ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 14 ገጽ 128-ገጽ 130 ሕ.ጽ. 4
  • ባህርያዊ ኣዘራርባ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ባህርያዊ ኣዘራርባ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትዘራረብ ከም ዘለኻ ጌርካ ምቕራብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ዝርርባዊ ኣቀራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ነቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዚወሃብ ናይ ተመሃራይ ክፍሊ ምድላው
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 14 ገጽ 128-ገጽ 130 ሕ.ጽ. 4

መጽናዕቲ 14

ባህርያዊ ኣዘራርባ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ገዛእ ርእስኻ ኹን: ማለት ልክዕ ከምቲ ኽትዘራረብ ከለኻ እትገብሮ ጌርካ ኻብ ልቢ ተዛረብ: ንኻልእ ተዛራባይ ከም ዝቐዳሕካ ኣምሲልካ ኣይትዛረብ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ክትዛረብ ከለኻ ብዛዕባ ርእስኻ ብምሕሳብ ትጭነቕን እምብዛ ትጥንቀቕን እንተ ደኣ ዄንካ: ሰማዕትኻ ንዘረባኻ ምክትታል ኬጸግሞም ይኽእል እዩ።

ብባህርያዊ መገዲ ሓሳብካ ምስ እትገልጽ ካልኦት ኪኣምኑኻ እዮም። ሓደ ሰብ ኣብ ገጹ ማስኬራ ለቢሱ እንተ ዚዛረበካ ምኣመንካዮዶ፧ እቲ ማስኬራ ኻብቲ ዚዛረብ ዘሎ ሰብ እንተ ዚምልክዕኸ ዝያዳ ምኣመንካዮዶ፧ ኣይምኣመንካዮን። ስለዚ እምበኣር: ንኻልእ ተዛራባይ መሲልካ ኣብ ክንዲ እትቐርብ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ባህርያዊ መገዲ ተዛረብ።

ብባህርያዊ ኣዘራርባ ኽንዛረብ ኣሎና ኺበሃል ከሎ ሸለልትነት ከነርኢ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ዘይእሩም ሰዋስው: ግጉይ ኣደማምጻ: ዓባስ ኣዘራርባ ግቡእ ኣይኰነን። ዘረባ ሹቕ እውን ኪውገድ ኣለዎ። ብኣዘራርባና ይኹን ብኣቀራርባና ወትሩ ግቡእ ርዝነት ከነንጸባርቕ ኢና እንደሊ። ከምዚ ዓይነት ባህርያዊ ኣዘራርባ ዚዛረብ ሰብ ካብ መጠን ንላዕሊ ወግዓዊ ኣይኰነን: ወይ ንኻልኦት ንምምሳጥ ኢሉ እምብዛ ኣይጭነቕን እዩ።

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ። ምስክርነት ንምሃብ ናብ ሓንቲ ገዛ ወይ ናብ ሓደ ሰብ ክትቀርብ ከለኻ ትፈርህዶ፧ መብዛሕትና ንፈርህ እኳ እንተ ዀንና: ንገሊኣቶም ግን እዚ ፍርሂ እዚ ብዝያዳ የሸግሮም እዩ። ውጥረት ንድምጺ ኸም ዚዕርምም ወይ ፈጥፈጥ ከም ዚብል ኪገብሮ ይኽእል እዩ። እንተ ተረቢሽና ኸኣ ብኣእዳውና ወይ ብርእስና ዘየድሊ ምንቅስቓስ ኢና እንገብር።

