ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/05 ገጽ 8
  • ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን እዋናውያን መጽሔታት ሓቂ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ናይ ሰባት ፍሉይ ተገዳስነት ንምርካብ ዓንቀጻት ምረጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 2/05 ገጽ 8

ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት

1, 2. መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ንህይወት ብዙሓት ሰባት ዝተንከፋ ብኸመይ እየን፧

1 “ኣገደስቲ: እዋናውያን: ከምኡውን ኣዝየን ኣተባባዕቲ።” “ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዘንበብክዎ መጽሔታት እተን ዝበለጻ።” እዚ ርእይቶታት እዚ: ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣንበብቲ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ዚስምዖም ስምዒት ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጽ እዩ። ብርግጽ መጽሔታትና እቲ ብስራት ‘ንዅሉ ሰብ’ ንምብጻሕ ዚሕግዛ ኣዝየን ኣገደስቲ መሳርሒታት ምዃነን ድማ ኣመስኪረን እየን።—1 ጢሞ. 2:4

2 ሓደ ግዜ ሓደ ነጋዳይ እተገድሶ ኣርእስቲ ዝሓዘት ንቕሑ! ረኸበ። ጸኒሑ ድማ ኣብታ ብጸይታ ዝዀነት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ሒዝዎ ዝነበረ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ደጊሙ ኺሓስበሉ ዜለዓዕል ዓንቀጽ ኣንበበ። እዚ ተገዳስነት ኣለዓዓለሉ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ተጠምቀ። ሓደ ኻልእ ሰብኣይ ድማ ስርዓታዊ ዀይኑ መጽሔታት ይቕበል እኳ እንተ ነበረ ኣየንብቦን እዩ ነይሩ። በዓልቲ ቤቱ ግን ነቶም መሰኻኽር ትነጽጐም እኳ እንተ ነበረት ነቲ ምስ ሰብኣያ ዝገደፍዎ መጽሔታት ተንብቦ ነበረት። ልባ ብዛዕባታ ጻድቃን ሰባት ዚነብርዋ ምድራዊት ገነት ዚገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ተተንከፈ። ድሕሪ ገለ ግዜ ንሳ: ወዳ: ከምኡውን ሓብታ ኣገልገልቲ የሆዋ ዀኑ።

3. መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ብሓንሳእ ምብርካተን እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

3 ብሓንሳእ ኣበርክተን:- እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብነታት ከም ዜብርሆ መጽሔታትና መን ከም ዜንብቦ ወይውን ተገዳስነቶም ኬለዓዕል ዚኽእል እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። (መክ. 11:6) ስለዚ: ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ክንዕድል ከለና መእተዊ እንገብረላ ንሓንቲአን እኳ እንተዀንና ብሓንሳእ ክንዕድለን ግን ዝበለጸ እዩ። ምብጻሕ ኣብ እትገብረሉ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ እተፈላለየ ሕታማት መጽሔታትና ምዕዳል ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

4. መጽሔታት ንምዕዳል መደብ ከነውጽእ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 ኣብ ሰሙን መጽሔታት እትዕድለላ ሓንቲ መዓልቲ ምምዳብ ጠቓሚ እዩ። ኣብ ናይ 2005 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነፍሲ ወከፍ ቀዳም “መዓልቲ መጽሔት” ክትከውን ተመሪጻ ኣላ። ልክዕ እዩ ብሕታዊ ዅነታትን ከባብን ኪፈላለ ስለ ዚኽእል: ገለ ኣሕዋት መጽሔታት ንምዕዳል ካልእ መዓልቲ ይመርጹ ይዀኑ። መጽሔታት ምዕዳል ኣብ ሰሙናዊ መደብካ እቱው ድዩ፧

5. ንኸመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ኢና መጽሔታት ንምብርካት ክንጥቀመሉ ዘሎና: ከምዚ ንኽንገብር ዚሕግዘናኸ እንታይ እዩ፧

5 ብሕታዊ ሸቶ ኣውጽእ:- መጽሔታት ናይ ምዕዳል ወርሓዊ ሽቶ ምውጻእ: መጽሔታት ኣብ ምብርካት ዝያዳ ኸም እነተኵር እዩ ዚገብረና። ስርዓታዊ ዄንካ መጽሔታት እተብጽሓሎም ሰባት ኣለዉኻዶ፧ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦም ሰባትከ መጽሔታት ተበርክተሎምዶ፧ መጽሔታት ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት: ኣብ ናይ ንግዲ ከምኡውን ህዝባዊ ቦታታት ከተበርክት ትኽእልዶ፧ ክትጕዓዝ: ክትሽምት: ከምኡውን ናብ ቆጸራታት ክትከይድ ከሎኻ መጽሔታት ምሳኻ ትማላእዶ፧ ሰባት ካብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ምእንቲ ኺጥቀሙ ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ብግቡእ ተጠቐመሉ።

6. ናይ ቀደም ሕታማት መጽሔታትና ብግቡእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ነቲ ኣብ ቤትና ዘሎ ናይ ቀደም ሕታማት ንምብርካት እውን ሸቶና ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። ዋላ እውን እቲ መጽሔታት ካብ ዚወጽእ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ እንተ ኣሕለፈ ትሕዝቶኡ ግን ኣይቅየርን እዩ። ስለዚ: ንተገደስቲ ሰባት ኣበርክተሎም። መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ልክዕ ከም “ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል” ኰይነናኦም ኣለዋ። (ምሳ. 25:11) ስለዚ እምበኣር ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻልኦት ሰባት ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎን ኬገልግልዎን ንመጽሔታትና ብግቡእ ንጠቐመለን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