ንሓለውቲ ቤት ትምህርቲ ዚኸውን መምርሒታት
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ: ሓላው ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚኸውን ሽማግለ ይሽየም እዩ። ነዚ ሓላፍነት እዚ እንተ ተዋሂቡካ: ነቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎካ ውዕዉዕ ስምዒትን ኣብ ግስጋሰ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ዘሎካ ብሕታዊ ተገዳስነትን: ካብቲ ቤት ትምህርቲ ንኺጥቀሙ ዓብዪ ኣበርክቶ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።
ነቲ ሰሙናዊ ኣብ ጉባኤ ዚግበር ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ምምራሕ: ኣገዳሲ ኽፋል ዕዮኻ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቶም ክፍሊ እተዋህቦም ተመሃሮ: ካልኦት ተኣከብቲ እውን ከም ዘለዉ ኣይትረስዕ። ንዅሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ብዜነቓቕሕ ከምኡውን ብውሕዱ ምስ ሓደ ኻብቲ ኻብ ገጽ 5 ኽሳዕ 8 እዛ መምሃሪ መጽሓፍ ዘሎ ዕላማታት እተተሓሓዘ ግብራዊ መዘኻኸሪታት ኪረኽቡሉ ብዚኽእሉ መገዲ ነቲ ቤት ትምህርቲ ምርሓዮ።
እቶም ተመሃሮ ዜቕርብዎ ኽፍሊ ንባብ ይኹን: ብመርኣያ ዚቐርብ ይኹን: ወይ ብመደረ ዚወሃብ: ንዅሎም ተገደሰሎም። እቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ኸም ሓደ ኽፍሊ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ንኺመሓየሹ ዜኽእል ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኪርእይዎ ሓግዞም። ልክዕ እዩ: እቲ ንሳቶም ብብሕቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ: ንምምሕያሾም ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ኰይኑ ግን: ንስኻ ተገዳስነት ምርኣይካ: ኣገዳስነት እቲ ምኽሪ መውሃቢ ነጥቢ ንኺርድእዎ ምሕጋዝካ: ከምኡውን ነዚ ምኽሪ ብኸመይ ከም ዚዓዩሉ ምግላጽካ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ: ጠቓሚ ትዕዝብትታትካ ምእንቲ ኽትነግሮም: ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ተጠንቂቕካ ስማዕ።
ነቲ ትምህርቲ ኣብ ግዜኡ ኽትጅምሮን ክትውድኦን ኣሎካ። እቲ እትህቦ ሓሳባት ካብቲ እተመደበሉ ግዜ ኸም ዘይሓልፍ ብምግባር: ሰናይ ኣብነት ኩን። ሓደ ተመሃራይ ካብቲ እተመደበሉ ግዜ እንተ ኣሕሊፉ: ንስኻ ወይ ሓጋዚኻ ምልክት ኪህቦ ኣለዎ። እቲ ተመሃራይ ነቲ ዝጀመሮ ምሉእ ሓሳብ ድሕሪ ምዝዛሙ ኻብቲ መድረኽ ኪወርድ ኣለዎ። ካልእ ክፍልታት ካብቲ እተመደበሉ ግዜ ዝያዳ እንተ ወሲዱ: ሓሳባትካ ኣሕጽሮ: ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ድሕሪ ኣኼባ ምስቲ ሓው ተመያየጠሉ።
