ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ስበኽዎ
1 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ሰቢኾምዎ ኢዮም። ኣብ ስብከት ኣዝዮም ቀናኣት ስለ ዝነበሩ ድማ: ድሕሪ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት እቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ‘ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር ተሰቢኹ’ ነበረ።—ቈሎ. 1:23
2 ሎሚ ዘለዉ ቀናኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ከምቲ ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ክርከብ ንእተኻእለ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብስራት ናይታ መንግስቲ ምብጻሕ ዝብል ዕላማ ኢዩ ዘለዎም። ነዚ ሸቶ እዚ ምእንቲ ክንፍጽም እንታይ ክሕግዘና ምኸኣለ፧ ብዙሓት ሰባት ምሉእ ግዜ ኢዮም ዝሰርሑ: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ክንበጽሖም ከሎና ኣብ ቤት ኣይርከቡን ኢዮም። ኣብቲ ዘይሰርሕሉ ግዜ ኸኣ: ይገሹ: ይሽምቱ: ወይ ብገለ ዓይነት መዘናግዒ ትሑዛት ይዀኑ። ካብዚኣቶም እቶም ብቑዓት መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንኽበጽሖም ብኸመይ ክርከቡ ምተኻእሉ፧—ማቴ. 10:11
3 ገሊኣቶም ኣብቲ ዝሰርሕሉ ቦታ ይርከቡ ኢዮም። ንኣሽቱ ከተማታት እውን ከይተረፋ መብዛሕትኦም ሰባት ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ዝውዕልሉ ናይ ንግዲ ቦታታት ኣለወን። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት: ኣብቲ ኢንዱስትርያዊ ከባቢታት: ወይ ኣብቲ ነዊሕ ደርብታት ዘለዎ ኣብያተ ጽሕፈት ዝሰርሑ: ከምኡውን ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታ ዘለዎ መንበሪ ኣባይቲ ዝቕመጡ ሰባት ምስክርነት ይበጽሖም ኣሎ—መብዛሕትኦም ከኣ ንመጀመርታ ግዜኦም ኢዩ። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ: ኣብ መናፈሲ ቦታታት: መዘናግዒ ከባቢታት: ድንኳናት ተኺልካ እትዘናግዓሉ ስፍራታት ክናፈሱ ከለዉ: ወይ ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ቦታ እናተጸበዩ ወይ ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ድኳናት ከለዉ እተረኽቡ ሰባት ነቲ ብስራት ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም ኰይኖም ተረኺቦም ኢዮም።
4 ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣስፋሕቲ: ኣብቲ ሰባት ክርከቡሉ ዝኽእሉ ህዝባዊ ቦታታት ከይዶም ንምምስካር ፍሉይ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። እዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ኣብ መጀመርታ ምጥርጣርን ፍርህን ተሰሚዕዎም ኢዩ። ካልኦት ድማ ነቲ ከም ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ዝኣመሰለ ስሩዕ ኣገባብ ኣይለመድዎን። ሕጂኸ ከመይ ይስምዖም ኣሎ፧
