ሕቶ ሳጹን
◼ ኣብ ኣኼባታት ቍጽርታት ከተንብብ ከሎኻ ኣብ ኣእምሮ ክተሓዝ ዝግብኦ እንታይ ኢዩ፧
መብዛሕትኡ ናይቲ ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝምደብ ግዜ: ቍጽርታት ኣብ ምንባብ ኢዩ ዝውዕል። እዚ ኸኣ እቲ ንኸንብብ እተመደበ ሓው ከም መምህር መጠን ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ ማለት ኢዩ። ሰማዕቲ ክርድእዎ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ሓሊፎምውን ንምትግባር ምእንቲ ኽለዓዓሉ: ነቲ ትሕዝቶኡ ‘ክገልጽ’ ብዝኽእል ኣገባብ ከንብቦ ይግባእ። (ነህ. 8:8) በዚ ምኽንያት እዚ እምብኣር: እቲ ኣንባቢ ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ክዳለወሉ የድሊ። (1 ጢሞ. 4:13፣ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ [እንግሊዘኛ] መጽናዕቲ 6 ርአ።) ትርጕም ዘለዎ ንባብ ንምግባር ዝሕግዙ ገለ ኣድለይቲ ነጥብታት ካብዚ ቀጺሎም ኣለዉ።
ኣብቲ ክጐልሕ ዘለዎ ግቡእ ምጕላሕ ተጠቐም:- ቅኑዕ ምርዳእ ምእንቲ ከመሓላልፉ ክጐልሑ ዘድልዮም ቃላት ወይ ሓረጋት ኣየኖት ምዃኖም ኣቐዲምካ ወስን።
ቃላት ብልክዕ ኣድምጾም:- እቶም ሰማዕቲ ኣብቲ ጽሑፍ ንዘሎ መግለጺታት ክርድእዎ እንተዀይኖም ግቡእ ኣደማምጻን ንጹር ኣናብባን ኣድላዪ ኢዩ። ዘይልሙዳት ወይ ሳሕቲ ዝዝውተሩ ቃላት እንተልዮም ኣብ መዝገበ-ቃላት ርኣዮም።
ዓው ኢልካን ብውዕዉዕ ስምዒትን ተዛረብ:- ብውዕዉዕ ስምዒትን ዓው ኢልካን ምዝራብ ተገዳስነት ይፈጥር: ስምዒታት ይቕስቅስ: ከምኡውን ንሰማዒ የለዓዕል ኢዩ።
ምዉቕን ናይ ዕላል መልክዕ ዘለዎን ግበሮ:- ንንባብ ብምምላኽ ባህርያዊ ኣዘራርባ ይመጽእ። ምድላውን ልምምድን: እቲ ኣንባቢ ከይተጨነቐ ከንብብ የኽእሎ: በዚ ኸምዚ እቲ ንባብ ኣብ ክንዲ ሓደ ዓይነት ቃና ዘለዎን ዘሰልክን ዝኸውን ዝስሕብ ይኸውን።—ኣን. 2:2።
ነቲ ጽሑፍ ከምቲ ዘለዎ ኣንብቦ:- እግረ-ጽሑፋትን ኣብ ሓጹራት ዘሎ ሓበሬታን ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ዓንቀጽ ዘብርሁ እንተድኣ ኰይኖም ከም ካልእ ዓው ኢልካ ይንበቡ። ከይተነበቡ ዝተርፉ እቲ ጽሑፍ ካበይ ከም እተወስደ ዝገልጹ መወከሲታት እንተደኣ ዀይኖም ጥራይ ኢዮም። ኣብቲ ቍጽሪ ዘሎ እግረ-ጽሑፍ ኣብቲ እተመልከተሉ እዋን ኣቐዲምካ “እቲ እግረ-ጽሑፍ ከምዚ ይንበብ . . .” ብምባል ክጅመር ይከኣል። እግረ-ጽሑፍ ድሕሪ ምንባብካ: ናብቲ ዝተረፈ ናይቲ ቝጽሪ ንባብ ጥራይ ትቕጽል።
ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኴንካ ዝግበር ንባብ ብጽቡቕ ክቐረብ ከሎ: ሓደ ካብቲ ንኻልኦት በቲ ዓቢ መምህርና ‘እተኣዘዘ ኵሉ ንኽሕልዉ ክንምህረሉ’ እንኽእል ቀንዲ መገድታት ኢዩ።—ማቴ. 28:20