ኣብ እትህልወሉ እዋን ነቲ ቤት ትምህርቲ ንስኻ ኽትመርሖ ኣሎካ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚ ኣብቲ ኣኼባ ዘይትህሉ እንተ ዄንካ: ኣቐዲሙ ብኣካል ሽማግለታት እተሸመ ኻልእ ሽማግለ ነቲ ቤት ትምህርቲ ኺመርሖ ኣለዎ። መደባት ንምድላው: ክፍልታት መውሃቢ ወረቐታት ንምጽሓፍን ንምዕዳልን: ወይ ተተካእቲ ንምድላው ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ: ሓደ ብኣካል ሽማግለታት እተመደበ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ተመሃሮ ምምዝጋብ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኺምዝገቡ ኣተባብዕ። ካልኦት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘውቲሮም ዚእከቡ ሰባት: ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተሰማሚዖምን ህይወቶም ምስ ክርስትያናዊ ስርዓታት እንተ ኣሰማሚዖምን ኪምዝገቡ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሰብ ኪምዝገብ ከም ዚደሊ እንተ ነጊሩካ: ጽቡቕ ጌርካ ንኣዶ። እቲ ሰብ ገና ኣስፋሒ እንተ ዘይኰይኑ: ሓላው ቤት ትምህርቲ ኸም ምዃንካ መጠን: ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንምምዝጋብ ዜድሊ ብቕዓታት ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ፣ ነዚ ድማ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሉ ሰብ ኣብ ዘለዎ (ወይ ኣማኒ ወላዲ ኣብ ዘለዎ) እንተ ገበርካዮ ይምረጽ። እቲ ኺማላእ ዘለዎ ብቕዓታት: ምስቲ ንሓደ ሰብ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ንኪኸውን ዚሕተት ብቕዓታት ሕደ እዩ። ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 79-81 ኪርከብ ይከኣል። እዋናዊ ዝርዝር ኵሎም እቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እተመዝገቡ ሰባት ሓዝ።
ነቲ ምኽሪ መውሃቢ ፎርም ምጥቃም። ንነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ዚኸውን ምኽሪ መውሃቢ ፎርም: ኣብ ናይ ብሕቱ ቕዳሕ መምሃሪ መጽሓፍ: ካብ ገጽ 79 ክሳዕ 81 ይርከብ እዩ። በቲ ኣብኡ ተለኽዩ ዘሎ ሕብሪ ኸም እተሓበረ: ሓደ ተመሃራይ ንባብ ኪወሃቦ ኸሎ: ካብ 1 ኽሳዕ 17 ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ምኽሪ መውሃቢ ነጥቢ ኺምደበሉ ይከኣል እዩ። ነቲ ብመርኣያ ዚቐርብ ክፍሊ ኸኣ: ቍጽሪ 7, 52, 53 ሓዲግካ ዝዀነ ይኹን ምኽሪ መውሃቢ ነጥቢ ኺምደብ ይከኣል እዩ። ብመደረ ኣብ ዚቐርብ ክፍሊ ድማ: ቍጽሪ 7, 18, 30 ሓዲግካ ዝዀነ ይኹን ምኽሪ መውሃቢ ነጥቢ ኺምደብ ይከኣል እዩ።
ሓደ ምኽሪ መውሃቢ ነጥቢ ኺምደብ ከሎ: እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ናይቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ዚርከብ ምኽሪ መውሃቢ ፎርም: ኣብ ትሕቲ እቲ “እተመደበሉ ዕለት” ዘርእስቱ ቦታ ብርሳስ ኪጽሕፎ ኣለዎ። እቲ ተመሃራይ ነቲ ኽፍሉ ምስ ኣቕረቦ: ነቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ምኽሪ መውሃቢ ነጥቢ ተዘርዚሩ ዘሎ መላመዲ እንተ ዓዪዩሉ ብብሕቲ ሕተቶ። ከምኡ እንተ ገይሩ: ኣብቲ ፎርም ኣብ ዚርከብ ሳጹን ምልክት ኪግበር ኣለዎ። ኣብቲ ምኽሪ መውሃቢ ነጥቢ ምዕያይ ንኪቕጽል ሓሳብ ክትህቦ እንተ ወሲንካ: ኣብቲ ምኽሪ መውሃቢ ፎርም ዝዀነ ይኹን ነገር ምጽሓፍ ኣየድልን እዩ፣ ብሓጺሩ ነቲ ኣብ ትሕቲ “እተዛዘመሉ ዕለት” ዘሎ ቦታ ባዶ ግደፎ። እቲ ቦታ እቲ ዚጸሓፈሉ: እቲ ተመሃራይ ናብ ካልእ ነጥቢ ኺሰግር ምስ ተዳለወ ጥራይ እዩ። ብተወሳኺ: ኣብቲ ገጽ 82 እቲ መጽሓፍ: ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ብተመሃራይ ዚቐርብ ክፍሊ ብጸጋማይ ሸነኽ እቲ እተዓየሉ ኣቀራርባ: ዕለት ኪጸሓፍ ኣለዎ። ኣብቲ ምኽሪ መውሃቢ ፎርምን ኣብቲ ዝርዝር ኣቀራርባታትን ከክልተ ሳዕ ንኽትጥቀመሉ ዜኽእል ቦታ ኣሎ። እቶም ተመሃሮ ኣብቲ ኣኼባ ነቲ መጻሕፍቶም ኪማልእዎ ኣለዎም።
ኣብ ሓደ እዋን: ካብቲ ባህርይ ዘረባ ሓደ ነጥቢ ጥራይ መድብ። መብዛሕትኡ ግዜ: ነቲ ምኽሪ መውሃቢ ነጥብታት ብመሰረት እቲ እተሰርዓሉ ምሃብ ዝሓሸ እዩ። ይኹን እምበር: ገሊኦም ተመሃሮ ሓለፍ ዝበለ ኽእለት እንተ ኣርእዮም: ገሊኡ ትምህርትታት ባዕሎም ንኼጽንዕዎን ንኺዓዩሉን ከተተባብዖም ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ: ውጽኢታውያን ተዛረብትን መምህራንን ንኪዀኑ ዝያዳ ኣበርክቶ ይገብር እዩ ኣብ ዝበልካዮ ነጥብታት ንኺዓዩሉ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።
ሓደ ተመሃራይ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኻብ ዚምዝገብ ሓያሎ ዓመታት እኳ እንተ ገበረ: ንነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ብምጽናዕን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ብዙሕ ኪጥቀም ይኽእል እዩ። ፍሉይ ቈላሕታ ዜድልዮም ተመሃሮ ንምሕጋዝ: በቲ ልሙድ መገዲ በብተራ ኣብ ክንዲ እትምድበሎም: ንሳቶም ዚዓዩሉ እተወሰነ ባህርያት ዘረባ ኣቐዲምካ ኽትመርጸሎም ትኽእል ኢኻ።
ምኽሪ ምሃብ። ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታትን ስርዓታትን ብግቡእ ተጠቐመሉ። እቶም ተመሃሮ: እቲ እተዋህበ ምኽርን እቲ እተዋህበሉ መንፈስን በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ልዑል ስርዓታት እተቐየደ ምዃኑ ኺርድኦም ኣለዎ።
ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ‘ሓቢርካ እትዓዪ’ ምዃንካ ኣይትረስዕ። (2 ቈረ. 1:24 ትርጕም 1990) ንስኻ እውን ከምኦም ከም ተዛራባይን መምህርን መጠን ንምምሕያሽ: ብቐጻሊ ኽትዓዪ ኣሎካ። ብብሕትኻ ነዛ ካብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍ ኣጽንዓያ: ምኽርታታ ዕየየሉ: ካልኦት ተመሳሳሊ ኺገብሩ ሰናይ ኣብነት ኩኖም።
ከምኡ ኽትገብር ከለኻ: እቶም ተመሃሮ ንፉዓት ኣንበብቲ: ክኢላታት ተዛረብቲ: ከምኡውን ኣድማዕቲ መምህራን ንኪዀኑ ምሕጋዝ ሸቶኻ ግበሮ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ: እቶም ተመሃሮ ንእተፈላለየ ባህርያት ዘረባ እንታይ ምዃኑን ስለምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዜማዕብልዎምን ምእንቲ ኺርድኦም: ዜድልዮም ዘበለ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ክትህቦም ጽዓር። እዛ መምሃሪ መጽሓፍ እዚኣ ነዚ ንኽትገብር ብዚሕግዝ መገዲ እያ ተዳልያ። ይኹን እምበር: ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ቓላት ጥራይ ካብ ምንባብ ንላዕሊ ኽትገብር ኣሎካ። እቲ ቓላት ሒዝዎ ዘሎ ሓሳባትን ብኸመይ ከም ዚዕየየሉን ግለጾ።
