መደብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት 2015 ኣመሃህራና ኸነመሓይሽ ይሕግዘና
1 እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ከውሔይን መድሓንየይን፡ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን” በለ። (መዝ. 19:14) ንሕና እውን ነቲ ኣብ ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎትን ሓቂ ንኽንዛረብ እተዋህበና ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ብምርኣይ ቃላትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብሁግ ኪኸውን ንደሊ ኢና። ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፡ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ንኣገልግሎት ዜሰልጥነሉ መገድታት እዩ። እዚ ስልጠና እዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘለዋ ልዕሊ 111,000 ዚዀና ጉባኤታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ይካየድ እዩ። እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብዜእምን መገድን ብሜላን ብትብዓትን ዚምህሩ ብቑዓት ኣገልገልቲ እቲ ብስራት ንኪዀኑ ኣሰልጢንዎም እዩ።—ግብ. 19:8፣ ቈሎ. 4:6።
2 መደብ ቤት ትምህርቲ 2015፡ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ [w]፡ ካብቲ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዚርከብ “ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ” [td]፡ ከምኡ እውን ካብ ካልእ ሕታማትና እተወሰደ ርእሰ ነገራት ኬጠቓልል እዩ። ኣብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታትን ኣብ ክፍሊ ቝ. 1ን ንግዜ ብዚምልከት ምትዕርራይ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ነጥብታት እዚ ዀነ፡ እቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዚውሃብ ክፍልታት ብዛዕባ ዚቐርበሉ መገዲ ዚገልጽ መምርሒታት፡ ኣብዚ ዚስዕብ ሕጡብ ጽሑፋት ቀሪቡ ኣሎ።
3 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት፦ እቶም ነዚ ኽፍሊ እዚ ኬቕርቡ እተመደቡ ኣሕዋት፡ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ደቒቕ፡ ካብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ነጥቢ ጥራይ ዘተኰረ ኣገዳስን ግብራውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ኬቕርቡ እዮም። ኣብቲ እተመደበ ግዜ ንጉባኤ ዚጠቅም ሓሳብ ንምክፋል፡ ጽቡቕ ምድላው ይሓትት። ስለዚ፡ ኣባላት እታ ጉባኤ፡ ካብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ኣገዳሲ ነጥብታት፡ ከምቲ ልሙድ ነናይ 30 ኻልኢት ወይ ካብኡ ንታሕቲ ሓሳባት ዚህቡሉ ሽዱሽተ ደቒቕ ኪህልዎም እዩ። ኣብ ውሽጢ 30 ኻልኢት ትርጕም ዘለዎ ሓሳብ ንምክፋል፡ ምድላውን ርእሰ ግትኣትን ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምግባርና ጽቡቕ ስልጠና እዩ ዚዀነና። ንኻልኦት ከኣ፡ ካብቲ ብብሕቲ ዚገብርዎ ምርምር ሓሳብ ንኺህቡ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ።
4 ክፍሊ ቍ. 1፦ እቲ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚውሃብ ግዜ፡ ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ ደቒቕ ወሪዱ ኣሎ። እቲ ዚንበብ ክፋል እውን ሕጽር ዝበለ ኪኸውን እዩ። እቶም ንኼንብቡ ኽፍሊ ዚውሃቦም ተመሃሮ፡ ንሓሳባት እቲ ዜንብብዎ ኽፋል ብዚርዳእ መገዲ ምእንቲ ኼመሓላልፍዎ፡ ብግቡእ እናድመጹን ሰጋእ መጋእ ከይበሉን ዓው ኢሎም ብምንባብ ደጋጊሞም ኪለማመዱሉ ኣለዎም። ንባብ ኣብ ኣምልኾና ዓብዪ ግደ ስለ ዘለዎ፡ ኵሎም ህዝቢ የሆዋ ጽቡቕ ገይሮም ንኼንብቡ ኺጽዕሩ ኣለዎም። ኣብ መንጎና ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት ቈልዑ ጽቡቕ ገይሮም ዜንብቡ ብምዃኖም ኣዚና ኢና እንሕጐስ። ወለዲ እውን ንደቆም፡ ንፉዓት ኣንበብቲ ምእንቲ ኪዀኑ ብፍቕሪ ተደሪኾም ስለ ዚሕግዝዎም ኪነኣዱ ይግብኦም እዩ።
5 ክፍሊ ቍ. 2፦ እዚ ኽፍሊ እዚ ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ዚቐርብ ኰይኑ፡ ንሓንቲ ሓብቲ ዚውሃብ እዩ። እታ ሓብቲ፡ ነቲ እተዋህባ ኣርእስቲ ኽትጥቀመሉ ይግባእ። እቲ ኽፍሊ ኣብቲ “ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ” [td] ዘርእስቱ ኽፋል እተመስረተ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኽሊ ኺሰማማዕ ብዚኽእል ግብራዊ መገዲ ገይራ ኸተቕርቦ ኣለዋ። እቲ ኽፍሊ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ኣብ ካልእ ጽሑፋት እተመርኰሰ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ እታ ተመሃሪት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገጸ ባህርይ ከተጽንዖ፡ ካብ ኣብነቱ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ክትገልጽ፡ ምስቲ ርእሰ ነገር ዚኸይድ ጥቕስታት ከኣ ክትመርጽ ኣለዋ። ብተወሳኺ፡ ምስቲ ፍረ ነገር ዚተሓሓዝ ካልእ ጥቕስታት እውን ክትጥቀም ትኽእል እያ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ሓጋዚት ይምድበላ።
