ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ
1 ምስቶም ክቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሓብርሲ ኣየ ክንደይ ዘሐድስ ኢዩ! (1 ቈረ. 16:17, 18) ነዚ ኣብ ኣኼባታት: ኣብ ኣሰምብሊታት: ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት: ከምኡውን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ኢና እንገብሮ። ኣብ ቤትና ጋሻ ክበጽሓና ከሎውን ኣብ ዘይልሙድ ኣጋጣሚታት ዕርክነት ንገብር ኢና። ከምዚ ምግባር: ተቐበልቲ ኣጋይሽ ምዃንና ነርኢ ኣብ ንሓድሕድና ድማ ንተባባዕ። (ሮሜ 12:13፣ 1 ጴጥ. 4:9) ናይ መርዓ ዕድመ ክዳሎ ከሎ: ነቲ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1984 ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ጽቡቕ ምኽሪ ኣብ ኣእምሮ ሓዝዎ።
2 ሰፊሕ ማሕበራዊ ጉዳያት:- እንተ ‘በላዕና: ወይስ እንተ ሰቴና: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርና ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገብሮ’ ይግብኣና። (1 ቈረ. 10:31-33) እዚ ምኽሪ እዚ ብገለ ሰባት ኣይተስተብሃለሉን: ብምኽንያት እቶም ብግቡእ ክትቈጻጸሮም ኣዝዮም ዓበይቲ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ድማ ሽግራት ክርአ ቀጺሉ ኢዩ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብቲ ዓለማዊ መዘናጊዒታት ዝዝውተረሉ ሰፊሕ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣማእታት ሰባት ተዓዲሞም ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ እቶም ኣብኡ ዝሳተፉ መእተዊ ክኸፍሉ ወይ ካልእ ውጽኢታት ክገብሩ ተሓቲቶም ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስ ትሕትናን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታትን ዘይሰማማዕ መንፈስ ዘለዎ ምትእኽኻባት ነቲ ዓለማዊ ጉዳያት ኣጸቢቑ ዝመስል ኢዩ።—ሮሜ 13:13, 14፣ ኤፌ. 5:15-20
3 ብዙሕ ቍጽሪ ዘለዎም መሰኻኽር ኣብቲ ዘይጥዑይን ዓለማውን ከምኡውን ግቡእ ምቍጽጻር ዝጎደሎም መዘናግዒታት ዝካየደሎም ናይ ክራይ መሳለጥያታት ተኣኪቦም ኢዮም። ዝመሳሰሉ ንጥፈታት “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ቀዳመ ሰንበት ተባሂሎም ዝተኣወጀሎም ኣብ ሆቴላት ወይ መዘናግዒ ቦታታት ተኻይዶም ኢዮም። ብዝሕ ንዝበሉ ጉጅለታት ግቡእ ምክትታል ክትገብር ጸገም ብምዃኑ ድማ ሽግራት ተላዒሎም ኢዮም። ህልኽ: ብዘይ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ምጥቃም: አረ ስነ-ምግባራዊ ብዕልግና ኣስዒቦም ኢዮም። (ኤፌ. 5:3, 4) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጠባያት ዘለውዎም ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ንየሆዋ ኣየኽብርዎን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ልዕሊ እቲ ጽቡቕ ስም ናይታ ጉባኤ ጸርፊ የምጽኡ ንኻልኦት ከኣ ይዕንቅፉ።—1 ቈረ. 10:23,24, 29
4 ክርስትያናት ተቐበልቲ ኣጋይሽ ክዀኑ ተተባቢዖም ኢዮም: ይኹን እምበር ኣተኵሮኦም ኣብቲ መንፈሳዊ ምልውዋጥ ከቕንዑ ኣለዎም። (ሮሜ 1:11, 12) ንእስ ዝበለ ምትእኽኻብ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ዝበለጸ ኢዩ። መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 135-6 ከምዚ ይብል:- “ሓድሓደ ግዜ ብዙሓት ስደራቤታት ንክርስትያናዊ ምሕዝነት ናብ ቤት ይዕደማ ይዀና። . . . ንርዱእ ምኽንያት: እቶም ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ዝዕድሙ ዘለዉ ነቲ ኣብኡ ዝፍጸም ነገራት ብብሕቶም ሓላፍነት ክስምዖም ኣለዎ። ነዚ ኣብ ኣእምሮ ብምሓዝ: መስተውዓልቲ ክርስትያናት ነቲ ጥበብ ናይ ከምዚኦም ዝበሉ ምትእኽኻባት መጠንን ግዜን ምቕናስ ተገንዚቦምዎ ኢዮም።” የሱስ: ሸቶና ንኣሕዋትና ብመንፈስ ክንሃንጾም እንተድኣ ኰይኑ ዋላ ሓንቲ ምድላዋት ኣድላዪ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ ኣሎ።—ሉቃ. 10:40-42
5 ንክርስትያናት ብጾት ተቐባል ጋሻ ክትከውን ጽቡቕ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ቤትና ዝግበር ውርዙይ ምትእኽኻብን ኣብ መሳለጥያታት ዘለዎ ክራይ ዝግበር ዓለማዊ መንፈስ ዘንጸባርቕ ሰፊሕ ጉዳይን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። ካልኦት ኣጋይሽካ ክዀኑ ክትዕድም ከሎኻ: እቲ ቍጽሪ: ነቲ ኣብኡ ዝግበር ምሉእ ሓላፍነት ክትወስድ ዘኽእለካ ምዃኑ ርግጸኛ ክትከውን ይግበኣካ። ናይ 15 ነሓሰ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14-19 ርአ።
6 ብሓቂ የሆዋ: ንሰናይ ዕዮ ዘለዓዕለና ዘሐድስ መተባብዒ እንረኽበሉ ሕውነት ገይሩ ባሪኹና ኢዩ። (ማቴ. 5:16፣ 1 ጴጥ. 2:12) ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ትሕትናን ምስትውዓልን ብምንጽብራቕ: ኵሉ ግዜ ንኣምላኽ ክብሪ ክንህብ: ንኻልኦት ከኣ እንሃንጽ ክንከውን ኢና።—ሮሜ 15:2