ነቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዚወሃብ ናይ ተመሃራይ ክፍሊ ምድላው
ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ብእተዋህበካ መጠን: ንኽትመሓየሽ ኣጋጣሚ ኢኻ እትረክብ። ኣበርቲዕካ ጽዓር: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ድማ ንዓኻን ንኻልኦትን ኪግለጽ እዩ። (1 ጢሞ. 4:15) እቲ ቤት ትምህርቲ ንኽእለታትካ ብዝያዳ ንኸተማዕብል ኪሕግዘካ እዩ።
ኣብ ቅድሚ ጉባኤ መደረ ምቕራብ የፍርሃካ ድዩ፧ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኻብ እትምዝገብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዋላ እኳ እንተ ኣሕለፍካ: እዚ ንቡር እዩ። ነዚ ጭንቀትካ ኼፍኵሰልካ ዚኽእል ነገራት ግን ኣሎ። ኣብ ቤት ዓው ኢልካ ናይ ምንባብ ልማድ ኣማዕብል። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብተደጋጋሚ ሓሳባት ሃብ: ኣስፋሒ እንተ ዄንካ ኸኣ ኣዘውቲርካ ኣብ ኣገልግሎት ተሳተፍ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ንኽትዛረብ ተመክሮ ይዀነካ። ብተወሳኺውን: ነቲ ኽፍልኻ ኣቐዲምካ ተዳለወሉ: ዓው ኢልካ ድማ ተለማመዶ። ኣብ ቅድሚ ምቕሉላት ሰማዕቲ ኸም እተቕርቦ ኣይትረስዕ። ክፍልኻ ቕድሚ ምቕራብካ ናብ የሆዋ ጸሊ። ንሱ ነቶም ዚሓትዎ ኣገልገልቱ ተሓጒሱ መንፈስ ቅዱስ ይህብ እዩ።—ሉቃ. 11:13፣ ፊል. 4:6, 7
ብዛዕባ ርእስኻ ኣብ ዘሎካ ትጽቢት ትሕትና ኣንጸባርቕ። ከም ተዛራባይ መጠን ተመክሮ ንኸተጠርን ንፉዕ መምህር ንኽትከውንን ግዜ ይሓትት እዩ። (ሚክ. 6:8) ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ሓድሽ እተመዝገብካ እንተ ዄንካ: ብኡንብኡ ብሉጽ ክፍሊ ኸተቕርብ ትጽቢት ኣይትግበር። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ናይ ዘረባ ምኽሪ ዚወሃበሉ ነጥብታት በብሓደ ዕየየሉ። ነቲ ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣጽንዓዮ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ነቲ ኣብኡ ቐሪቡ ዘሎ መላመዲታት ዕየየሉ። እዚ ኸኣ ነቲ ኽፍሊ ኣብ ጉባኤ ቕድሚ ምቕራብካ: ምስቲ ምኽሪ ዚወሃበሉ ነጥቢ ኣብ ዚተሓሓዝ መዳያት ተመክሮ ንኽትረክብ ኬኽእለካ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ምምሕያሽ ትገብር።
ንናይ ንባብ ክፍሊ ብኸመይ ከም እትዳሎ
ንህዝባዊ ንባብ ምድላው ኪበሃል ከሎ: ነቲ ኣብቲ እተመደበልካ ጽሑፍ ዚርከብ ቃላት ምድሃይ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። እቲ ጽሑፍ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽትርዳእ ጽዓር። እቲ ኽፍሊ ምስ ተዋህበካ: ቀልጢፍካ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ ኣንብቦ። ነቲ ሓሳባት ብትኽክልን ብግቡእ ስምዒትን ምእንቲ ኸተመሓላልፎ: ነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሓሳብ ሒዝዎ ዘሎ ነጥቢ ኸምኡውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ሓሳባት ክትርድኦ ጽዓር። ዘይትፈልጦ ቓላት እንተ ረኺብካ: ቅኑዕ ኣደማምጻኡ ንምፍላጥ ነቶም ነቲ ቛንቋ ዚመልክዎ ሕተቶም። ነቲ ጽሑፍ ኣጸቢቕካ ፍለጦ። ወለዲ ንደቆም ከምዚ ንኺገብሩ ኺሕግዝዎም የድሊ ይኸውን።
እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ እተወሰነ ሕጡብ ጽሑፍ ከተንብብ ተመዲብካዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት ንሓደ ንፉዕ ኣንባቢ ዓው ኢሉ ንኼንብበልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ: ሽዑ ድማ ንኣደማምጻ: ሓረጋት ንዚጥርነፈሉ ኣገባብ: ንዚጐልሕ ነጥብታት: ከምኡውን ንምልውዋጥ ድምጺ ኸተስተብህለሉ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ነዚ ኣብ ንባብካ ኽትጥቀመሉ ፈትን።
ነቲ ኽፍልኻ ኽትለማመዶ ኽትጅምር ከለኻ: ነቲ እተመደበልካ ባህርይ ዘረባ ዚገልጽ ክፋል ተጠንቂቕካ ኣጽንዓዮ። እንተ ኽኢልካ: ንንባብካ ደጋጊምካ ምስ ተለማመድካ: ከም ብሓድሽ ርኣዮ። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ምኽሪ ብምሉኡ ኽትዓየሉ ፈትን።
እዚ ስልጠና እዚ ኣብ ኣገልግሎትካ ኺጠቕመካ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ክትጽመድ ከለኻ: ንኻልኦት ንኸተንብብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኪኽፈተልካ እዩ። ቃል ኣምላኽ ህይወት ሰባት ናይ ምቕያር ሓይሊ ስለ ዘለዎ: ብዚግባእ ከተንብቦ ኣሎካ። (እብ. 4:12) ንዅሉ እቲ ጽቡቕ ንባብ ዜጠቓልሎ መዳያት ብሓንሳእ ክትመልኮ ኣይትጸበ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓደ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክሮ ዘለዎ ክርስትያን ሽማግለ “ናብ ምንባብ . . . ኣቕልብ” ኢሉ እዩ ምዒድዎ።—1 ጢሞ. 4:13
ነቲ እተዋህበካ ርእሰ ነገርን መልክዕ ኣቀራርባን ምድላው
መልክዕ ኣቀራርባ ኺግበረሉ ዘለዎ ኽፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንተ ተዋሂቡካ: ብኸመይ ኢኻ ኽትዳሎ ዘሎካ፧
ሰለስተ ኣገዳሲ ነገራት ኪሕሰበሉ ኣለዎ:- (1) እቲ እተመደበልካ ርእሰ ነገር: (2) ናትካ ዀነ ናይቲ እተዘራርቦ ሰብ መልክዕ ኣቀራርባ: (3) እቲ ኽትዓየሉ እተመደበልካ ምኽሪ ዚወሃበሉ ነጥቢ።
ምስቲ እተመደበልካ ርእሰ ነገር ዚተሓሓዝ ሓበሬታ ኽትእክብ ኣሎካ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ሓበሬታ ቕድሚ ምእካብካ: ብዛዕባ እቲ መልክዕ ኣቀራርባኻን ብዛዕባ እቲ እተዘራርቦ ሰብን ሕሰብ። ከመይሲ: እዚ ረቛሒታት እዚ ኣብቲ እትሽፍኖ ሓሳባትን እተቕርበሉ መገድን ጽልዋ ኣለዎ። እንታይ መልክዕ ኣቀራርባ ኢኻ ኽትጥቀም፧ ንሓደ እትፈልጦ ሰብ ብስራት ብኸመይ ከም እትነግር ዲኻ ብመርኣያ ኸተቕርቦ: ወይስ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ረኸብካዮ: እንታይ ከም ዜጋጥም ኢኻ ኸተርኢ፧ እቲ ሰብ እቲ ብዕድመ ኻባኻ ዚዓቢ ድዩ ዚንእስ፧ ብዛዕባ እቲ ኽትዘራረበሉ ዝመደብካ ርእሰ ነገር እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎ፧ ብዛዕባ እቲ ነገር ክንደይ ዚኣክል እዩ ዚፈልጥ፧ በቲ ምይይጥካ እንታይ ዕላማ ኢኻ ኽትወቅዕ እትደሊ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ነቲ እትገብሮ ምድላው ጽቡቕ መምርሒ ኪዀነካ እዩ።
