ንኣገልግሎት ብምድላው ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
1 ንኣገልግሎት ብዚግባእ ምድላው: ንኻልኦት ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርኢ ይሕግዘና። ብኸመይ፧ ብዚግባእ ምድላው: ኣብ ኣቀራርባና ዘይኰነስ: ብዝያዳ ኣብቲ ብዓል ቤት ከም እነተኵር እዩ ዚገብረና። ብተወሳኺ: ናይ ምርባሽ ስምዒት ኣወጊድና ኻብ ልቢ ንኽንዛረብ የኽእለና። ኣስላጢ ኣቀራርባ ኸነዳሉ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧
2 ዚሰማማዕ ኣቀራርባ ተጠቐም:- ካብቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ኣቀራርባ ንኸባቢኻ ዚሰማማዕ ምረጽ: ከመይ ጌርካ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ኣበሃህላ ኸም እትጥቀመሉ ድማ ሕሰብ። ምስቲ ዞባኻ ኸም ዚሰማማዕ ግበሮ። ንኣብነት: መብዛሕትኡ ግዜ ምስ እተወሰነ ሃይማኖት ዘለዎም ወይ ካብ እተወሰነ ቐቢላ ምስ ዝመጹ ትራኸብ እንተደኣ ዄንካ: እንታይ ኪስሕቦም ከም ዚኽእል ሕሰብ። ኣቀራርባኻ ምስቶም እትዛረቦም ዘለኻ ሰባት ከም ዚሰማማዕ ምግባር: ነቶም ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ዜርኢ እዩ።—1 ቈረ. 9:22
3 ኣቀራርባኻ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ኣመሓይሾ። ናይ መእተዊ ቓላት ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ሰባት ንመእተዊኻ ብኸመይ ከም ዚምልስሉ ኣስተብህል። እቲ ኣርእስቲ የገድሶም ድዩ፧ እቲ እትሓቶም ሕቶታት መልሲ ንኺህቡ ዚዕድም ድዩ፧ ከምዚ እንተ ዘይኰይኑ: ኣቀራርባኻ ኣስላጢ ኽሳዕ ዚኸውን ምምሕያሽ ግበረሉ።
4 መዘኻኸሪታት:- ብዙሓት ኣስፋሕቲ ነቲ እተዳለዉሉ ኣቀራርባ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ብዓል ቤት ምስ በጽሑ ይርስዕዎ። ከምዚ ዜጋጥመካ እንተደኣ ዀይኑ: ኣብ ገዛ ኸለኻ ምስ ሓደ ሰብ ኴንካ ነቲ ኣቀራርባ ዓው ኢልካ ኽትለማመደሉ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ከምዚ ምግባር: እቲ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ ብንጹር ከም ዚቕረጽ ኣብ ርእሲ ምግባሩ: ብቐሊልን ብዜእምንን ኣገባብ ንኸተቕርቦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ንዜጋጥመካ እተፈላለየ ምላሽ እንታይ ከም እትገብር እውን ኬዳልወካ ይኽእል እዩ።
5 ካልእ መዘኻኸሪ ድማ ጽማቝ ሓሳባት እቲ ኣቀራርባ ኣብ ንእሽቶ ወረቐት ምጽሓፍን ናብቲ ቤት ክትቀርብ ከለኻ ነቲ ዝጸሓፍካዮ ምርኣይን እዩ። ገሊኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጺር መዘኻኸሪ ምጽሓፍ: ፍዅስ ኢልዎም ንኺዛረቡን ምስቶም ሰባት ጽቡቕ ንኼዕልሉን ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። በዚ መገድታት እዚ ብዚግባእ ምድላው: ንሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርእን ነቲ ብስራት ንምክፋል እንጥቀመሉ ኣቀራርባ ኸነመሓይሽን ይሕግዘና።