ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ዘዕጥቐና ቤት ትምህርቲ
1 ሰባት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝኣትዉ: ኣብ ህይወቶም ዘውጽእዎ ሸቶታት ንኽወቕዑ ምእንቲ ኽሕግዞም ኢሎም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ነቲ ወሃብ ህይወትና ካብ ምውዳስን ዕላማታቱን መገድታቱን ንኻልኦት ካብ ምምሃርን ዝዓቢ ነገር ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ዕላማ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እምነትና ንኻልኦት ንኽንምህር ምእንቲ ኸዳልወና ኢዩ። ስለዚ: ኣብ ሰሰሙን ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብእተረኸብና መጠን: ነቲ ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ዘድልየና ኽእለት ኢና እነጥሪ።
2 “ናይ 2003 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ” ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝወጸት ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ይርከብ ኢዩ። ኣብቲ መደብ ድማ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብኸመይ ከም ዝካየድ ዝገልጽ ሓሳባት ኣሎ። ነቲ መደብ ኣብታ ኣብ ሰሰሙን ናብቲ ቤት ትምህርቲ እትማልኣ በነፊት ፍሮም ቲኦክራቲክ ሚኒስትሪ ስኩል ኤጁኬሽን ዘርእስታ መጽሓፍካ (ብእንግሊዝኛን ኣምሓርኛን ተዳልያ ኣላ) ምቕማጡ ጠቓሚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ 2003 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝህሉ ዓይነት ክፍልታት እስከ ንርአ።
3 ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ካብ ጥሪ ኣትሒዙ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ሓሙሽተ ደቒቕ ዝወስድ ብዛዕባ ናይ ዝርርብ ነጥቢ ወይ ብዛዕባ ንባብ: መጽናዕቲ: ወይ ኣመሃህራ ብዝቐርብ ክፍሊ ኢዩ ኽጅመር። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነዚ ናይ መጀመርታ ኽፍሊ የቕርቦ: ወይ ካልእ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ንኸቕርቦ ይምድብ። እቲ ተዛራባይ ብዛዕባ እቲ ናይ ዝርርብ ነጥቢ ዘለዎ ትርጕምን ኣገዳስነትን ክገልጽ ይኽእል ኢዩ። ድሕሪኡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ብምሃብን ነቲ ናይ ዝርርብ ነጥቢ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኣብነት ብምርኣይን ነቲ ነጥቢ የስፍሖ። ከምኡ ምግባርና ኸኣ ብፍላይ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብኸመይ ከነመሓይሽ ከም ዘኽእለና የተኵረሉ።
4 ክፍሊ ቍ. 1:- እቶም ነዚ ሃናጺ ዝርርብ ከቕርቡ እተመደቡ ኣሕዋት ዕላምኦም “ኣብ ግብራዊ ኣወዓዕላ ናይቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ሓበሬታ ንምትኳር” ከም ዝዀነ ደጊምና ኽንላበዎም ንፈቱ። እዚ ኸኣ ነቶም ተኣከብቲ ኻብቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝጥቀሙ ኸረድእዎም ኣለዎም ማለት ኢዩ። እዚ ኽፍሊ እዚ እንተ ተዋሂቡካ: ብኸመይ ከም እትዳሎ ሓሳባት ንምርካብ ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መምሃሪ መጽሓፍ ገጽ 48-9 ተወከስ: ነቲ ኣብ መወዳእታ ናይታ መጽሓፍ ኣብ ዘሎ መሐበሪ: ኣብ ትሕቲ “ግብራዊ ኣወዓዕላ” ዝብል ተጠቒሱ ዘሎ ገጻት እውን ብግቡእ ኣንብቦ።