ሓደ ኣስፋሒ ብእተፈላለየ ምኽንያት እዚ ጸግም እዚ ኼጋጥሞ ይኽእል እዩ። ምናልባት ‘እንታይ ኰን ይብሉኒ ይዀኑ፧’ ኢሉ ይሓስብ: ወይ ከኣ ‘ኣቀራርባይ ውጽኢታዊ ደዀን ይኸውን፧’ ኢሉ ይጭነቕ ይኸውን። ከምዚ ኢልካ ምጭናቕ ሓድሽ ነገር እኳ እንተ ዘይኰነ: ነዚ ነገራት እዚ ብዙሕ ኣቓልቦ ንገብረሉ እንተ ደኣ ዄንና ግን ጸገም ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ኣገልግሎት ቀቅድሚ ምኻድካ ፍርሂ ዚስምዓካ እንተ ደኣ ዀይኑ: እንታይ እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧ ኣጸቢቕካ ምድላው: ንየሆዋ ኸኣ ብልባዊ ጸሎት ምቕራቡ የድሊ። (ግብ. 4:29) ብዛዕባ እቲ የሆዋ: ሰባት ኣብ ገነት ምሉእ ጥዕና ረኺቦም ንዘለኣለም ንኺነብሩ ኣጋጣሚ ብምሃብ ዘርኣዮ ዓብዪ ምሕረት ሕሰብ። ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ክትሕግዞም እትደሊ ዘለኻ ሰባትን ብስራት ኪሰምዑ ኸኣ ብሓቂ ዜድልዮም ምዃኑን ሕሰብ።

ሰባት ናይ ምምራጽ መሰል ስለ ዘለዎም ነቲ መልእኽቲ ኪቕበልዎ ወይ ኪነጽግዎ ኸም ዚኽእሉ ኣይትረስዕ። የሱስ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ኪሰብኽ ከሎ እውን ከምዚ የጋጥሞ ነይሩ እዩ። ዕዮኻ ምስባኽ ጥራይ እዩ። (ማቴ. 24:14) ሰባት ንኽትዛረብ እኳ እንተ ዘይፈቐዱልካ: ኣብ ቅድሚኦም ምቕራብካ ጥራይ ንባዕሉ ምስክርነት እዩ። የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ኪጥቀመልካ ስለ ዝፈቐድካሉ እውን ተዓዊትካ ኢኻ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ንኽትዛረብ ዕድል ምስ እትረክብ ዘረባኻ ኸመይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧ ኣብቲ ንሰባት ዜድልዮም ነገራት እንተ ደኣ ኣተኲርካ: ብዚስሕብን ብባህርያውን መገዲ ኽትዛረብ ኢኻ።

ምስክርነት ክትህብ ከለኻ: ከምቲ ልሙድ ኣዘራርባኻ እንተ ደኣ ተዛሪብካ ሰማዕትኻ ፍዅስ ኪብሎም እዩ። ምናልባት እውን ነቲ ኽትነግሮም ዝደለኻ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ሓሳባት ይቕበልዎ ይዀኑ። ኣዘራርቦም ደኣ እምበር ኣይትመድረሎም። ምቕሉል ኩን። ተገደሰሎም: ሓሳባት ኪህቡ ኸለዉ ኸኣ ጽን ኢልካ ስምዓዮም። ኣብቲ ቛንቋ ወይ ኣብቲ ባህሊ እቲ ኸባቢ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ክትዛረብ ከለኻ ንኣኽብሮት ኢልካ ኺግበር ዘለዎ ልምዲ እንተ ኣልዩ ስዓቦ። እንተዀነ ግን: ወትሩ ፍሽኽ ኢልካ ድሉው ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መድረኽ። ንእኩባት ሰባት ክትዛረብ ከለኻ: ልክዕ እተዘራርቦም ዘለኻ ዄንካ ብባህርያዊ መገዲ ምስ እተቕርቦ ዚበዝሕ ግዜ ውጽኢታዊ እዩ። እቲ ህዝቢ ብዝሕ ዝበለ እንተ ደኣ ዀይኑ: ዓው ክትብል ከም ዘሎካ ፍሉጥ እዩ። ንመደረኻ ኽትሽምድዶ እንተ ደኣ ፈቲንካ ወይ ከኣ ጽሑፍካ ዝርዝር ዝበዝሖ እንተ ደኣ ዀይኑ: እምብዛ ኣብ ቃላት ከተተኵር ኢኻ። ቃላት ብግቡእ ምዝራብ ኣድላዪ እኳ እንተ ዀነ: እምብዛ ኣቓልቦ እንተ ደኣ ተገይሩሉ ግን ኣዘራርባኻ ተሪርን ላዛ ዘይብሉን ኪኸውን እዩ። እዚ ባህርያዊ ኣዘራርባ ኣይኰነን። እቲ እተቕርቦ ሓሳባት ኣቐዲምካ ብጥንቃቐ ኽትሓስበሉ እኳ እንተሎካ: ኣብቲ ሓሳባት እቲ ደኣ እምበር ኣብቲ ቓላት ኣይተተኵር።

