መጽናዕቲ 28
ትዘራረብ ከም ዘለኻ ጌርካ ምቕራብ
ሰባት ብሓፈሻኡ ምስ ፈተውቶም ኪዘራረቡ ኸለዉ ፍዅስ እዩ ዚብሎም። እቲ ዚጥቀሙሉ ቓላት ኣብቲ ህሞት እቲ እዮም ዚመርጽዎ። ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ስምዒቶም ብዚግባእ ዚገልጹ ኪዀኑ ኸለዉ: ገሊኦም ግን ስቕ በሃልቲ እዮም። በዚ ዀነ በቲ: ባህርያዊ ኣዘራርባ ምጥቃም ንዘረባ ማራኺ ይገብሮ እዩ።
ንሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ክትቀርቦ ኸለኻ ግን: ኣመና ኸም እትፈልጦ ጌርካ ወይ ንቓላትካ ኸይተጠንቀቕካ ምዝራብ ግቡእ ኣይኰነን። አረ ኣብ ገሊኡ ባህልታት እሞ ኸኣ: ኵሉ እቲ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ዚግበር ዝርርብ ወግዓዊ ስርዓት ሓሊኻ እዩ ዚግበር። ግቡእ ኣኽብሮት ምስ ኣርኣኻዮ: በብቝሩብ ወግዓዊ ቛንቋ ብምንካይ ከምቲ ኣብ ካልእ ግዜ እተዘውትሮ ንቡር ኣዘራርባ ኽትስዕብ ትኽእል ኢኻ።
ካብ መድረኽ ክትዛረብ ከለኻ እውን ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ኣዘራርባኻ ተራ ዕላል እንተ መሲሉ: ነቲ ክርስትያናዊ ኣኼባ ዘለዎ ርዝነት ኬፍኵሶ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት ንዓብዪ ሰብ: ንመምህር: ንብዓል ስልጣን: ወይ ንወላዲ ኸተዘራርብ ከለኻ: እተፈልየ ቓላት ክትጥቀም ኣሎካ። (ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:2፣ 13:16 ዚርከብ ቃላት ኣስተብህለሉ።) ንብዓልቲ ቤትካ ወይ ንናይ ቀረባ ፈታዊኻ ኸተዛርብ ከለኻ: እተፈልየ ቓላት ትጥቀም ኢኻ። እቲ ኣብ መድረኽ እንጥቀመሉ ኣዘራርባ እውን እምብዛ ወግዓዊ ኪኸውን እኳ እንተ ዘይብሉ: ክብሪ ዝሓለወ ግን ኪኸውን ኣለዎ።
እንተዀነ ግን: ንኣቀራርባ ብዘየድሊ ደረቕ ወይ እምብዛ ወግዓዊ ኼምስሎ ዚኽእል ረቛሒታት ኣሎ። ሓደ ኻብዚ: ኣቃውማ ምሉእ ሓሳብ ወይ ኣሰራርዓ ሓረጋት እዩ። ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ መግለጺታት ከም ዘለዎ ኺደግሞ ኺጽዕር ከሎ: እዚ ጸገም እዚ ይፍጠር እዩ። እቲ ኣብ ጽሑፍ ዚሰፍር ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ ኣብ ዘረባ እንጥቀመሉ ቓል እተፈልየ እዩ። ሓቂ እዩ: ንመደረ ኽትዳሎ ኸለኻ: ኣብ እተሓትመ ጽሑፍ ተመርኲስካ ኢኻ ምርምር እትገብር። ንመደረኻ መሰረት ዚዀነካ ኸኣ ብጽሑፍ ዚወሃበካ ኣስተዋጽኦ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ጌርካ ሓሳባት እንተ ገሊጽካ: ወይ ኣብ መንጎ መደረኻ ኻብቲ ኣስተዋጽኦ ብቐጥታ እንተ ኣንቢብካ: መደረኻ ትዘራረብ ከም ዘለኻ ኺመስል ኣይክእልን እዩ። ትዘራረብ ከም ዘለኻ ጌርካ ንምቕራብ: ንሓሳባትካ ብናትካ ቓላት ግለጾ: እተሓላለኸ ኣቃውማ ምሉእ ሓሳብ ድማ ኣይትጠቐም።
