መጽናዕቲ 4
ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ
ዓው ኢልካ ኸተንብብ ከለኻ ኣብ ገሊኡ ቓላት ወታእታእዶ ትብል ኢኻ፧ ወይ ከኣ መብዛሕትኡ እዋን: መደረ ንምሃብ ኣብ ቅድሚ ሰማዕቲ ምስ ወጻእካ: ቅኑዕ ቃላት ንምርካብ ትሽገርዶ ኢኻ፧ ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑ: ሰጋእ ከይበልካ ኣብ ምዝራብ ጸገም ኣሎካ ማለት እዩ። ሰጋእ ከይበለ ዚዛረብ ሰብ: ኬንብብ ከሎ ይኹን ኪዛረብ ከሎ: ቃላቱን ሓሳባቱን ከይተዓናቐፈ ብቐሊሉ እዩ ዜውስኦ። እዚ ኺበሃል ከሎ ግን ብዘይምቍራጽ: ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበለ እዩ ዚዛረብ ወይ ከይሓሰበ እዩ ዚዛረብ ማለት ኣይኰነን። ኣዘራርባኡ ባህ ዜብልን ጥዑምን እዩ። ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ፍሉይ ኣተኵሮ ተገይሩሉ ኣሎ።
ሰጋእ ከይበልካ ንምዝራብ ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል እተፈላለየ ረቛሒታት ኣሎ። ካብዚ ቐጺሉ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት ፍሉይ ቈላሕታ ኽትገብረሉ ዜድልየካ ነጥቢ ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧ (1) ንኻልኦት ከተንብበሎም ከለኻ: ዘይትፈልጦ ቓላት ምስ ዚህሉ ሰጋእ መጋእ ከም እትብል ኪገብረካ ይኽእል እዩ። (2) ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተዕርፍ እንተ ደኣ ዄንካ: እተቘራረጸ ሓሳባት እዩ ዚኸውን። (3) ዘይምድላው እውን ነዚ ጸገም እዚ ኺፈጥር ይኽእል እዩ። (4) ነቲ እተቕርቦ ሓሳባት ኪርዳእ ብዚኽእል ኣገባብ እንተ ዘይወዲብካዮ: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሰጋእ ከይበልካ ንኸይትዛረብ ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (5) ውሱን ቃላት ጥራይ ትፈልጥ እንተ ደኣ ዄንካ: ቅኑዕ ቃላት ንምርካብ ሰጋእ መጋእ ክትብል ትኽእል ኢኻ። (6) ብዙሕ ቃላት ተጕልሕ እንተ ደኣ ዄንካ: ዘረባኻ ኺበታተኽ ይኽእል እዩ።። (7) ሕጊ ሰዋስው ዘይምፍላጥ እውን ነዚ ጸገም እዚ ኼስዕብ ይኽእል።
ሰጋእ እናበልካ ትዛረብ እንተ ደኣ ዄንካ: ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰማዕቲ ቓል ብቓሉ ገዲፎምኻ እኳ እንተ ዘይከዱ: ሓሳባቶም ግን ኪገይሽ ይኽእል እዩ። ሳዕቤኑ ኸኣ ካብቲ እተዛረብካዮ መብዛሕትኡ ኸይተሰምዐ ኺተርፍ እዩ።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ እቲ ብምልከትን ሰጋእ ከይበልካን ንምዝራብ እትገብሮ ጻዕሪ ንሰማዕቲ ዚዕብልል ወይ እውን ከም ዚሽቝረሩ ዚገብሮም ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ። ሰባት ብምኽንያት ባህላዊ ፍልልይ ንኣዘራርባኻ: ሜላ ወይ ቅንዕና ዘይብሉ ገይሮም ዚርእይዎ እንተ ደኣ ዀይኖም: ዕላማኻ ኣይክትወቅዕን ኢኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ: ምኩር ተዛራባይ እኳ እንተ ነበረ: ናብ ገዛእ ርእሱ ዘየድሊ ኣቓልቦ ምእንቲ ኸይስሕብ ንሰብ ቈረንቶስ “ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን” እዩ ቐሪብዎም።—1 ቈረ. 2:3
