ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/96 ገጽ 5
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 9/96 ገጽ 5

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረም:- ህይወት—ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧ (እንግሊዝኛ) ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘልኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ (እንግሊዝኛ) ወይ ናብራ ስድራቤትካ ሕጕስ ምግባር (እንግሊዝኛ)። ጥቅምቲ:- ንጽል ቅዳሓት ናይ ክልቲኡ: ማለት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከምኡውን ናይ መጽሔታት ምዝገባ። ሕዳር:- ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ (እንግሊዝኛ) ወይ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ብዝብል ዕላማ: ንዅሎም እተበርከተሎም ንምክትታል ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ።

◼ እቲ ኣቦ⁠-​መንበር ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ኣብ 1 መስከረም ወይ ድሕሪኡ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ድማ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይነገር።

◼ ኣብ ጥቅምቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ዝመ​ደቡ ኣስፋሕቲ ኣቐዲሞም ከመልክቱ ይግብኦም። እዚ ንሽማግለታት እቲ ዘድሊ ናይ መጽሔታት: ጽሑፋት: ከምኡውን ናይ ዞባ ምድላዋት ክገብሩ የኽእሎም።

◼ ሳሕቲ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝተርፉ ዝያዳ መጽሔታት ከም “ተረፍ” መጽሔታት ኰይኑ ብዘይ ክፍሊት ናብ ገለ እተመርጻ ጉባኤታት ክልኣኽ ኢዩ። እዚ መጽሔታት እዚ ከም ካልእ መጽሔታት ክብርከት ይከኣል ኢዩ፣ ደሓር እቲ እተኣከበ ገንዘብ ኣብ ናይ መጽሔት ሕሳብ ክአቱ ወይ ከም ውጽኢት ክልኣኽ ይክኣል።

◼ ሽማግለታት ብዛዕባ እተወገዱ ወይ ካብ ማሕ​በር እተፈልዩ እሞ ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት ነቲ ኣብ ናይ 8/112 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-6 ዘሎ መምርሒታት ክኽተሉ ተዘኻኺሮም ኢዮም።

◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን:- እንግሊዝኛ:- ናይ 1958: 1959: 1986 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጥሙር ጥራዛት፣ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ 95 ኣብ ሲዲ።

◼ እንደገና ዝመጸ ኣብ መኽዘን ዘሎ ጽሑፋት:⁠- እንግሊዝኛ:⁠- ንዅሎም ህዝብታት ዝኸ​ውን ብስራት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