5 ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ሓው: “ንኣገልግሎተይ ኣባራቢርዎ ኢዩ!” ብምባል ይገልጽ። ካልእ ድማ “ጻዕረኛ ከም ዝኸውን ገይሩኒ ኢዩ” በለ። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ፓይነር ከኣ ከምዚ ይብል:- “ብኣተሓሳስባ: ብኣካል: ከምኡውን ብመንፈስ ዘበራትዕ ኢዩ: . . . ጌና ድማ እናወሰኽኩ ኢየ ዝኸይድ ዘሎኹ!” ሓደ ኣስፋሒ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈጺሞም ተዛራሪቦም ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ሕጂ ይረክብ ከም ዘሎ ይገልጽ። መንእሰያት እውን ኣብዚ ዘሐጕስ ዕዮ እዚ ብውዕዉዕ መንፈስ ይካፈሉ ኣለዉ። ሓደ መንእሰይ ስምዒቱ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ንብዙሓት ሰባት ክትዛረብ ስለ እትኽእል ባህ ኢዩ ዘብለካ!” ካልእ ድማ “ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ጽሑፋት አበርክት ኣሎኹ!” በለ።
6 ገየሽቲ ተዓዘብቲ መሪሕነት ይወስዱ ኣለዉ:- “ኵነታት እዛ ዓለም እዚኣ ተቐያያሪ” ምዃኑ ብምግንዛብ: ማሕበር ኣብዚ ቐረባ ግዜ: እቲ ብስራት ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ምእንቲ ክበጽሖም: ገየሽቲ ተዓዘብቲ ነቲ መደብ ግራት ኣገልግሎቶም ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን ከተዓራርይዎ ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ ኢያ። (1 ቈረ. 7:31 NW ) ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ: ንብዙሕ ዓመታት ነቲ ቅድሚ ቐትሪ ዘሎ ግዜ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ኣብ ምግባር ከሕልፍዎ ከለዉ: ነቲ ድሕሪ ቐትሪ ዘሎ ግዜ ድማ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕያይን ኢዮም ዝውፍይዎ ነይሮም። ኣብ ገሊኡ ቦታታት: እዚ መደብ እዚ ጌና ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ካልእ ከባቢታት ግን: እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ኣብ እዋን ንግሆ ናይታ መዓልቲ ኣብቲ ካብ ድኳን ናብ ድኳን ዝግበር ዕዮ ወይ ናይ መገዲ ምስክርነት ምግባር ጽቡቕ ኢዩ ኢሉ ይውስን ይኸውን። ወይውን ሒደት ጕጅለታት ኣብቲ ነዋሕቲ ደርብታት ዘለዎ ናይ ቤት ጽሕፈት ህንጻታት: ናይ ዕዳጋ ከባቢታት: ናይ ማካይን ደው መበሊ ቦታታት: ወይ ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታት ክምስክሩ ክምድብ ይኽእል ኢዩ። ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘውዕልዎ ግዜ ስሉጥ ብዝዀነ መገዲ እንተድኣ ተጠቒሞምሉ: ብዙሓት ሰባት ክብጽሑ ይኽእሉ ኢዮም።
7 እዚ ምትዕርራይ እዚ ብገየሽቲ ተዓዘብቲ ይኹን ብኣስፋሕቲ ኣዝዩ ጽቡቕ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ጸብጻባት ይሕብር ኢዩ። ብዙሓት ኣካል ሽማግለታት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ቈላሕታ ዘድልዮ መዳይ ናይቲ ኣገልግሎት ዝኸውን: ንሒደት ኣስፋሕቲ ልምምድ ምእንቲ ክህቦም ኢሎም ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዓዲሞሞ ኢዮም። እቶም ኣስፋሕቲ ነቲ ገያሺ ተዓዛቢ ኣሰንዮም ኣብ ሓደ ካብዚ ንጥፈታት እዚ ምስታፍ ሓጋዚ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ንሳቶምውን ብግዲኦም: ንኻልኦት ከለማምዱ ክኢሎም ኢዮም። (2 ጢሞ. 2:2) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ሕጂ ዝያዳ ሰባት እቲ ብስራት ክበጽሖም ክኢሉ ኢዩ።
