:⁠- ኣብ ሕዳር ጸብጻብ ዝሃቡ ኣስፋሕቲ 5,331 ዝኣኽሉ ነበሩ: እዚ ድማ ንመበል 59 ግዜ ብተኸታታሊ እተራእየ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ኢዩ።

◼ ቆጵሮስ:⁠- እቲ ኣብ ሕዳር ዝነበረ 2 ካብ ሚእቲ ወሰኽ: ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ከም ዝርከብ ማለት ናብ 1,758 ክብ ከም ዝብል ገይሩ ኢዩ። 136 ስርዓታውያን ፓይነራት ጸብጻብ ብምሃቦም: በዚውን ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ነይሩ ኢዩ።

◼ ህንዲ:⁠- ኣብ ሕዳር ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ዝሃቡ 18,077 ኣስፋሕቲ ብምንባሮም: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ጽቡቕ ዕቤት ተራእዩ ኢዩ። እዚ ንመበል 39 ግዜ ብተኸታታሊ እተራእየ ዝለዓለ ቝጽሪ ኢዩ።

◼ ላይቤርያ:⁠- ኣብ ሕዳር ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግዜያት ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 2,120 ዝኣኽሉ ጸብጻብ ግራት ኣግልግሎት ሃቡ።

◼ ደሴታት ሰሎሞን:⁠- ኣብ ሕዳር 1,393 ዝኣኽሉ ጸብጻብ ብምሃቦም ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ተበጺሑ ኢዩ።

◼ ታይዋን:⁠- ክሳዕ እዚ ዓመት ኣገልግሎት እዚ ገምጋም ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 3,516 ኢዩ: እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት 6 ካብ ሚእቲ ወሰኽ ከም እተገብረ ዘመልክት ኢዩ።

◼ ኢትዮጵያ:⁠- እቲ ኣብ ሶዶን ነቀምቴን እተሰርሐ ሓደሽቲ ኣደራሻት መንግስቲ ደስ ብዘብል ሃዋሁ ኣብ ጥሪ ተወ​ፈየ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓደስቲ ጉባኤታት ተመስሪተን ኣለዋ:⁠- ኣዲስ ኣምባን መገናኛን ኣራት ኪሎን ኣብ ኣዲስ ኣበባ: ገብረ ጉራቻ: ነገሌ ቦረና: ሲባጫሮ (ጥቓ ጊምቢ): ሚዛን: ቴፒ: ወልቃይት: ሻኪሶ: ጊንጪ። ኣብዚ እዋን እዚ 90 ጉባኤታትን ልዕሊ 20 ዝዀና ጕጅለታትን ኣለዋና። ኣብ ካልኣይ መንፈቕ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት: ነቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ክፍሊ ትርጕምና ዝኸውን: ካብ ቤትኤል ነዊሕ ከይከድካ ዝርከብ ዳርጋ 160 ትርብዒት ሜተር ስፍሓት ዘለዎ እተመሓየሸ ናይ ቤት ጽሕፈት ክፍልታት ተረኺቡ ኣሎ። ተርጐምትና ነዚ ንዓኹምን ንሓያሎ ካልኦትን ዝጠቅም ዕዮኦም ንኸማዕብሉ ዘኽእሎም ንመዕየዪ ዝኸውን ህዱእ ኣከባቢ ምርካቦም የማስውሉ ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