ብየሆዋ ክትምርመር—ስለምንታይ ጠቓሚ፧
1 ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽቡቕ ጥዕና ኢዩ ዝምነ። ንህይወት ድማ እዝዩ ምቹእ ይገብሮ። ጌና ግን ብዙሓት ጽቡቕ ጥዕና ዘስተማቕሩ ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምርመራ ይገብሩ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ዝዀነ ይኹን ዝዓቢ ዘሎ ሕማም ንምልላይን ንምልጋሱ ድማ ዘድሊ ስጕምቲ ንምውሳድ ምእንቲ ክኽእሉን ኢዩ። መንፈሳዊ ጥዕናና ምሕላው ዝያዳ ኣገዳሲ ኢዩ። ስምረት የሆዋ ‘ብእምነት ጥዑይ’ ኣብ ምዃንና ኢዩ ዝምርኰስ።—ቲቶ. 1:13
2 ሕጂ ብየሆዋ ክትምርመር እቲ ግቡእ ግዜኡ ኢዩ። ስለምንታይ ከምኡ ዝኸውን፧ ምኽንያቱ የሆዋ ኣብቲ ቅዱስ መቕደሱ ኢዩ ዘሎ: ከምኡውን ንልቢ ናይ ኵሎም ሰባት ይምርምሮ ኢዩ ዘሎ። (መዝ. 11:4, 5፣ ምሳ. 17:3) ከም ዳዊት ዕሙቕ ዝበለ ምርመራ ክገብረልና ንየሆዋ ንሓቶ:- “ዎ እግዚአብሄር: መርምረንን ተዐዘበንን: ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ።”—መዝ. 26:2
3 ነቲ ብምኽንያት እቲ ዘይፍጹም ስጋና ካብ ውሽጥና ተላዒሉ ኣብ መንፈሳዊ ጥዕናና ክመጽእ ዝኽእል ምህንዳድ ክንከላኸሎ ኣሎና። ምሳሌ 4:23 ከምዚ ኢሉ ይመክር:- “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ።”
4 መንፈሳዊ ጥዕናና በቲ ከቢቡና ዘሎ ብልሽውን ብዕሉግን ዓለም ክበላሾ ይኽእል ኢዩ። ንገዛእ ርእስና ምስዚ እኩይ ኣገባብዚ ኣዝዩ ክቀራረብ እንተድኣ ኣፍቂድናሉ: ከምቲ ንሳ እትሓስቦ ክንሓስብን ዓለማዊ ኣረኣእያታት ከነማዕብልን ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ዓለማዊ ኣነባብራ ህይወት ክንሕዝን በቲ መንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ክንስዓርን ኢና።—ኤፌ. 2:2, 3
5 ሰይጣን ብመንፈስ ምእንቲ ከዕንወና: ስደት ወይ ቀጥታዊ ተቓውሞ ክጥቀም ይኽእል ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ ግን ንኸታልለና ኢሉ ብብልሓት ዓለማዊ መታለሊታት ኢዩ ዝጥቀም። ጴጥሮስ: ሰይጣን “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ” ስለ ዝዀነ ‘ተጠንቂቕና ክንነቅሕ’ ይላበወና ኣሎ። ‘ብእምነት ጸኒዕና ክንቃወሞ’ ተማዒድና ኢና።—1 ጴጥ. 5:8, 9
6 እምነትና ኣደልዲልና ሒዝና ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብምጽንዓ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ክንከላኸል ኣድላዪ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እምነትና ብቐጻሊ ክንምርምር ተማሕጺኑ ኣሎ። ከምቲ ብሓደ ክኢላ ሓኪም ዝወሃበና ተግባራዊ ምኽሪ ብጥበብ እንኽተሎ: ከምኡ ድማ ናይ የሆዋ መንፈሳዊ ምርመራ ክዕረ ዘለዎ ሽግር ከም ዘሎ ምስ ዝገልጽ ንሰምዖ ኢና። እዚ ንዓና ‘ንኽንተዓራረ’ ዝከኣል ይገብረልና።—2 ቈረ. 13:5, 11 ትሓዓ
7 ብርግጽ የሆዋ እቲ ዓቢ መርማሪ ኢዩ። እቲ ምርመራኡ ኵሉ ግዜ ልክዕ ኢዩ። እቲ ዘድልየና ብልክዕ ይፈልጦ ኢዩ። ብቓሉን በቲ ‘እሙን ባርያን’ ገይሩ ጥዕና ዝመልኦ ፍሉይ መንፈሳዊ መግቢ ይእዝዘልና። (ማቴ. 24:45፣ 1 ጢሞ. 4:6) ከምዚ ዝበለ ፍሉይ ዘዕግብ መንፈሳዊ መግቢ ስርዓታዊ ኰይንካ ኣብ ቤትን ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ምምጋብ ብመንፈስ ጥዑያት ኰይንና ክንቅጽል የኽእለና ኢዩ። ኣብ ኣገልግሎትን ካልእ ክርስትያናዊ ንጥፈትን እውን ስርዓታዊ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ጠቓሚ ኢዩ። ስለዚ: ኣብ ዝበለጸ መንፈሳዊ ጥዕና ከም ዝዕቅበና ብምትእምማን ነቲ ብየሆዋ ዝግበረልና ስርዓታዊ ምምርማር ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎ።