ናይ ሰባት ፍሉይ ተገዳስነት ንምርካብ ዓንቀጻት ምረጽ
1 ልክዕ ከምቶም መንተግቲ ቀስቶም ከወንጭፉ ኸለዉ ነቲ ዝደልይዎ ዕላማ ንምውቃዕ ተጠንቂቖም ዝዕቅኑ: ብዙሓት ናይ ጉባኤ ኣስፋሕትን ፓይነራትን ንፍሉይ ተገዳስነት ናይቶም ኣብ ዞባኦም ዘለዉ ሰባት ንኽማርኹ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) እተመርጸ ዓንቀጻት ተጠቒሞም ብሉጽ ዓወታት ይረኽቡ ኣለዉ። ነቲ ኣብ መጽሔታት ዘሎ ገለ ገለ ዓንቀጻት ብዝያዳ ከንብቦ ዝደሊ መን ምዃኑ ይሓስቡ። ነዚ ግን ብኸመይ ኢዮም ዝገብርዎ፧
2 መጀመርታ ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ የንብቡዎ። ድሕርዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እንታይ ዓይነት ዓንቀጽ ከም ዘገድሶ ገዛእ ርእሶም ይሓቱ። ድሕርዚ ነቲ ዓንቀጽ እቲ ንምንባብ ዝግደሱ ክዀኑ ዝኽእሉ ውልቀ-ሰባት ንምብጻሕ ጻዕሪ ይግበር። እታ ፍልይቲ ሕታም እቲኣ ኣብ ዞባኦም ሰፊሕ ተቐባልነት ክትረክብ ኢያ ኢሎም ኣቐዲሞም ምስ ዝሓስቡ ኸኣ: ተወሳኺ መጽሔታት ይእዝዙ።
3 መጽሔታትና ጽቡቕ ክብሪ ኢዩ ዝዋሃቦም:- ሓደ ናይ መጽሔታትና ኵንትራት ዘለዎ ኣብ ሓንቲ ብሰፊሑ እትንበብ ኣብ ናይጀርያ እትዳሎ ዓለምለኻዊት መጽሔት ዝሰርሕ ሰብኣይ ብዛዕባ ንቕሑ! “ንዅሉ ህዝቢ ዝጠቅም ካብ ዓለም ብሉጽ ዝዀነ መጽሔት ስለ ዘለኩም ደስ ይበልኩም” በለ። ሓደ ንመጽሔታትና ብህንጥዮት ዘንብብ ኣንባቢ ኸኣ ከምዚ በለ:- “ከመይ ዝበለ ብዋጋ ዘይሽነን ጥበብ ዝሓዘ ዘደንቕ ሃብቲ ዀን ኢዩ! ንዓይ ዘገድሰኒ ኣርእስቲ ኣብ ሓደ ካብዚ [መጽሔታት] እዚ ኣብ ገለ ገጽ ኣይስእኖን ኢየ” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ።
4 እቶም መጽሔታት ዝገልጽዎ ነገራት ሒደት ንምጥቃስ ዝኣክል ከም መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ዓለም ፍጻመታት: ናይ ስድራቤት ጕዳያት: ማሕበራዊ ጸገማት: ታሪኽ: ስነ-ፍልጠት: ናይ እንስሳን ኣትክልትን ህይወት ሓዊስካ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዘጠቓልል ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ንምንባብ ብዝያዳ ዝድረኽ ምስ ድሌታቱ: ኵነታቱ: ወይ ድማ ምስ ሞይኡ ዝዛመድ ምስ ዝኸውን ኢዩ። ነናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ምርጫን ግድላትን ምስ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ስለ እንዛረብ: ነቶም እንረኽቦም ሰባት ብፍላይ ዝማርኾም ዓንቀጻት ምምራጽ ኣዝዩ ኣስላጢ ኢዩ።
5 ክልተ መሰኻኽር ናይ 8 መስከረም 1996 ሕታም ንቕሑ! ንሓደ ናይ ጋዜጣ ኣዳላዊ ዓምዲ ምስ ኣበርከትሉ: እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ኣስተብህል። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ተገዳስነት ከም ዘይብለይ ንኽዛረብ ዕድል ቅድሚ ምርካበይ: ሓደ ካብኣቶም ወሲኹ ‘ብዛዕባ ናይ ኣመሪካ ህንዳውያን ዝዛረብ ዓንቀጽ ሒዛ ኣላ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ብዙሕ ትጽሕፉ ከም ዘለኹም ንፈልጥ ኢና’ በለኒ።” ነታ መጽሔት ወሰዳ: ኣብ እዋን ቍርሲ ድማ ነቲ ብዛዕባ ህንዳውያን ዝገልጽ ጽሑፍ ኣንበቦ: ጸኒሑ ድማ “ኣዝዩ ጽቡቕ” ከምኡውን “ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ኢዩ” ብምባል ተኣመነ።