ብዛዕባ እቲ ንኸተቕርቦ እተመደበልካ ርእሰ ነገር ዚኸውን ጽሑፍ ኣበይ ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧ ካብ ገጽ 33 ክሳዕ 38 እዛ መጽሓፍ እዚኣ: “ምርምር ብኸመይ ተካይድ፧” ዘርእስቱ ኽፋል ኣሎ። ኣንብቦ: ድሕሪኡ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ንምርምር ዚሕግዝ ንዋት ተጠቐመሉ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳይ: ቀልጢፍካ ኻብቲ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ዚበዝሕ ሓሳባት ትረክብ ኢኻ። ነቲ ዘሎ ኣማራጺታት ምእንቲ ኽትፈልጦ: ብዙሕ ግዜ ኣንብቦ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ግን: ንመልክዕ ኣቀራርባኻን ነቲ እተዘራርቦ ሰብን ኣብ ኣእምሮኻ ሓዝ። ንኽትጥቀመሉ ምሹእ ዝዀነ ነጥብታት መዝግብ።
ነቲ እተቕርቦ ነጥብታት ቅድሚ ምውዳብካን ዝርዝር ነጥብታት መሪጽካ ቕድሚ ምዝዛምካን: ብዛዕባ እቲ እተመደበልካ ምኽሪ ዚወሃበሉ ነጥቢ ኣንብብ። ሓደ ኻብቲ ኽፍሊ ዚወሃበካ ቐንዲ ምኽንያታት እውን: ነቲ ምኽሪ ንኽትዓየሉ ተባሂሉ እዩ።
ነቲ እተዋህበካ ኽፍሊ ኣብቲ እተመደበልካ ግዜ ምስ እትሽፍኖ: ግቡእ መደምደምታ ኽትገብር ስለ እትኽእል ክትሕጐስ ኢኻ። እንተ ዘይኰይኑ ግን: እቲ እተመደበልካ ግዜ እንተ ኣብቂዑ ምልክት ኪግበር እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ግን: ግዜ ወትሩ ረቛሒ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ: ክትዳሎ ኸለኻ: ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዘሎካ ኣብ ግምት ኣእቱ። ዝያዳ ኺትኰረሉ ዘለዎ ግን ጽቡቕ ኣመሃህራ ምዃኑ ኣይትረስዕ።
ብዛዕባ መልክዕ ኣቀራርባ ዚገልጽ ሓሳባት። ነቲ ኣብ ገጽ 82 ዚርከብ ሓሳባት ድሕሪ ምምርማር: ኣብ ኣገልግሎትካ ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል ሓደ መልክዕ ኣቀራርባ ምረጽ: እዚ ኸኣ ነቲ እተመደበልካ ኽፍሊ ብኽውንነታዊ መገዲ ንኸተቕርቦ ኺሕግዘካ እዩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንእተወሰነ እዋን እንተ ጸኒሕካ: ንኣገልግሎትካ ተወሳኺ ኽእለታት ንምምዕባል ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍት ጌርካ ርኣዮ።
እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት መልክዕ ኣቀራርባ እንተ መዲቡልካ: ነቲ በዳሂ ዅነታት ተቐበሎ። መብዛሕትኡ ኣቀራርባ ንምስክርነት ዜጠቓልል እዩ። ኣብቲ ተገሊጹ ዘሎ ዝኣመሰለ ዅነታት መስኪርካ ዘይትፈልጥ እንተ ደኣ ዄንካ: ምስቶም ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ምስክርነት እተሳተፉ ኣስፋሕቲ ብምዝራብ ሓሳብ ክትረክብ ፈትን። እንተ ተኻኢሉ: ምስቲ እተመደበልካ መልክዕ ኣቀራርባ ኣብ ዚመሳሰል ናይ ሓቂ ዅነታት ንኽትሳተፍ ጽዓር። እዚ ኸኣ ነቲ ስልጠና እትረኽበሉ ኣገዳሲ ዕላማ ንኽትወቅዕ ኪሕግዘካ እዩ።
ክፍሊ ብመልክዕ መደረ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን
ወዲ ተባዕታይ እንተ ዄንካ: ነታ ጉባኤ ሓጺር መደረ ኸተቕርብ ትምደብ ትኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ መደረታት ክትዳሎ ኸለኻ: እቲ ኽትሓስበሉ ዚግባእ ኣገዳሲ ነጥብታት ምስቲ ብመልክዕ መርኣያ ኣብ ዚቐርብ ክፍልታት ኪሕሰበሉ ዘለዎ ነጥብታት ዚመሳሰል እዩ። እቲ ቐንዲ ፍልልዩ: ሰማዕትን ኣቀራርባኡን እዩ።
ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ: ኵሎም እቶም ሰማዕቲ ኺጥቀሙሉ ብዚኽእሉ መገዲ ኽትዳሎ እዩ ዚግባእ። መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብኡ ዚርከቡ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፈልጡ እዮም። ነቲ ኽትዛረበሉ እተዋህበካ ፍረ ነገር ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ይዀኑ። ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ዚፈልጥዎ ነገራት ኣብ ግምት ኣእቱ። በቲ ኣቀራርባኻ ኣቢልካ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኽትጠቕሞም ጽዓር። ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘እዚ ዝዛረበሉ ርእሰ ነገር ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዝነበረኒ ምርዳእ ኰነ ነቲ ሰማዕተይ ዝነበሮም ምርዳእ ብዝያዳ ንምዕማቝ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧ ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ንኸነስተውዕል ዚሕግዘና እንታይ ኣሎ፧ እዚ ኽፍሊ እዚ ኣብዛ ብስጋዊ ትምኒታት እተዓብለለት ዓለም ቅኑዕ ውሳነታት ንኽንገብር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧’ (ኤፌ. 2:3) ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ዜዕግብ መልሲ ንምርካብ ምርምር የድሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ከለኻ: ጥቕሲ ኻብ ምንባብ ንላዕሊ ኽትገብር ጽዓር። ነቲ እትጥቀመሉ ጥቕሲ ግለጾ: እዚ ናብ መደምደምታ ንምብጻሕ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ድማ ኣርኢ። (ግብ. 17:2, 3) ብዙሕ ሓሳባት ክትሽፍን ኣይትፈትን። ነቲ ኽፍልኻ ንምዝካሩ ቐሊል ብዝዀነ መገዲ ኣቕርቦ።
ምድላው ኪበሃል ከሎ: ኣብ ኣቀራርባኻ ኣትኵሮ ምግባር እውን ዜጠቓልል እዩ። ነዚ ኣቕሊልካ ኣይትርኣዮ። ንመደረኻ ዓው ኢልካ ተለማመዶ። ንእተፈላለየ ባህርያት ዘረባ ብዚምልከት ዚወሃብ ምኽሪ ንምጽናዕን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን እትገብሮ ጻዕሪ: ንዕቤትካ ኣበርክቶ ኺገብር እዩ። ሓድሽ ተዛራባይ ወይ ተመክሮ ዘሎካ ኹን ብዘየገድስ: ነቲ ኽፍልኻ ኸም እትኣምነሉ ብዜንጸባርቕ ስምዒት ንምዝራብ ብዚግባእ ተዳሎ። ንነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዚወሃብ ክፍሊ ኸተቕርብ ከለኻ: ዕላማኻ በቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ናይ ምዝራብ ክእለት ጌርካ ንየሆዋ ምኽባር ምዃኑ ኣይትረስዕ።—መዝ. 150:6