ሓደ ተመሃራይ ኣብ እተወሰነ ነጥቢ ጽቡቕ እንተ ዓዪዩ: ንኣዶ። ነቲ ኣመሃህራኡ ውጺኢታዊ ዚገብሮ ነገር ወይ እቲ ዝገበሮ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ኣሕጽር ኣቢልካ ጥቐስ። ንእተወሰነ ጕዳያት ተወሳኺ ቘላሕታ ኺህብ ዜድልዮ እንተ ዀይኑ: ከምኡ ኺገብር ዜድልዮ ስለምንታይ ምዃኑ ኸም እተረድኦ ኣረጋግጽ። ነቲ ሸቶ እቲ ብኸመይ ከም ዚወቕዖ ግለጽ። ብንጹር ግን ከኣ ብሕያውነት ሓብሮ።
ንብዙሓት ሰባት ኣብ ቅድሚ ጕጅለ ሰባት ደው ኢልካ ኽፍሊ ምቕራብ ከቢድ ምዃኑ ኣስተውዕል። ሓደ ሰብ ጽቡቕ ዝገበረ ዀይኑ እንተ ዘይተሰሚዕዎ: ክፍሊ ምቕራብ ክሓድጎ ዚብል ሓሳብ ኪመጾ ይኽእል እዩ። ነቲ “ጭፍሉቕ ሻምብቆ” ዘይሰበረ: ወይ “ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍ” ዘየጥፍአ የሱስ ምሰሎ። (ማቴ. 12:20) ንስምዒታዊ ዅነታት እቲ ተመሃራይ ኣብ ግምት ኣእቱ። ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ: እቲ ተመሃራይ ሓድሽ ወይ ነዊሕ ዝጸንሐ ኣስፋሒ እንተ ዀይኑ ኣብ ግምት ኣእቱ። ምዉቕን ልባውን ናእዳ: ንሰባት ዚከኣሎም ምግባር ንኪቕጽሉ የበራትዖም እዩ።
ንነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ብኣኽብሮት ሓዝ። ሮሜ 12:10 ‘ንሓድሕድኩም ብምክብባር ተቐዳደሙ’ ትብል። እዚ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት መኻሪ ዀይኑ ዜገልግል ሰብ ከመይ ዝበለ ግቡእ ምኽሪ ዀን እዩ! ሓደ ተመሃራይ ብዕድመ ኻባኻ ዚዓቢ እንተ ዀይኑ: ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2 ዚርከብ መምርሒ ተጠንቂቕካ ዕየየሉ። ይኹን እምበር: ዕድመ ሓደ ሰብ ብዘየገድስ: ብዛዕባ እቲ ኺገብሮ ዚግባእ ምትዕርራይ ዚገልጽ ምኽሪ ብሕያውነት ኪወሃቦ ኸሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ እዩ ዚቕበሎ።—ምሳ. 25:11
ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ: ነቲ ተመሃራይ ዕላማ እቲ ስልጠና ኣጕልሓሉ። ዕላማ እቲ ስልጠና: ጽቡቕ ብምግባርካ ናእዳ ንምርካብን ናብታ እትቕጽል ምኽሪ መውሃቢ ነጥቢ ንምስጋርን ኣይኰነን። ብኻልኦት እትድነቕ ተዛራባይን መምህርን ንምዃን እውን ኣይኰነን። (ምሳ. 25:27) የግዳስ: ባህግና ነቲ ውህበት ዘረባ ንየሆዋ ንምውዳስ: ከምኡውን ካልኦት ንኺፈልጥዎን ንኼፍቅርዎን ንምሕጋዝ እዩ። እቲ ዚወሃበና ስልጠና ኸኣ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20 ዚርከብ ዕዮ ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽንፍጽም ዕጡቓት ምእንቲ ኽንከውን እዩ። ድሕሪ ግዜ ብቕዓት ዘለዎም ጥሙቓት ኣሕዋት: ተዛረብትን መምህራንን ብምዃን ነቲ “መጓሰ ኣምላኽ” ኣብ ምጕሳይ ንኺሳተፉ ኺዕደሙ ይኽእሉ እዮም።—1 ጴጥ. 5:2, 3