ኣብ ኣኼባ ቓለ-መጠይቕ ኪግበረልካ ኸሎ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣጸቢቕካ ተዳሎ: ይኹን እምበር ነቲ መልሲ ኣይተንብቦ ወይ ኣይትሸምድዶ። ከይተጨነቕካ ሓሳባትካ ምእንቲ ኽትገልጽ: ድምጽኻ ብባህርያዊ መገዲ እናቐያየርካ ተዛረብ።

ነቲ ባህ ዜብል እተፈላለየ ባህርይ ዘረባ እውን እንተ ዀነ ኻብ መጠን ንላዕሊ እንተ ደኣ ተጠቒምናሉ: ንሰማዕትና ዘይባህርያዊ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ብግቡእ እናድመጽካ ኣነጺርካ ኽትዛረብ እኳ እንተሎካ ኣዘራርባኻ ዘይናትካ ኽሳዕ ዚመስል ግን ኪጋነን የብሉን። መራጐዲ ወይ ገላጺ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብግቡእ እንተ ደኣ ተጠቒምካሉ ንዘረባኻ ህያው ኪገብሮ ይኽእል እዩ: እተጋነነ እንተ ደኣ ዀይኑ ግን ሰማዕትኻ ነቲ እትዛረቦ ዘለኻ ኣይኬቕልቡሉን እዮም። እተመጣጠነ ድምጺ ደኣ ተጠቐም እምበር: እምብዛ ዓው ኣይትበል። ኣዘራርባኻ ውዕዉዕ ኪኸውን እኳ እንተ ኣለዎ: እተጋነነ ኪኸውን ግን የብሉን። ድምጽኻ እናቐያየርካ: ብስምዒት ክትዛረብ ከለኻ ናብ ገዛእ ርእስኻ ኣቓልቦ ኣይትስሓብ ወይ ንሰማዕትኻ ኸም ዚሽቝረሩ ኣይትግበር።

ገለ ሰባት መደረ ኺህቡ ኸለዉ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መዓልታዊ ዘረባኦም እውን ከይተረፈ ናይ ጽሑፍ ቃላት ተጠቒሞም ሓሳባቶም ናይ ምግላጽ ባህርያዊ ኽእለት ኣለዎም። ገሊኦም ግን ብዝመጸሎም ተራ ኣዘራርባ እዮም ዚዛረቡ። እቲ ዝያዳ ዜገድስ ግን ኵሉ መዓልቲ ክርስትያናዊ ኽብረትካ ብምሕላው ጽቡቕ ጌርካ ናይ ምዝራብ ልምዲ ምምዕባል እዩ። ከምዚ እንተ ደኣ ጌርካ ኣብ መድረኽ መደረ ኽትህብ ከለኻ: ከይተጨነቕካ ብባህርያዊ መገዲ ኽትዛረብ ኢኻ።

ንህዝቢ ኸተንብብ ከለኻ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብባህርያዊ መገዲ ንኸተንብብ ጻዕሪ ይሓትት። ኣብቲ እተንብቦ ጽሑፍ ዘሎ ቐንዲ ነጥብታት እንተ ደኣ ፈሊኻዮ እሞ እዚ ብኸመይ ከም ዝበርሀ እንተ ደኣ ኣስተብሂልካሉ: ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ስለዚ: ነዚ ነጥብታት እዚ ብንጹር ተረድኣዮ: እንተ ዘይኰነ ግን ሓሳባት ዘይኰነስ ቃላት ጥራይ ኢኻ እተንብብ። ዘይትፈልጦ ቓላት ብኸመይ ከም ዚድመጽ ኣቐዲምካ ተወከስ። እቲ ዚግባእ ናይ ቃና ምቅይያር ምእንቲ ኽትገብር: ነቲ ቓላት ከኣ ንጹር ሓሳባት ኬመሓላልፎ ብዚኽእል መገዲ ምእንቲ ኽትጥርንፎ ዓው ኢልካ ብምንባብ ተለማመደሉ። ሰጋእ ከይበልካ ኽሳዕ እተንብብ ደጋጊምካ ተለማመድ። ዓው ኢልካ ኸተንብብ ከለኻ ልክዕ ትዛረብ ከም ዘለኻ ዀይኑ ኽሳዕ ዚጥዕም ነቲ ጽሑፍ ኣጸቢቕካ ኣጽንዓዮ። ከምዚ ምስ እትገብር ብባህርያዊ መገዲ ተንብቦ ኣለኻ ማለት እዩ።