8 ርግጽ ኢዩ: ንገለ ካብዚ ካልእ መገድታት ስብከት ንምፍታን ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክሳዕ ዝመጽእ ምጽባይ ኣየድልየኩምን ኢዩ። ኣብቲ ከባቢኹም ተግባራዊ ኰይኑ ክትረኽብዎ እትኽእሉ እተፈላለየ ሓሳባት ቀጺሉ ቀሪቡ ኣሎ:-
9 ኣብ መገዲ ዝግበር ምስክርነት:- መጽሔታት ሒዝካ ኣብ ሓደ ቦታ ደው ኣብ ክንዲ ምባል: ንሰባት ክትቀርቦምን ዕርክነታዊ ዕላል ድማ ክትጅምርን ዝበለጸ ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሓላፍ መገዲ ምምስካር ኣየድልን ኢዩ። ንኸም ወነንቲ ንኣሽቱ ድኳናት: ኣብ ደው ዝበላ ማካይን ዘለዉ ሰባት: ወይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝጽበዩ ዝኣመሰሉ: ህዉኻት ዘይኰኑ ሰባት ተዛረብዎም። ኣብ መጀመርታ: ዕርክነታዊ ሰላምታ ጥራይ ተቕርቡሎም እሞ መልሲ ድማ ትጽበዩ። እቲ ሰብ ክዛረብ ፍቓደኛ እንተድኣ ኰይኑ: ብዛዕባ እቲ የገድሶ ኢዩ ዝበልኩምዎ ኣርእስቲ ሓሳቡ ክህብ ሕተትዎ።
10 ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ንሓንቲ ጉባኤ ክበጽሕ ከሎ: ምስኡን ምስ በዓልቲ ቤቱን ኰይኖም ኣብቲ ኣብ መገዲ ዝግበር ምስክርነት ሓቢሮም ምእንቲ ከገልግሉ ሽዱሽተ ኣስፋሕቲ ዓደመ። ኣበርቲዖም ዓየዩ ንብዙሓት ሰባት ድማ ኣዘራረቡ። እቲ ፍረኸ እንታይ ነበረ፧ “ባህ ዘብል ረፍዲ ኣርፈድና!” ብምባል ጸብጻብ ይህብ። “ሰማንያ መጽሔታትን ብዙሕ ትራክትታትን ዓደልና። እተፈላለየ ዘነቓቕሕ ዝርርባት ገበርና። ካብቶም ኣስፋሕቲ: ንመጀመርታ ግዜኡ ኣብቲ ኣብ መገዲ ዝግበር ዕዮ እተሳተፈ ሓደ ሓው ከምዚ ብምባል ገለጸ:- ‘ኣብ ሓቂ ብዙሕ ዓመታት ኣሕሊፈ ኢየ እንታይ ይሓልፈኒ ከም ዝነበረ ድማ ኣይግንዘብን ኢየ ነይረ!’ ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን: እቲ ኣብታ ጉባኤ ተኸዚኑ ዝነበረ መጽሔታት ተወድአ።”
11 ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ምስ ዘጋጥመኩም: ናይቲ ሰብ ስም: ኣድራሻ: ከምኡውን ቍጽሪ ቴሌፎን ክትረኽቡ ፈትኑ። ትኽ ኢልኩም ሓበሬታ ኣብ ክንዲ እትሓቱ: ከምዚ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም:- “እዚ ዕላልና ባህ ኢሉኒ። ካልእ ግዜ ክንቅጽሎ እንኽእለሉ መገዲ ኣሎዶ፧” ወይ ድማ “ኣብ ቤት ክንበጽሓካ እንኽእለሉ መገዲ ኣሎዶ፧” ኢልኩም ሕተትዎ። በዚ መገዲ እዚ እተረኽቡ ብዙሓት ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረሎም ተሰማሚዖም ኢዮም።
12 ምስ ሓደ ኣብ ናይ ካልእ ጉባኤ ዞባ ዝነብር ተገዳሲ ሰብ ምስ እትዘራረቡ: እቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ኣሕዋት ነቲ ተገዳሲ ሰብ ምእንቲ ክከታተልዎ ክትሕብርዎም ኣሎኩም። ኣብ ከባቢኹም ነቲ ብስራት መንግስቲ ንምዝርጋሕ ኣብ መገዲ ዝግበር ምስክርነት ውጽኢታዊዶ ምዀነ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ ኣብ ናይ ሓምለ 1994 ናይ መንግስና ኣገልግሎት ዝወጸ “ስሉጥ ዝኾነ ናይ መገዲ ምስክርነት ገይርካ ነቶም ተገደስቲ ምርካቦም” ዝብል ዓንቀጽ ድገምዎ።
