ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (እንግሊዝኛ)። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ምጅማር ኣድህብ። ሚያዝያ ከምኡውን ግንቦት:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት።
◼ እቲ ጸሓፍን ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ኵሎም ስርዓታውያን ፓይነራት ንጥፈት ክምርምርዎ ኣለዎም። ነቲ ዘድሊ ሰዓታት ኣብ ምምላእ ሽግር ዘለዎ ምስ ዝህሉ: እቶም ሽማግለታት ንምሕጋዙ መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ንምርካብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1993 ከምኡውን ናይ 1 ጥቅምቲ 1992 ካብ ማሕበር እተላእከ ደብዳበታት (S-201) ርኣይዎ። ናይ ነሓሰ 1986 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ቍጽሪ 12-20 እውን ርኣይዎ።
◼ ጉባኤታት ኣብቲ ኵንትራት ናይ ምሕዳስ ዝግበር መስርሓት ንኽሕግዛና ብእተኻእለ መጠን ነቲ እቲ ኵንትራት መዓልቱ ከም ዘእከለ ዝገልጽ ወረቓቕቲ (M-91 ከምኡውን M-191) ክጥቀማ ንሓትት። እዚ ወረቐት እዚ ብገለ ምኽንያት ምስ ዘይርከብ: ነቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዝለኣኸሉ ገበር ዘሎ ኣድራሻ ትቘርጽዎ እሞ: ምስቲ ልሙድ ናይ ኵንትራት ወረቐት ኣተሓሒዝኩም ክትልእክዎ ትኽእሉ ኢኹም።