ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/96 ገጽ 5
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብ ምንባብ ኣቕልብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ባህርያዊ ኣዘራርባ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ነቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዚወሃብ ናይ ተመሃራይ ክፍሊ ምድላው
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 9/96 ገጽ 5

ሕቶ ሳጹን

◼ ኣብ ኣኼባታት ቍጽርታት ከተንብብ ከሎኻ ኣብ ኣእምሮ ክተሓዝ ዝግብኦ እንታይ ኢዩ፧

መብዛሕትኡ ናይቲ ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንጉባኤ ትምህርቲ መጽ​ሓፍ ዝምደብ ግዜ: ቍጽርታት ኣብ ምንባብ ኢዩ ዝውዕል። እዚ ኸኣ እቲ ንኸንብብ እተመደበ ሓው ከም መምህር መጠን ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ ማለት ኢዩ። ሰማዕቲ ክርድእዎ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ሓሊፎምውን ንምትግባር ምእንቲ ኽለዓዓሉ: ነቲ ትሕዝቶኡ ‘ክገልጽ’ ብዝኽእል ኣገባብ ከንብቦ ይግባእ። (ነህ. 8:⁠8) በዚ ምኽንያት እዚ እምብኣር: እቲ ኣንባቢ ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ክዳለወሉ የድሊ። (1 ጢሞ. 4:⁠13፣ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ [እንግሊዘኛ] መጽናዕቲ 6 ርአ።) ትርጕም ዘለዎ ንባብ ንምግባር ዝሕግዙ ገለ ኣድለይቲ ነጥብታት ካብዚ ቀጺሎም ኣለዉ።

ኣብቲ ክጐልሕ ዘለዎ ግቡእ ምጕላሕ ተጠ​ቐም:⁠- ቅኑዕ ምርዳእ ምእንቲ ከመሓ⁠ላ⁠ልፉ ክጐልሑ ዘድልዮም ቃላት ወይ ሓረጋት ኣየኖት ምዃኖም ኣቐዲምካ ወስን።

ቃላት ብልክዕ ኣድምጾም:⁠- እቶም ሰማዕቲ ኣብቲ ጽሑፍ ንዘሎ መግለጺታት ክርድእዎ እንተዀይኖም ግቡእ ኣደማምጻን ንጹር ኣናብባን ኣድላዪ ኢዩ። ዘይልሙዳት ወይ ሳሕቲ ዝዝውተሩ ቃላት እንተልዮም ኣብ መዝገበ⁠-​ቃላት ርኣዮም።

ዓው ኢልካን ብውዕዉዕ ስምዒትን ተዛረብ:⁠- ብውዕዉዕ ስምዒትን ዓው ኢልካን ምዝራብ ተገዳስነት ይፈጥር: ስምዒታት ይቕስቅስ: ከምኡውን ንሰማዒ የለዓዕል ኢዩ።

ምዉቕን ናይ ዕላል መልክዕ ዘለዎን ግበሮ:⁠- ንንባብ ብምምላኽ ባህርያዊ ኣዘራርባ ይመጽእ። ምድላውን ልምምድን: እቲ ኣንባቢ ከይተጨነቐ ከንብብ የኽእሎ: በዚ ኸምዚ እቲ ንባብ ኣብ ክንዲ ሓደ ዓይነት ቃና ዘለዎን ዘሰልክን ዝኸውን ዝስሕብ ይኸውን።​—⁠ኣን. 2:⁠2።

ነቲ ጽሑፍ ከምቲ ዘለዎ ኣንብቦ:⁠- እግረ⁠-​ጽሑፋትን ኣብ ሓጹራት ዘሎ ሓበሬታን ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ዓንቀጽ ዘብርሁ እንተድኣ ኰይ​ኖም ከም ካልእ ዓው ኢልካ ይንበቡ። ከይተነበቡ ዝተርፉ እቲ ጽሑፍ ካበይ ከም እተወስደ ዝገልጹ መወከሲታት እንተደኣ ዀይ​ኖም ጥራይ ኢዮም። ኣብቲ ቍጽሪ ዘሎ እግረ⁠-​ጽሑፍ ኣብቲ እተመልከተሉ እዋን ኣቐዲምካ “እቲ እግረ⁠-​ጽሑፍ ከምዚ ይን​በብ . . .” ብምባል ክጅመር ይከኣል። እግረ⁠-​ጽሑፍ ድሕሪ ምንባብካ: ናብቲ ዝተረፈ ናይቲ ቝጽሪ ንባብ ጥራይ ትቕጽል።

ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኴንካ ዝግበር ንባብ ብጽቡቕ ክቐረብ ከሎ: ሓደ ካብቲ ንኻልኦት በቲ ዓቢ መምህርና ‘እተኣዘዘ ኵሉ ንኽሕልዉ ክንምህረሉ’ እንኽእል ቀንዲ መገድታት ኢዩ።​—⁠ማቴ. 28:⁠20

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