5 መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትስዕብ ዘይከኣልካ እንተ ኔርካ: ሎም ዘበን ነዚ መደብ እዚ ዓመት ምሉእ ንምስዓብ ንምንታይ ቈራጽነት ዘይትገብር፧ እቶም ከምዚ ዝገብሩ ኣብ ውሽጢ ዓመት ንናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምሉኡ ኸንብብዎ ኢዮም። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጅማር ዘለዎ ረብሓታት ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 10: ሕጡብ ጽሑፍ 4 ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።
6 ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ሓሳባት:- እቶም ሰማዕቲ ኣብቲ እተመደበ ንባብ ሓሳብ ምእንቲ ኽህቡ: እዚ ኽፍሊ እዚ ናብ ዓሰርተ ደቒቕ ተናዊሑ ኣሎ። እቶም ነዚ ኽፍሊ እዚ እተዋህቦም ግዜኦም ክሕልዉ ኣለዎም። እዚ ኽፍሊ እዚ ኣብቲ ናይ ቃል ድግማ ዝግበረሉ ሰሙን እውን ከይተረፈ ዅሉ ሳዕ ክቐርብ ኢዩ። ነቲ እተመደበ ምዕራፋት ከተንብብ ከሎኻ: ኣብ ስድራቤትካ: ኣብ ኣገልግሎት: ከምኡውን ኣብ ኣነባብራኻ ዝጠቕመካ ነጥብታት ኣናዲ። የሆዋ ምስ ውልቀ-ሰባት ኰነ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ነየኖት ባህርያት ኢዩ ኣንጸባሪቑ፧ እምነትካ ዘደልድለልካን ንየሆዋ ዘሎካ ሞሳ ዘዛይዶን እንታይ ተማሂርካ፧ ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይቲ ኽንበብ እተመደበ ምዕራፋት ሓሳብ ንምሃብ ኣይትሰከፍ። እቲ ኽፍሊ ቍ. 2 ኸንብብ እተመደበ ሓው ሓሳብ ስለ ዘይህበሉ: ዋላ ኣብቲ ንሱ ዘንብቦ ኽፋል እውን ሓሳብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።
7 ክፍሊ ቍ. 2:- እዚ ንተማሃራይ ዝወሃብ ቀዳማይ ክፍሊ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዝግበር ናይ ንባብ ልምምድ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ እንተ ዘይኰይኑ: ኵሉ ሳዕ ካብቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ኢዩ ክኸውን። ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ግን ካብ ግምቢ ዘብዐኛ እተወስደ ኢዩ ክኸውን። እቲ ተማሃራይ መእተዊ ዀነ መደምደምታ ኸይገበረ ነቲ እተመደበሉ ንባብ ከንብብ ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ ምንባብ ክእለቱ ኸተኵር ይኽእል።—1 ጢሞ. 4:13
8 ክፍሊ ቍ. 3ን ቍ. 4ን:- ገለ ኻብዚ ኽፍልታት እዚ: ካብ መጽሓፍ ሪዚኒን (እንግሊዝኛ) እተወስደ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ: ኣብ ገሊኡ ግን ኣርእስቲ ጥራይ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ። ኣብቲ ተዋሂቡ ዘሎ ምንጪ ጽሑፍ እኹል ዘይኰነሉ ወይ ፈጺሙ ምንጪ ጽሑፍ ዘይተጠቕሰሉ ኽፍልታት: ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትና ምርምር ብምግባር ንኸነስፍሖ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣሓት ነቲ ዝህባኦ ሓሳባት ንሓገዝተን ብዝሰማማዕ መገዲ ንኽገብራኦ ይሕግዘን ኢዩ።