መብዛሕትኡ ንህዝቢ እነንብቦ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እተዳለወ ጽሑፍ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚወሃበና ናይ ምንባብ ክፍሊ: ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ኣብ መድረኽ ኴንና መደረ ኽንህብ ከለናን ጥቕስታት ነንብብ ኢና። ኣሕዋት ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤን ዚጽናዕ ጽሑፍ ኬንብቡ ይምደቡ እዮም። ገሊኦም ብቑዓት ተዛረብቲ ኸኣ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ብንባብ ዚቐርብ ጽሑፍ ኬንብቡ ይምደቡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ካልእ ጽሑፍ ከተንብብ ከለኻ: ነቲ ምልክት ጥቕሲ ዘለዎ ኽፋላት ህያው ጌርካ ኣንብቦ። ብዙሓት ገጸ-ባህርያት ተጠቒሶም እንተ ኣልዮም: ንነፍሲ ወከፉ ድምጽኻ እናቐያየርካ ኣንብቦ። ይኹን እምበር: ብባህርያዊ መገዲ እናንበብካ ህያው ደኣ ግበሮ እምበር ድራማ ተቕርብ ከም ዘለኻ ኣይተምስሎ።

ብባህርያዊ መገዲ ዚግበር ንባብ ልክዕ ትዛረብ ከም ዘለኻ እዩ ዚመስል። እተቐድሐ ዘይኰነስ: ኣሚንካሉ ትዛረበሉ ዘለኻ ዀይኑ እዩ ዚቐርብ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • ከምቲ ልሙድ ዘረባኻ ጌርካ ተዛረብ። ብዛዕባ የሆዋን ሰባት ብዛዕባኡ ኺመሃሩ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜድልዮምን ደኣ እምበር ብዛዕባ ርእስኻ ኣይትሕሰብ።

  • መደረ ኽትዳሎ ኸለኻ ኣብ ቃላት ዘይኰነስ ኣብ ሓሳባት ኣቕልብ።

  • መደረ ኽትህብ ከለኻ ዀነ ምስ ሰብ ክትዘራረብ ከለኻ ብሸለልታ ኣይትዛረብ: ንባህርያት ዘረባ ኣብ እትዓየሉ መዳይ ሰባት ናባኻ ኸም ዜተኵሩ ኣይትግበር።

  • ንህዝቢ ኸተንብብ ከለኻ ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ። ስምዒት ብዜንጸባርቕን ትርጕም ብዚህብን መገዲ ኣንብብ።

መላመዲ (1) ሚልክያስ 1:2-14 ቀስ ኢልካ ኣንብባ: ነቶም ኣብኡ ዚዛረቡ ዘለዉ ገጸ-ባህርያት ከኣ ኣስተብህለሎም። ድሕርዚ ኣብ ድምጽኻ እቲ ዚግባእ መግለጺ እናንጸባረቕካ ዓው ኢልካ ኣንብቦ። (2) ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ቕድሚ ምክፋልካ ኣብ ሰለስተ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነቲ ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ቐሪቡ ዘሎ ቐዳሞት ክልተ ሕጡብ ጽሑፋትን ነቲ ኣብ ገጽ 128 ኣብ ትሕቲ እቲ “ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ቐሪቡ ዘሎ ሓሳባትን ኣንብቦ። ነቲ ምኽሪ እቲ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ጽዓር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