እቶም ተመሃሮ ኽፍሊ ምስ ተወሃቦም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ነቲ ምኽሪ መውሃቢ ነጥቢ ኻብቲ መምሃሪ መጽሓፎም ኬንብብዎ ሓሳብ ሃቦም። ነቲ እተማህርዎ ነገራት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንዚወሃቦም ክፍሊ ንምድላው: ኣብ መዓልታዊ ዝርርቦም: ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ንምሃብ: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺጥቀሙሉ ኣተባብዓዮም።
ክፍሊ ምምዳብ። እዚ እንተ ወሓደ ቕድሚ ሰለስተ ሰሙን ኪወሃብ ኣለዎ። ኵሉ እዚ ኽፍልታት እዚ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ብጽሑፍ ኪወሃብ ኣለዎ።
ነታ ጉባኤ ምስትምሃር ዜጠቓልል ክፍልታት ብፍላይ ነቶም ነቲ ኽፍሊ ብውጽኢታዊ መገዲ ዜቕርቡ ሽማግለታትን ነቶም ንፉዓት መምህራን ዝዀኑ ኣገልገልቲ ጉባኤን ኪወሃብ ኣለዎ።
ካብቲ ንተመሃራይ ዚወሃብ ክፍልታት ኣየናይ ንኣሕዋት: ኣየናይ ከኣ ንኣሓት ኪወሃብ ከም ዘለዎ ንምውሳን: ነቲ ምስቲ መደብ ቤት ትምህርቲ ዚመጽእ መምርሒ ስዓብ። ክፍሊ ዜቕርቡ ሒደት ኣሕዋትን ብዙሓት ኣሓትን እንተ ኣለዉ: ንኣሕዋት ምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ መደረታት እውን ዜጠቓልል ክፍልታት ንኺረኽቡ እኹል ኣጋጣሚ ኽፈተሎም።
ክፍልታት ክትምድብ ከለኻ: ኵነታት ውልቀ-ሰባት ኣብ ግምት ኣእቱ። ንሓደ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ክፍሊ ዘለዎ ወይ በታ ሰሙን እቲኣ ኣብታ ጉባኤ ህዝባዊ መደረ ዘለዎ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መደረ ኬቕርብ ምምዳቡ ኣድላዪ ድዩ፧ ንሓንቲ ሓብቲ: በታ ምሸት እቲኣ ሓደ ሓገዛ ዚደሊ ውሉዳ ኽፍሊ ተዋሂብዎ ኽነሱ: ንዓኣ ኽፍሊ ምሃባ ኣድላዪ ድዩ፧ እቲ ዚወሃብ ርእሰ ነገር ንሓደ ቘልዓ ወይ ንሓደ ንዘይተጠምቀ ተመሃራይ ዚሰማማዕ ድዩ፧ እቲ ኽፍሊ ነቲ እቲ ተመሃራይ ዚዓየሉ ምኽሪ መውሃቢ ነጥቢ ዚምሽእ ምዃኑ እውን ኣረጋግጽ።
ንኣሓት ኣብ ዚወሃብ ክፍልታት ከኣ: እታ ተመሃሪት መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ኣብ ገጽ 78 ከምኡውን 82 ዚርከብ መምርሒታት ብምስምማዕ ባዕላ ኣቀራርባ ትመርጽ እያ። ሓንቲ ሓጋዚት ክትምደበላ ኣለዋ: ኰይኑ ግን ተወሳኺት ሓጋዚት እውን ተድልያ ትኸውን። እታ ተመሃሪት ምስቲ ኣቀራርባኣ እትኸይድ ሓጋዚት ክትምደበላ እንተ ሓቲታ: ነቲ ሕቶኣ ኣብ ግምት ከተእትዎ ትኽእል ኢኻ።
ተወሳኺ ኽፍልታት። ልዕሊ 50 ተመሃሮ እንተ ተመዝጊቦም: ነቲ ብተመሃሮ ዚቐርብ ክፍልታት ኣብ ተወሳኺ መአከቢ ቦታታት ንምቕራብ ክትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ። ከከም ኣድላይነቱ: እዚ መሰናድዎ እዚ ንዅሉ ብተመሃሮ ዚቐርብ ክፍልታት ወይ ነተን ክልተ ናይ መወዳእታ ኽፍልታት ጥራይ ኬገልግል ይኽእል እዩ።
ነፍሲ ወከፍ እዚ ኣብ ካልእ ኣዳራሽ ዚቐርብ ተወሳኺ ኽፍልታት እዚ ሓደ ብቑዕ መኻሪ ኺህልዎ ኣለዎ: ንሱ ድማ ሽማግለ እንተ ዀነ ይምረጽ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ብቕዓት ዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ እውን መኻሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መነመን መኸርቲ ኸም ዚዀኑ ዜጽድቕ: ኣካል ሽማግለታት እዩ። እቶም ተመሃሮ ኣብ ዚቕጽል ክፍሎም ዜቕርቡሉ ቦታ ኣበየናይ ይኹን ብዘየገድስ ውጽኢታዊ ኽትትል ምእንቲ ኺግበረሎም: ምስቶም መኸርቲ ብቐረባ ዕየ።