6 ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ዘገድሶም እንታይ ኢዩ፧ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ዝወጹ መጽሔታት ነቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰብ ድኳንን ሰብ ሞያን ወይ ድማ ንጐረባብትኻን መሳርሕትኻን መማህርትኻን ክማርኾም ዝኽእል እንታይ ርኢኻ ኣሎኻ፧ ንጠበቓታት: መምህራን: ናይ ስድራቤትን ናይ ቤት ትምህርትን ኣማኸርቲ: ናይ መንእሰያት ኣማኸርቲ: ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ሰባትን ናይ ጥዕና ክኢላታትን ብፍሉይ ዘገድሶም ነገር እንታይ ኢዩ፧ ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ክትምርምራ ከሎኻ ነቶም እትሰብከሎም ሰባት ኣብ ኣእምሮኻ ምምጻእ ነቲ ቓል ሓቂ ንምስፋሕ ዝበለጸ መገድታት ክህበካ ኢዩ።
7 ኣብ ገለ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ድማ ናይ ንቕሑ! ዓንቀጽ ፍሉይ ተገዳስነት ዘርኣየን መጽሔት እተቐበለን ሰብ ምስ እትረክብ: “ኣብ ዝመጽእ ሕታም ንዓኻ የገድሰካ ኢዩ ዝበልክዎ ዓንቀጽ ምስ ዝህሉ: ሓንቲ ቅዳሕ ከምጽኣልካ ሕጉስ ኢየ” ክትብል ትኽእል ኢኻ። ኵሉ ግዜ ሓደስቲ መጽሔታት ሒዝካ ተመሊስካ ብምኻድ: ነቲ ሰብ እቲ ኣብቲ ናይ መጽሔት ምብጽጻሕካ ክትምዝግቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ምስቲ ነቶም ኣብ መጽሔትና ዝወጽእ ገለ ገለ ዓንቀጻት ፍሉይ ተገዳስነት ከርእዩ ዝኽእሉ ውልቀ-ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽትገብረሎም ክፉት ዕድመ ንምርካብ ዝግበር መዳይ ዝመሳሰል ኢዩ።
8 መንፈሳዊ ሸቶ ኣውጽእ:- ሒደት ዓመታት ይገብር: ሓደ ብስራሕ ዝግደስ ሰብኣይ ንዕኡ እተገድሶ ኣርእስቲ ዘለዋ ሓንቲ ናይ ንቕሑ! መጽሔት ተቐበለ። ይኹን እምበር: እዚ ሃይማኖታዊ ሰብኣይ እዚ ነቲ ምሉእ ህይወቱ ዝኣመነሉ ናይ ስላሴ እምነት ኣድቂቑ ንኽምርምሮ ዝደረኸቶ ዓንቀጽ ዝሓዘት ናታ መሰነይታ ዝዀነት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እውን ኣንበበ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ተጠምቀ! ስለዚ: ነቶም ኣንበብቲ መጽሔትና ኣብ መንፈሳዊ ምይይጥ ንኸተሕብሮም ኣይትጠራጠር። ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ከተፋልጦም ትኽእል ኢኻ: ሓድሽ ሕታም መጽሔት ሒዝካ ኣብ እተመለስካሉ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ድማ ኣብ ሓንቲ ትምህርቲ ምይይጥ ንምግባር ሒደት ደቓይቕ ከሕልፉ ዓድሞም።
9 ካብ መንጎ እቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ እተገብረሎምን ብንግዲ እትራኸቦምን ሰባት እዋናዊ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብምርካቦም ብዝያዳ ዘማስዉሉ መነመን ምዃኖም ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ። ድሕርዚ ንኽትበጽሖም ልባዊ ጻዕሪ ግበር። ነዚ ክቡር መጽሔታት እዚ ሒዝካ ብዝከኣለካ መጠን ንብዙሓት ሰባት ርኸቦም። ብዙሓት ሰባት ንመጽሔታትና ከንብብዎ ንምሕጋዝ ክትጽዕር ከሎኻ: ‘እንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ትስድድ’ ከም ዘሎኻ ፈጺምካ ኣይትረስዕ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ: ናይ መጻኢ ብጾት ደቀ መዝሙር ኣብ ምርካብ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ።—መክ. 11:1, 6