13 ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ምምስካር:- ሓደ ንግሆ ብዝሕ ዝበሉ ፓይነራት ኣብ ጥቓ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኮለጅ ኰይኖም ኣውቶቡስ ንዝጽበዩ ሰባት ክምስክሩሎም መደቡ። ባህ ዘብል ዕላላት እናዕለሉ ከለዉ: ሓደ ጸገም ኣጋጠመ። እቲ ዕላል ጽቡቕ እናቐጸለ ከሎ: ኣውቶቡስ መጸት: እቲ ዕላል ድማ ሃንደበት ከቋርጽ ነበሮ። እቶም ፓይነራት ግን ኣብታ ኣውቶቡስ ብምድያብ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ እናተጓዕዙ ነቶም ተጓዓዝቲ ምምስካር ቀጸሉ። እታ ኣውቶቡስ ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊኣ ምስ በጽሐት: እቶም ፓይነራት እናመስከሩ: እንደገና ብኣውቶቡስ ተመልሱ። ድሕሪ ብዙሕ በጺሕካ ምምላስ: ንፍረ ናይቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ጸብጸብዎ: ከምዚ ዝስዕብ ከኣ ነበረ:- ልዕሊ 200 መጽሔታት ተዓደለ: ሽዱሽተ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱሳት ድማ ተጀመረ! ገለ ካብቶም ተጓዓዝቲ ከኣ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ክብጽሑ ኣድራሻኦምን ቍጽሪ ቴሌፎኖምን ክህቡ ፍቓደኛታት ነበሩ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ሰሙን: እቶም ፓይነራት ናብቲ እታ ኣውቶቡስ ደው እትብለሉ ቦታ ተመልሱ እሞ: ከምቲ ቅድሚኡ ዝገበርዎ ሜላ ድማ ተጠቕሙ። 164 መጽሔታት ዓደሉ ሓደ ሓድሽ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ጀመሩ!
14 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ብኣውቶቡስ: ብባቡር: ወይ ብነፋሪት ክጓዓዙ ከለዉ ስሉጥ ምስክርነት ይህቡ ኢዮም። ምስቲ ኣብ ጥቓኹም ኮፍ ዝበለ ሰብ ከመይ ገይርኩም ኢኹም ዕላል ክትጅምሩ እትኽእሉ፧ ሓደ ወዲ 12 ዓመት ኣስፋሒ ናይታ ኣብ ጥቓኡ ኮፍ ዝበለት ኮተቴ ጓል ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ከለዓዕል ተስፋ ብምግባር: ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ሓንቲ ቅዳሕ ንቕሑ! ከንብብ ጀመረ። እዚ ድማ ኣስላጢ ነበረ! እታ ጓል እንታይ የንብብ ከም ዘሎ ሓተተቶ: እቲ መንእሰይ ድማ ነቲ ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ግድላት ዝኸውን መፍትሒ የንብብ ከም ዘሎ ነገራ። ቀጺሉ ኸኣ ካብታ ዓንቀጽ እቲኣ ብዙሕ ከም እተጠቕመን ንዓኣውን ክትጠቕማ ከም እትኽእልን ነገራ። ነቲ መጽሔታት ድማ ተሓጒሳ ተቐበለቶ። ካልኦት ከኣ ንጐረባብቶም ዝንበብ ጽሑፋት የለቅሕዎም ኢዮም።
15 ማካይን ደው ኣብ ዝብላሉ ቦታታት ምምስካር:- ኵነታት ኣየር ምስ ዘፍቅድ: ኣብ መናፈስን ማካይን ደው ዝብላሉ ቦታታትን ምምስካር ሰባት ክርከቡሉ ዝከኣል ብሉጽ መገዲ ኢዩ። ኣብ ከባቢ ናይ ሓደ ድኳን ዝርከብ ማካይን ደው መበሊ ቦታ ምምስካር ፈቲንኩምዎዶ ትፈልጡ፧ ህዉኽ ዘይኰነ ወይ ኣብ ደው ዝበለት ማኪና ዘሎ ሰብ ጠምቱ እሞ: ዕርክነታዊ ዕላል ንምጅማር ድማ ፈትኑ: ድሕርዚ ናብቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ትመጹ። ኣብቲ ከባቢኹም ምስ ካልእ ኣስፋሒ ጥቓ ንጥቓ ብምዃን በበይንኹም ክትዓዩ ፈትኑ። መስተውዓልቲ ኵኑ። ኣብ ሓደ ናይ ማካይን ደው መበሊ ቦታ ንሓጺር እዋን ጥራይ ጽንሑ ድሕሪኡ ድማ ናብ ካልእ ደው መበሊ ክትንቀሳቐሱ ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሰብ ከዘራርበኩም ፍቓደኛ እንተድኣ ዘይኰይኑ: ብትሕትና መገድኹም ቀጽሉ: ካልእ እትዛረብዎ ሰብ ድማ ትደልዩ። ሓደ ሓው ነዚ ኣገባብ እዚ ብምጥቃም: ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ቦታ ክሰብኽ ከሎ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 90 መጽሔታት ኣበርከተ!