ፍሉይ ክፍሊ ንባብ። ኣካል ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ እተወሰኑ ውልቀ-ሰባት በቲ ኣብታ ጉባኤ ዚዝረብ ቋንቋ መሰረታዊ ትምህርቲ ንባብ ከም ዜድልዮም እንተ ወሲኖም: ነዚ ምስ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ብምትሕሓዝ መሰናድዎ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ዕላማ እዚ ትምህርቲ እዚ መሰረታዊ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለት ንምጥራይ ወይ ንባብ ንምምሕያሽ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኽፍልታት እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚርከብ ብተመሃሮ ዚቐርብ ክፍልታት ኣብ ዚቐርበሉ እዋን ኪግበር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። እኹል ሓገዝ ምእንቲ ኺወሃብ: ካብቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ዚቐርበሉ ዝሰፍሐ እዋን ኬድሊ ይኽእል እዩ። እቶም ሽማግለታት እንታይ ከም ዜድልን ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ መዓስ ኪቐርብ ከም ዘለዎን ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ከከም ኣድላይነቱ: ብጕጅለ ወይ በብሓደ ንምስትምሃር መሰናድዎ ኺግበር ይከኣል እዩ።
ብቑዕ መምህር የድሊ እዩ። እቲ ሓላፍነት ንሓደ ንፉዕ ኣንባብን ነቲ ቛንቋ ኣጸቢቑ ዚፈልጦን ሓው እንተ ተዋህበ ይምረጽ። ሓው እንተ ዘይተረኺቡ: እቶም ሽማግለታት ንሓንቲ ኽኢላን ኣብነታዊትን ሓብቲ ኺሓትዋ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኽትምህር ከላ: ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ።—1 ቈረ. 11:3-10፣ 1 ጢሞ. 2:11, 12
እታ ኣፕላይ ዮርሰልፍ ቱ ሪዲን ኤንድ ራይቲን (ናብ ምንባብን ምጽሓፍን ኣቕልብ) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብሓያሎ ቛንቋታት ትርከብ እያ። ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ንኪኽእሉ መሰረታዊ ነገራት ንምምሃር እተዳለወት እያ። ነቶም እተመዝገቡ ሰባት ዘለዎም ናይ ምንባብ ክእለት ኣብ ግምት ብምእታው: ካልእ ጽሑፋት እውን ምጥቃም ይከኣል እዩ። እቶም ተመሃሮ እኹል ምምሕያሽ እንተ ገይሮም: ኣብቲ ንቡር ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንኺሳተፉ ኺተባብዑ ኣለዎም።
ሓላው ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ከም ምዃንካ መጠን: ነታ ጉባኤ ንምጥቃም ብዙሕ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብግቡእ ተዳሎ: ምስቲ ኣብ ሮሜ 12:6-8 ዚርከብ ምኽሪ ብምስምማዕ ከኣ: ነቲ ሓላፍነትካ ኻብ ኣምላኽ ከም እተዋህበ ኽቡር ሕድሪ ጌርካ ሓዞ።