9 ኣቀራርባታት:- ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 45 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣቀራርባ ኽምድብ ይኽእል ኢዩ። ኣቀራርባ እንተ ዘይመዲቡ ግን: ኣሓት ካብቲ ኣብ ገጽ 82 ዝርከብ ዝርዝር ክመርጻ ይኽእላ ኢየን። ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ወርሒ ሓንቲ ኽፍሊ እንተ ኣቕሪባ: እቲ 30 ኣቀራርባታት ንሓሙሽተ ዓመት የገልግላ ማለት ኢዩ። እተን “ነቲ ኸባቢ ዝጥዕም ካልእ ኣቀራርባ” ዝብል መበል 30 ኣቀራርባ ኽገብራ ዝመርጻ ኣሓት: ነቲ ኣቀራርባ ኣብ ታሕቲ ወይ ኣብቲ ዳሕረዋይ ገጽ ናይቲ ኽፍሊ መውሃቢ ወረቐት (S-89) ክጽሕፋኦ ኣለወን። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ: እታ ተማሃሪት ክፍሊ ዘቕረበትሉ ዕለት ኣብ ገጽ 82: ኣብ ጥቓ እቲ እተጠቕመትሉ ኣቀራርባ ኽጽሕፎ ኣለዎ። ኣብቲ ምኽሪ መውሃቢ ቕጥዒ ምልክት ኣብ ዘስፍረሉ እዋን ከምዚ ኽገብር ይኽእል ኢዩ።
10 ምኽሪ መውሃቢ ቕጥዒ:- ምኽሪ መውሃቢ ቕጥዕኻ ኣብቲ መጽሓፍካ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ገጽ 79-81 ናይቲ መጽሓፍ ድማ ይርከብ። ስለዚ: ወትሩ ኽፍሊ ምስ ኣቕረብካ መጽሓፍካ ንናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኽትህቦ ኣሎካ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነቲ እቶም ተማሃሮ ዝዓዩሉ ናይ ዝርርብ ነጥብታት ክምዝግቦ ኣለዎ።
11 ናይ ቃል ድግማ:- ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ ብቓል ኢዩ ኽግበር። ኣብ ከክልተ ወርሒ ሓንሳእ ን30 ደቒቕ ክግበር ኢዩ። እቲ ዝሕተት ሕቶታት ከም ቀደሙ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ክወጽእ ኢዩ። ኣብታ ናይ ቃል ጽሑፍ ክግበረላ እተመደበት ሰሙን ናይ ወረዳ ኣኼባ ወይ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ እንተ ሃልዩኩም: ነቲ ናይ ቃል ድግማ ምስቲ ኣብ ናይ እትቕጽል ሰሙን ዝወሃብ ናይ ተማሃሮ ክፍልታት ኣቀያይርዎ።
12 ኣብ ካልእ ኣደራሻት ዝቐርብ ኽፍልታት:- ኣብተን ካብ 50 ዝዛይዱ ተማሃሮ ዘለዉወን ጉባኤታት: እቶም ሽማግለታት ኣብ ካልእ ኣደራሻት እውን ክፍልታት ንኽቐርብ ክውስኑ ይኽእሉ ኢዮም። “እዚ ምድላው እዚ ንዅሉ እቲ ናይ ተማሃሮ ኽፍልታት ወይ ነተን ናይ መወዳእታ ኽልተ ኽፍልታት ጥራይ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” (ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 285) ኣብተን ብዙሓት ኣሓት ግን ከኣ ብንባብ ዝቐርብ ክፍልታት ዘቕርቡ ሒደት ኣሕዋት ዘለዉወን ጉባኤታት: እተን ናይ መወዳእታ ኽልተ ኽፍልታት ጥራይ ኣብ ካልእ ኣደራሽ ከም ዝቐርባ ኽግበር ይከኣል ኢዩ። እቶም ሽማግለታት ነዚ ኽፍልታት እዚ ዝመርሑ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ክመርጹ ኣለዎም።