16 ካብ ድኳን ናብ ድኳን ምዕያይ:- ገለ ጉባኤታት ክፍሊ ናይቲ ዞባአን ዝዀነ ናይ ንግዲ ከባቢታት ኣለወን። እቲ ዞባ ዝመቓቕል ሓው ነዚ ጽዑቅ ናይ ንግዲ ከባቢ ዝኸውን ፍሉይ ናይ ካርታ ካርድታት ከዳሉ ይኽእል ኢዩ። እቲ ናይ ንግዲ ከባቢታት ንበይኑ ምእንቲ ክዕየ: ኣብቲ ካርድ ምስቲ ናይ ንግዲ ከባቢታት ተሓዊሱ ዘሎ መንበሪ ቦታታት ኣነጺርካ ክሕበር ኣለዎ። ኣብ ካልእ ዞባታት: ናይ ንግዲ ቦታታት ምስቲ ናይ መንበሪ ቦታታት ገይርካ ክዕየ ይከኣል ኢዩ። እቲ ካብ ድኳን ናብ ድኳን ዝግበር ዕዮ ሸለል ምእንቲ ከይበሃል: ሽማግለታት ንብቑዓት ኣስፋሕቲ ኣብቲ ናይ ንግዲ ዞባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ንኽዓዩ ክዕድምዎም ይኽእሉ ኢዮም።
17 ኣብዚ ዕዮ እዚ ክትካፈሉ ምስ እትዕደሙ: እሞ ኸኣ ቅድሚ ሕጂ ፈጺምኩም ገይርኩምዎ ዘይትፈልጡ እንተድኣ ኰይኩም: ‘ትብዓት’ ክትረኽቡሉ እትኽእሉ ጽቡቕ መገዲ: መጀመርታ ኣብ ንኣሽቱ ሒደት ድኳናት፣ ድሕርዚ ዝያዳ ምትእምማን ምስ ተሰማዓኩም ድማ ኣብ ዕብይ ዝበለ ድኳናት ምዕያይ ኢዩ። (1 ተሰ. 2:2) ካብ ድኳን ናብ ድኳን ክትዓዩ ከሎኹም: ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ክትእከቡ ከሎኹም እትኽደንዎ ኣከዳድና ተኸደኑ። ዝከኣል ምስ ዝኸውን: ኣብቲ ድኳን ዝዕድግ ሰብ ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ እተዉ። ነቲ ኣካያዲ ስራሕ ወይ ነቲ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ሰብ: ክትዛረቡ ከፍቅደልኩም ሕተትዎ። ምቕሉላት ኵኑ: ልዕሊ ዅሉ ድማ ዘረባኹም ሓጺር ይኹን። ብዙሕ ይቕሬታ ምሕታት ዘድሊ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ብዙሓት ናይ ንግዲ ቦታታት ዓሚል ከመይ ገይርካ ከም ዝተሓዝ ዝፈልጡን ሓድሓደ ግዜ ድማ ስራሕ ምብኳር ከም ዘሎ ዝጽበዩን ኢዮም።
18 ነቲ በዓል ድኳን ሰላም ምስ በልኩምዎ: ከምዚ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም:- “ኣብ ናይ ንግዲ ስራሕ እተዋፈሩ ሰባት መደባቶም ትሑዝ ብምዃኑ: ኣብ ኣባይቶም ሳሕቲ ኢና እንረኽቦም: በዚ ኸኣ ኢና ነዛ ኣዝያ ተንካፊት ዝዀነት ዓንቀጽ ምእንቲ ከተንብባ ክንህበካ ኢልና ኣብ ድኳንካ መጺእና ዘሎና።” ድሕርዚ ብዛዕባ እቲ እዋናዊ መጽሔታት ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ሃቡ።
19 ወይ ድማ ናብቲ ኣካያዲ ስራሕ ክትቀርቡ ከሎኹም ከምዚ ክትብሉ ትኽእሉ:- “ኣብ ንግዲ እተዋፈሩ ሰባት ጽቡቕ ሓበሬታ ዘለዎም ክዀኑ ከም ዝጽዕሩ ኣስተብሂልና ኢና። እዛ እዋናዊት ዝዀነት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ (ወይ ንቕሑ!) ሕታም: ንዅልና ብብሕቲ ዝትንክፈና ዓንቀጽ ሒዛ ትርከብ።” እንታይ ምዃኑ ግለጹሉ: “ኣንቢብካ ከም እትሕጐሰሉ ርግጸኛታት ኢና” ብምባል ድማ ደምድሙ።
20 ሰራሕታኛታት ምስ ዝህልዉ እሞ: ዝጥዕም ድማ ምስ ዝኸውን: ከምዚ ኢልኩም ክትውስኹ ትኽእሉ ኢኹም:- “ንሰራሕተኛታትካ ተመሳሳሊ ሕጽር ዝበለ ዘረባ ክንዛረቦም መፍቀድካልናዶ፧” ፍቓድ እንተድኣ ረኺብኩም: ሓጺር ዘረባ ክትዛረቡ ቃል ከም ዝኣተኹም ዘክሩ: እቲ ኣካያዲ ስራሕ ድማ ቃልኩም ክትሕልዉ ይጽበየኩም ኢዩ። ገለ ሰራሕተኛታት ነዊሕ ዝርርብ ክኸፍቱ ምስ ዝደልዩ: ኣብ ኣባይቶም ክትበጽሕዎም ዝበለጸ ኢዩ።
21 ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ዝርከቡ ሒደት ኣስፋሕቲ: ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኣብቲ ካብ ድኳን ናብ ድኳን ዝግበር ዕዮ ሓቢሮምዎ ወፈሩ። ገለ ካብቶም ኣስፋሕቲ ነቲ ዕዮ እቲ ቅድሚኡ ፈጺሞም ገይሮምዎ ስለ ዘይፈልጡ: ኣብ መጀመርታ ተሰኪፎም ነበሩ፣ ሽዑ ንሽዑ ግን ፍዅስ በሎም እሞ: ክሕጐስሉ ድማ ጀመሩ። ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: 37 ሰባት ኣዘራረቡ 24 መጽሔታትን 4 ብሮሹራትን ድማ ዓደሉ። ሓደ ሓው ከምቲ ልሙድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ክንድቲ ካብ ድኳን ካብ ድኳን ክዓዩ ከለዉ ዘዘራረብዎም ሰባት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ተዓዘበ።
22 ንኽትሰብኩ ኣጋጣሚታት ምፍጣር:- የሱስ ንምስክርነቱ ኣብ ስሩዕ ኣገባባት ጥራይ ኣይሓጸሮን። ነቲ ብስራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝምችእ ኣጋጣሚ ይዝርግሖ ነበረ። (ማቴ. 9:9፣ ሉቃ. 19:1-10፣ ዮሃ. 4:6-15) ገለ ኣስፋሕቲ ንኽሰብኩ ኣጋጣሚታት ብኸመይ ከም ዝፈጥሩ ርአ።
23 ገሊኣቶም ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣጸደ-ሕጻናት ደቆም ንዝጽበዩ ወለዲ ናይ ምምስካር ልምዲ ኣለዎም። ብዙሓት ወለዲ ኣብቲ ቦታ ቅድሚ 20 ደቒቕ ስለ ዝበጽሑ: ምስኣቶም ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣርእስቲ ባህ ዘብል ዕላል ንምዕላል እኹል ግዜ ይርከብ ኢዩ። ካልኦት ድማ ኣብ ዕዳጋታት ይሰብኩ።
24 ብዙሓት ፓይነራት ነቶም ኣብ መጽሔታትና ተዘሪቡሎም ብዛዕባ ዘሎ ሓደ ኣርእስቲ ፍሉይ ተገዳስነት ክህልዎም ዝኽእል ሰባት ንኽረኽብዎም ንቑሓት ኢዮም። ንኣብነት: ሓንቲ ሓብቲ ኣብቲ ናይ ጉባኤኣ ዞባ ንዝርከባ ሽዱሽተ ኣብያተ ትምህርቲ: ኣብታ ናይ 22 ታሕሳስ 1995 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸ “ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ቅልውላው” ዝብል ተኸታታሊ ኣርእስታት ዝሓዘ ጽሑፍ ሒዛ ብምብጻሕ ጽቡቕ ምላሽ ረኸበት። ከምኡውን ብዛዕባ ናብራ ስድራቤትን ምዕማጽ ቈልዑን
(ናብ ገጽ 6 ይቕጽል)
ነቲ ብስራት. . . (ካብ ገጽ 4 ዝቐጸለ )
ዝዛረባ መጽሔታት ተጠቒማ ኢያ: ብዛዕባ ተመሳሳሊ ኣርእስትታት ዝዛረብ ኣብ መጻኢ ዝወጽእ ሕታማት ሒዛ ክትምለስ ድማ ኵሉ ግዜ ዝቕጽል ቈጸራ ገበረት።