ካልእ ረቛሒ ኸኣ ኣብ ፍጥነት እተርእዮ ለውጥታት እዩ። ኣብ መንጎ ቓላት ዘሎ ዕረፍቲ ኣመና ዚመሳሰል: ፍጥነትካውን ሓደ ዓይነት እንተ ዀይኑ: ዘረባኻ ደረቕን ወግዓውን እዩ ዚኸውን። ምስ ሰብ ኣብ እትገብሮ ዝርርብ: ፍጥነትካ ትቐያይር: እተፈላለየ ንውሓት ዘለዎ ዕረፍቲ ድማ ትገብር ኢኻ።
ልክዕ እዩ: ንብዙሓት ሰማዕቲ ኽትዛረብ ከለኻ: ዋላ እውን ምስ ካልእ ትዘራረብ ከም ዘለኻ ጌርካ ኣቕርቦ: ኣቓልቦኦም ምእንቲ ኽትስሕብ ድምጽኻ ኽትውስኽ: ብዝያዳ ኣትርር ኣቢልካ ኽትዛረብ: ከምኡውን ውዕዉዕ ስምዒት ወሲኽካ ኽትዛረብ ኣሎካ።
ኣብ ኣገልግሎት ትዘራረብ ከም ዘለኻ ዄንካ ንምቕራብ: መዓልታዊ ጽቡቕ ጌርካ ምዝራብ ልማድካ ኽትገብሮ ኣሎካ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ብዙሕ ትምህርቲ የድልየካ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ነቲ እትብሎ ብኣኽብሮት ንኺሰምዑኻ ዚድርኽ ኣዘራርባ ምምዕባል ሰናይ እዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ኣብ መዓልታዊ ዝርርብካ ነዚ ነጥብታት እዚ ኽትዓየሉ የድልየካ እንተ ዀይኑ እስከ ርአ።
ምስ ጽቡቕ ሰዋስው ዚጋጮ ወይ ምስቶም ብኣነባብራኦም ንስርዓታት ኣምላኽ ዚጥሕሱ ሰባት ዜመድበካ ቓላት ኣይትጠቐም። ምስቲ ኣብ ቈሎሴ 3:8 ዚርከብ ምኽሪ ብምስምማዕ: ተሪር ወይ ብዕሉግ ቋንቋ ኣይትጠቐም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: መዓልታዊ እትጥቀመሉ ንዘረባ ዚኸውን ልሙድ ቃላት ምጥቃም ጌጋ የብሉን። መዓልታዊ ዚዝውተር ቃላት: ወግዓዊ እኳ እንተ ዘይኰነ: ተቐባልነት ግን ኣለዎ።
እተፈላለየ ሓሳባት ንምግላጽ ሓደ ዓይነት ቃላትን ሓረጋትን ደጋጊምካ ኣይትጠቐም። ሓሳባትካ ብንጹር ንምግላጽ ዚሕግዘካ ቓላት ተጠቐም።
ቅድሚ ምዝራብካ: ነቲ ኽትብሎ እትደሊ ሓሳባት ብንጹር ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ነቲ እተዛረብካዮ ሓሳባት ብዘየድሊ ኣይትደጋግሞ።
ንጽቡቕ ሓሳባት ብኣዝዩ ብዙሕ ቃላት ኣይትቕበሮ። እቲ ኺዝከር እትደልዮ ነጥቢ ብሓደ ቐሊል ምሉእ ሓሳብ ንጹር ጌርካ ናይ ምግላጽ ልማድ ይሃሉኻ።
ንኻልኦት ኣኽብሮት ብዜርኢ መገዲ ተዛረብ።.