13 ሓጋዚ መኻሪ:- ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ኣካል ሽማግለታት ነቶም ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ሓሳባትን ሃናጺ ዝርርብን ዘቕርቡ ሽማግለታት ኰነ ኣገልገልቲ ጉባኤ ብብሕቲ ዝመክር ሓደ ሓጋዚ መኻሪ ኽምድቡ ኣለዎም። እቲ ነዚ ኽገብር ዝምደብ ሓው ተመክሮ ዘለዎን ዝህቦ ምኽሪ ብኻልኦት ኣኽቢርካ ዝርአን ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዝህቦ ምኽሪ ሃናጺ ማለት ነቲ ኣወንታዊ መዳይ ብምንኣድ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ምምሕያሽ ክግበር ዝሕብር ክኸውን ኣለዎ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ዝርርብ ምኽሪ ምሃብ ኣየድልን ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ሓጋዚ መኻሪ መስተውዓሊ ክኸውንን እቶም ህዝባዊ ዝርርብ ዘቕርቡ ኣሕዋት እውን ከይተረፉ ምምሕያሽ ንኽገብሩ ሓገዝ ክወሃቦም ከም ዝኽእል ክርዳእን ኣለዎ።—1 ጢሞ. 4:15
14 እቶም ምኽሪ ዝህቡ ዝከታተልዎ ነጥብታት:- ሓደ ምኽሪ ዝህብ ሓው ኣብ ምንታይ ነጥብታት ኢዩ ኸተኵር ዘለዎ፧ ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መጽሓፍ ዝርከብ ቍጽሪ እተዋህቦ 53 ምዕራፋት መብዛሕትኡ ኣብ ሳልሰይቲ ሳጹን እንታይ ነጥብታት ክከታተሉ ኸም ዝግባእ ዝሕብር ኢዩ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብታ መጽሓፍ ዝርከብ ብዛዕባ ጽቡቕ ኣቀራርባ ሓደ ኽፍሊ ዝሕብር ካልእ መዘኻኸሪታት ወይ ሓሳባት እውን ከስተውዕለሉ ኣለዎ። ንኣብነት: ኣብ ገጽ 55 ኣብ ላዕሊ ቐሪቡ ዘሎ ሕቶታት ከምኡውን ኣብ ገጽ 163 ኣብ ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳባት እሞ ርአ።
15 ነቲ ባዶ ቦታታት ምልኣዮ:- በታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መጽሓፍ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽትገብር ከሎኻ ዀነ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኽትካፈል ከሎኻ ሓጺር መዘኻኸሪ ንምጽሓፍ እተዳለወ ገፊሕ ሕዳጋትን ባዶ ቦታታትን ኣሎ። (ገጽ 77, 92, 165, 243, 246, 250 ርአ።) ኣብ ሰሰሙን መጽሓፍካ ምምላእ ኣይትረስዕ። ናይ መኽፈቲ ዝርርብ ክወሃብ ከሎ መጽሓፍካ ገንጺልካ ተኸታተል። ኣብቲ ዝተረፈ ኽፍልታት እውን መጽሓፍካ ኣይትዕጸፎ። ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝህቦ ሓሳባት ብኣቓልቦ ስማዕ። ነቲ ትምህርቲ ዝሕግዝ ሜላታት: ሕቶታት: ኣብነታት: ምምስሳላት: መብርሂታት: መርኣዪ ኣቝሑ: ከምኡውን ምንጽጻራት ኣተኵረሉ። ብኣቓልቦ ምስ እትከታተል ነቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እተሰርሓሉ ብሉጽ ነጥብታት ክትዝክሮን ክትጥቀመሉን ትኽእል ኢኻ።
16 የሱስ ክርስቶስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ: ሰብ ክረኽቦ ኻብ ዝኽእል እቲ ዝዓበየ መሰል ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ቀንዲ ዕዮኡ ኢዩ ነይሩ። (ማር. 1:38) ‘ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኽ ይግብኣኒ እዩ’ ድማ በለ። (ሉቃ. 4:43) ንሕናውን ክንስዕቦ ስለ ዝወሰንና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተጊህና ኢና እንሰብኽ: ‘መስዋእቲ ምስጋናና’ ንምምሕያሽ ድማ ወትሩ ንጽዕር ኢና። (እብ. 13:15) ነዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ ኣብቲ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ዘዕጥቐና ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ወትሩ ንምስታፍ ቈራጽነት ንግበር።