25 ካብ ቤት ናብ ቤት:- ርግጽ ኢዩ: እቲ ኣስላጢ ምዃኑ ንነዊሕ ግዜ እተራእየ: የሱስ ክርስቶስን እቶም ደቀ መዛሙርቱን እተጠቕምሉ ኣገባብ: ማለት ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ምብጻሕ: ኣብ ኣገልግሎትና ስርዓታዊ ግደ ክህልዎ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ድማ ንዞባና ብምሉኡ ንሽፍኖ: ኣብ ካልእ ቦታ ብቐሊሉ ክንረኽቦም ዘይንኽእል ብዙሓት ሰባት ከኣ ንረክብ። ናይቶም ተገደስቲ ሰባት ኣድራሻ ክንወስድ ስለ እንኽእል: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽንገብር መገዲ ዝኸፍት ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ኣፍ ደጌታት ብምዃን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ኣብዚ እውን እንተዀነ: ምቕሉላት ናይ ምዃን: ብእተኻእለ መጠን ድማ ነቲ ዝርርብና ፍዅስ ዝበለ ናይ ምግባሩ ጽቡቕ ኣገባብ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—ግብ. 20:20፣ 5:42
26 ኣብ ኵሉ ቦታታት ንምስባኽ ጽዓሩ:- ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ምንባር: ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምስባኽ ዘሎና መዝነት ዝምልከት ናይ ህጹጽነት ስምዒት ምህላው ዘጠቓልል ኢዩ። ንሰባት ኣብቲ ዝጥዕሞም ግዜ ምእንቲ ክንበጽሖም: ‘ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ከነድሕን’ ኢልና ብሕታዊ ምርጫታትና ንጐድኒ ክንሓድግ የድልየና ኢዩ። ኵሎም ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ክብሉ ይደልዩ ኢዮም:- “እዚ ዅሉ ምእንቲ ወንጌል: ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ።”—1 ቈረ. 9:22, 23
27 ጳውሎስ ወሲኹ “ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር: ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምበኣርከ ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ብምባል ጸሓፈ። (2 ቈረ. 12:9, 10) ብኻልእ ኣበሃህላ: ዋላ ሓደ ካባና ነዚ ዕዮ እዚ ብሓይሉ ክገብሮ ዝኽእል የለን። የሆዋ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ክህበና ክንጽሊ የድልየና ኢዩ። ኣምላኽ ሓይሊ ክህበና እንተድኣ ጸሊና: ንጸሎትና ከም ዝምልሾ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ድሕርዚ እቲ ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ: ኣብ ኵሉ እቲ ክርከብሉ ዝኽእሉ ቦታታት ኬድና እቲ ብስራት ምእንቲ ክንሰብከሎም ኣጋጣሚታት ክንደሊ ክድርኸና ኢዩ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን: ንሓደ ካብቲ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣቀራርባታት ስለምንታይ ዘይትፍትኑ፧