ኪውገድ ዘለዎ ኣመላት። ብዙሓት ሰባት “አ. . .አ. . .” ኢልካ ናይ ምዝራብ ኣመላት ኣለዎም። ገሊኦም ከኣ ኣብ መንጎ ዘረባኦም ዓሰርተ ሳዕ “ማለት” ይብሉ። ምናልባት ንስኻውን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመላት ከም ዘሎካ ዘየስተብሃልካ እንተ ደኣ ዄንካ: ሓደ ሰብ ክትዛረብ ከለኻ ሰሚዑ ነዚ ኣመላት እዚ ኸተውስእ ከለኻ ደድሕሬኻ ኸም ዚደግሞ ብምግባር ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ኽትግረም ኢኻ።
ገሊኣቶም ድማ እናንበቡ ወይ እናተዛረቡ ኸለዉ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ጀሚሮም ከይወድኡ ንድሕሪት ብምምላስ እንደገና ኸም ብሓድሽ ይጅምሩ: ወይ ከኣ ንገሊኡ ሓሳባት ይደግምዎ።
ገሊኦም ከኣ ብመጠኑ ቕልጥፍ ኢሎም ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ: ሓደ ሓሳባት ይጅምሩ እሞ ኣብ መንጎ ኣቋሪጾም ናብ ካልእ ሓሳባት ይኸዱ። እቲ ቓላት ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ዚውሕዝ እኳ እንተ ዀነ: ብሃንደበት ሓሳባት ምቕያር ሰጋእ ከይበልካ ኣብ ምዝራብ ከም ጕድለት እዩ ዚቝጸር።
ከመይ ጌርካ ኸም እተመሓይሽ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቕኑዕ ቃል ንምርካብ ህርድግ ትብል እንተ ደኣ ዄንካ: ቃላትካ ንኸተሰስን ብዙሕ ክትጽዕር ኣሎካ። ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ! ወይ ካልእ ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ: ነቲ ዘይትፈልጦ ቓላት ኣመልክተሉ። ድሕሪኡ ኣብ መዝገበ-ቓላት ርኣዮ: ኣናብባኡን ትርጕሙን ኣጽንዓዮ: ንገለ ኻብዚ ቓላት እዚ ድማ ኣብ መዓልታዊ ዘረባኻ ተጠቐመሉ። መዝገበ-ቓላት እንተ ዘይብልካ ግን ንቛንቋኻ ጽቡቕ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ኪሕግዘካ ሕተት።
ኣዘውቲርካ ዓው ኢልካ ናይ ምንባብ ልማድ ምግባር እውን ንኸተመሓይሽ ኪሕግዘካ እዩ። ነቲ ዜሸግረካ ቓላት ኣስተብህለሉ እሞ ደጋጊምካ ዓው ኢልካ ኣንብቦ።
ሰጋእ ከይበልካ ንምንባብ: ኣብ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ዘሎ ቓላት ብኸመይ ከም ዚጥርነፍ ምፍላጥ የድሊ። እቲ ጸሓፊ ዝገለጾ ሓሳባት ኪመሓላለፍ እንተ ደኣ ተደልዩ: ቃላት ጠርኒፍካ ኺንበብ ኣለዎ። ነቲ ተጠርኒፉ ኺንበብ ዘለዎ ቓላት ኣስተብህለሉ። ምልክት ምግባር እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ዕላማኻ ቓላት ቅኑዕ ጌርካ ንምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ሓሳባት ኣነጺርካ ንምምሕልላፍ እውን እዩ። ንሓደ ምሉእ ሓሳባት ምስ መርመርካዮ: በብሓደ ኸምኡ እናገበርካ ንብምሉኡ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኣጽንዓዮ። እቲ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ኣብ ኣእምሮኻ ሓዞ። ድሕርዚ ዓው ኢልካ ብምንባብ ተለማመድ። ከይተዓንቀፍካን ኣብ ዘይግቡእ ቦታታት ከየዕረፍካን ምንባብ ክሳዕ እትኽእል ነቲ ሕጡብ ጽሑፍ ደጋጊምካ ኣንብቦ። ድሕሪኡ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕጡብ ጽሑፋት ሕለፍ።
ቀጺልካ ፍጥነትካ ወስኽ። ኣብ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ዘሎ ቓላት ብኸመይ ከም ዚጥርነፍ እንተ ደኣ ተረዲኡካ: ብሓንሳእ ካብ ሓደ ቓል ንላዕሊ ኽትርኢ: ስዒቡ ዚመጽእ ቃል እንታይ ምዃኑ እውን ክትግምት ክትክእል ኢኻ። እዚ ንባብካ ጽቡቕ ንኪኸውን ኣበርክቶ ዚገብር እዩ።
