ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ መስከረም
4 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 224
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት ከምኡውን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተዋጽኡ ምልክታታት።
20 ደቒቕ:- “ንኻልኦት ክትጠቅም ንዅሎም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተኸታተሎም።” ነቶም ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዝኸውን ተጠቒሶም ዘለው ኣቀራርባታት ተንትኖም። እቲ ነዛ ክፍሊ እዚኣ ዘቕርብ ሓው እንታይ ከም ዝብሉ ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ይመያየጥ: ብድሕሪኡ ናይቲ ኣቀራርባኦም መርኣያ ከቕርቡ ይሓቶም።
15 ደቒቕ:- “ንገዛእ ርእሶም ምእንቲ ክጠቕሙ ንኻልኦት ሓግዝ።” ነቶም ቀሪቦም ዘለዉ ኣቀራርባታት ተንትኖም: ብድሕሪኡ ክልተ ሓጸርቲ መርኣያታት ግበር።
መዝሙር 204ን መዕጸዊ ጸሎትን።
11 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 216
5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
7 ደቒቕ:- ናይ ነሓሰ ናይ ጉባኤ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት። ብናይ ግራት አገልግሎት ተዓዛቢ ዝቐርብ። ፓይነራት ሓዊስካ ክንደይ ጸብጻብ ሂቦም፧ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻቡ ሂቡዶ፧ ኵሎም ስርዓታውያን ክዀኑ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ:- “ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም።” ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝወሃብ ካብ ቍጽሪ 1 ክሳዕ ቍጽሪ 13 ናይ እታው እተደገፈ: ህያው ዝዀነ ዝርርብ።
18 ደቒቕ:- “ንደቅኻ እንታይ ሸቶታት ኢኻ ኣዳሊኻሎም ዘሎኻ፧” ብሕቶን መልስን። ሓደ ወይ ክልተ ንየሆዋ ካብ ንእስነቶም ዘገልግልዎ ኣብነታውያን መንእሰያት ወይ ዓበይቲ ብኸመይ ናብቲ ናይታ መንግስቲ ጥቕምታት ዘቕንዐ ዋጋ ዘለዎ ሸቶታት ንኽመርጹ ወለዶም ከም ዝሓገዝዎም ኣሕጽር ኣቢሎም ከዘንትዉ ኣዳሉ።
መዝሙር 187ን መዕጸዊ ጸሎትን።
18 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 168
5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ኵሉ ግዜ ንየሆዋ ወድስዎ” ብሕቶን መልስን።
25 ደቒቕ:- “ብዛዕባ ናይ ኮምፒተር ተክኖሎጂ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምዕቃብ” ብምይይጥ ዝወሃብ።
መዝሙር 162
25 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 177
5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” ብሽማግለ ዝወሃብ ብዝርርብን ምስ ተሳተፍቲ ዝገበር ምይይጥን። ግዜ ከም ዘፍቅዶ ካብታ ናይ 15 ነሓሰ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 10-19 ተወሳኺ ሓሳባት ሃብ።
10 ደቒቕ:- “ብየሆዋ ክትምርመር—ስለምንታይ ጠቓሚ፧” ብሽማግለ ዝወሃብ ዘተባብዕ ዝርርብ።
15 ደቒቕ:- “ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም።” ካብ ቍጽሪ 14 ክሳዕ 16 ናይ እታው ምስ ተሳተፍቲ ተመያየጠሎም። ኣብ ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንምዝርጋሕ ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ጽቐጠሉ። እተን መጽሔታት ብእተፈላለየ ቋንቋታት ስለ ዝሕተማ: ነቶም ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት እዘን መጽሔታት እዚኣተን ብቛንቋኦም ከም ዘለዋ ክንነግሮም ኣሎና። (እታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ጉባኤ ክትንገር ኣለዋ።) ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዓየየ ዞባ: ምዝርጋሕ መጽሔታትና ተገዳስነት ንምዅስኳስ እተን ዝበለጻ ስሉጣት መገድታት ክዀና ይኽእላ እየን: ከመይሲ ኣብ ሰሰሙን ሓድሽ ሓበሬታ ኢየን ዝህባ። ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ተገዳስነት ምስ ዝህሉ: ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ኣበርክት። ከምቲ ኣብ ቍጽሪ 14 ተገሊጹ ዘሎ ብሓንቲ ጉጅለ ስድራቤት ናይ ልምምድ ክፍለ-ግዜ ከም ዝህሉ ግበር። ከምኡውን ዕደላታት ንምዕባይ ቀሪቦም ዘለዉ ገለ ተግባራዊ ምኽርታት ጥቐስ።
መዝሙር 193ን መዕጸዊ ጸሎትን።