6 ክፍሊ ቍ. 3፦ እዚ ኽፍሊ እዚ ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ዚቐርብ ኰይኑ፡ ንሓደ ሓው ወይ ንሓንቲ ሓብቲ ዚውሃብ እዩ። እቲ ኽፍሊ ንሓንቲ ሓብቲ ምስ ዚውሃብ፡ በቲ ኣብ ክፍሊ ቝ. 2 ዘሎ መልክዕ ገይራ ኸተቕርቦ ኣለዋ። ንሓደ ሓው ምስ ዚውሃብ ድማ፡ ንሰማዕቱ ኣብ ግምት ብምእታው ከም መደረ ገይሩ ኬቕርቦ ኣለዎ። እቲ ተመሃራይ ነቲ እተመደበሉ ፍረ ነገር ጽቡቕ ገይሩ ኼማዕብሎ፡ ምስቲ ርእሰ ነገር ዚኸይድ ጥቕስታት ኪመርጽ፡ ካብ ኣብነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገጸ ባህርይ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ከኣ ኬብርህ ኣለዎ።
7 ክፍሊ ቍ. 3 ንኣሕዋት፦ እቲ ኽፍሊ ኣብቲ “ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ” [td] እተመርኰሰ ምስ ዚኸውን፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ከም ዘለኻ ጌርካ ብመርኣያ ኪቐርብ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቲ ተመሃራይ ሓጋዝን መልክዕ ኣቀራርባን ዚምድበሉ፡ እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ እዩ። እቲ ሓጋዚ፡ ኣባል ስድራ ቤት እቲ ተመሃራይ ወይ ከኣ ኣባል እታ ጉባኤ ዝዀነ ሓው ኪኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ምስቲ ፍረ ነገር ዚኸይድ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዜጕልሕ ካልእ ጥቕስታት ኣብቲ ኽፍሊ ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ኽፍሊ እዚ ንሽማግለ ኺውሃብ ይከኣል እዩ። እቲ ሽማግለ ሓጋዚ ዚዀኖ ሰብን ዚጥቀሙሉ ኣቀራርባን ባዕሉ ኺመርጽ ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ምስ ኣባል ስድራ ቤቶም ወይ ምስ ካልእ ሓው ኰይኖም ክእለት ኣመሃህራ ኼርእዩ ኸለዉ ኸኣ፡ እታ ጉባኤ ኸም እትተባባዕ ፍሉጥ እዩ።
8 ምኽሪ፦ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ክፍሊ ድሕሪ ምቕራቡ፡ እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ፡ ኣብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍ ተመርኲሱ፡ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ደቒቕ ኪንእዶን ሃናጺ ምኽሪ ኺህቦን እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ነቲ እቲ ተመሃራይ ዜቕርቦ ኽፍሊ ኼፋልጥ ከሎ፡ ንዚዓይየሉ ምኽሪ ንሰማዕቲ ኣይኪሕብሮምን እዩ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኸኣ፡ ልባዊ ናእዳ ኺህብ፡ ነቲ እቲ ተመሃራይ ዚዓይየሉ ዘሎ ምኽሪ ንሰማዕቲ ኺሕብሮም፡ ኣብቲ ምኽሪ ብኸመይ ብጽቡቕ ከም ዝዓየየ ኣነጺሩ ኺጠቅስ፡ ወይ ከኣ ነቲ ምኽሪ እቲ ስለምንታይ ፍሉይ ኣቓልቦ ኺገብረሉ ኸም ዘለዎ ብለውሃት ኪገልጽ ኣለዎ።
9 ናይ ተመሃራይ ምኽሪ መውሃቢ ፎርም፡ ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 79 ክሳዕ 81 ኪርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ተመሃራይ ክፍሉ ምስ ኣቕረበ ኸኣ፡ እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መጽሓፍ እቲ ተመሃራይ ዜድሊ ምልክታት ይገብር፣ ኣብቲ ዚምከረሉ ነጥቢ ዜድሊ ልምምድ እንተ ገይሩ ድማ ንበይኑ ገይሩ ይሓትቶ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ወይ ኣብ ካልእ ግዜ ነቲ ተመሃራይ ምኽርን ሓጋዚ ርእይቶታትን ኪውሃቦ ይከኣል እዩ። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚግበረሉ ብሕታዊ ቘላሕታ፡ ከም ሓደ መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብር ዚሕግዞ ኣጋጣሚ ጌርካ ኺርአ ኣለዎ።—1 ጢሞ. 4:15።
10 ሓደ ኽፍሊ ዜቕርብ ተመሃራይ ግዜ እንተ ደኣ ኣሕሊፉ፡ ብሓላው ቤት ትምህርቲ ወይ ብሓጋዚኡ ኸም ቃጭል ወይ ኳሕኳሕታ ዝኣመሰለ ምልክት ብምግባር፡ ብሜላ ኺሕበር ኣለዎ። እቲ ተመሃራይ ምልክት ምስ ተዋህቦ ነቲ ዝጀመሮ ምሉእ ሓሳባት ወዲኡ ኻብ መድረኽ ኪወርድ ኣለዎ።—ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 282፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ።
11 ነቲ ዚድለ ብቕዓት ንዜማልኡ ዘበሉ ዅሎም፡ ኣብ መደብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ኪምዝገቡ ነተባብዖም። (ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 282፡ ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ።) እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ንህዝቢ የሆዋ ብዜእምን መገድን ብኣኽብሮትን ብፍቕርን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩን ንኺምህሩን ኣኽኢልዎም እዩ። የሆዋ ብዅሎም እቶም ካብ ቲኦክራስያዊ ትምህርቲ ዚጥቀሙ ዘለዉ ሰባት ኪውደስ ከሎ ኸም ዚሕጐስ ፍሉጥ እዩ።—መዝ. 148:12, 13፣ ኢሳ. 50:4።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ምኽሪ ብምቕባልን ብምትግባርን ዕቤት ግበር