ካልእ ጠቓሚ መለማመዲ ኪኸውን ዚኽእል ከኣ ኣቐዲምካ ኸይተዳለኻ ኣዘውቲርካ ዚግበር ናይ ንባብ ልምምድ እዩ። ንኣብነት: ዕለት ጥቕስን ሓሳባቱን ኣቐዲምካ ኸይተዳለኻ ዓው ኢልካ ኣንብብ። ነዚ ኣዘውቲርካ ግበሮ። ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ቓል ጥራይ እትርኢ: ምሉእ ሓሳባት ዜመሓላልፍ ቃላት ብጕጅለ ንምርኣይ ተለማመድ።
ምስ ሰብ ክትዘራረብ ከለኻ ሰጋእ ከይበልካ ንኽትዛረብ: ቅድሚ ምዝራብካ ኽትሓስብ የድልየካ። ነዚ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈትካ ልምዲ ግበሮ። እንታይ ሓሳባት ከተመሓላልፍ ከም ዝደለኻን በየናይ መስርዕ ከም እትገልጾን ኣቐዲምካ ወስን እሞ ድሕሪኡ ኽትዛረብ ጀምር። ኣይትተሃወኽ። ሓደ ሓሳብ ኣብ መንጎ ኸይኰለፍካ ወይ ኣርእስቲ ኸይቀየርካ: ጥርኑፍ ሓሳባት ንምሃብ ጽዓር። ሓጺርን ቅልል ዝበለን ምሉእ ሓሳባት ምዝውታር ጠቓሚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ።
እንታይ ክንብል ከም እንደሊ ብልክዕ ንፈልጥ እንተ ደኣ ዄንና: ቃላት ባዕሉ እዩ ዚመጽእ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ: ነቲ እትጥቀመሉ ቓላት ምምራጽ ኣድላዪ ኣይኰነን። ኣብ ልምምድካ እቲ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ ንጹር ምዃኑ ምስ ኣረጋገጽካ: ድሕሪኡ እናተዛረብካ ብዛዕባ እቲ ቓላት ክትሓስብ ዝሓሸ እዩ። ከምዚ እንተ ደኣ ጌርካ: ንኣእምሮኻ ድማ ኣብቲ እትብሎ ቓላት ዘይኰነስ ኣብቲ ሓሳባት ከም ዜተኵር እንተ ደኣ ጌርካዮ: እቲ ቓላት ባዕሉ ኺወጽእ እዩ: ሓሳባትካ እውን ከምቲ ዝደለኻዮ ጌርካ ኽትገልጾ ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ሓሳባት ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ቓላት ክትሓስብ እንተ ደኣ ጀሚርካ ግን: ኣብ ዘረባኻ ሰጋእ መጋእ ክትብል ኢኻ። ብዙሕ ልምምድ እንተ ደኣ ጌርካ: ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ ክትክእል ኢኻ። ዘረባኻን ንባብካን ውጽኢታዊ ንኪኸውን እዚ ባህርይ እዚ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።
ሙሴ ብየሆዋ ተወኪሉ ኣብ ክንዲ ህዝቢ እስራኤል ኰይኑ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ግብጺ ኪቐርብ ምስ ተመደበ: ብቑዕ ከም ዘይኰነ ዀይኑ ተሰምዖ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰጋእ ከይበለ ኺዛረብ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ምናልባት እውን ወታእታእ ከም ዚብል ዚገብሮ ናይ ምዝራብ ጸገም ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 4:10፣ 6:12) ሙሴ ብዙሕ ምኽንያት እኳ እንተ ኣቕረበ: እቲ ዘቕረቦ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ከም ኣፈኛ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግሎ የሆዋ ንኣሮን ለኣኸሉ: ይኹን እምበር: ኣሮን ንሙሴ ንኺዛረብ እውን ሓጊዝዎ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ሙሴ ንውልቀ-ሰባትን ንሒደት ጕጅለን ጥራይ ዘይኰነስ ንምሉእ ህዝቢ እውን ብተደጋጋምን ብውጽኢታዊ መገድን ተዛሪቡ እዩ። (ዘዳ. 1:1-3፣ 5:1፣ 29:2፣ 31:1, 2, 30፣ 33:1) ንስኻውን ኣብ የሆዋ ብምውካል ሰጋእ ከይበልካ ንምዝራብ ብዝከኣለካ መጠን እንተ ደኣ ጽዒርካ: ዘረባኻ ንኽብሪ የሆዋ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።