ናይ 2004 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ
1 የሆዋ ንተራ ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ኣገዳስነት ዘለዎ ዕዮ ንኽፍጽሙ የዕጥቖም እዩ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ዝገብረሉ መገዲ: በቲ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እንረኽቦ ሰሙናዊ ስልጠና ኣቢሉ እዩ። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዅነታትካ ብዘፍቅደልካ መጠን ምሉእ ብምሉእ ትሳተፍዶ ኣሎኻ፧ ተማሃሮ ኻብዚ ምድላው እዚ ዝያዳ ጥቕሚ ምእንቲ ኽረኽቡ: ኣብ ወርሒ ጥሪ ሒደት ምትዕርራያት ክግበር እዩ።
2 በብተራ ሓጋዚ መኻሪ ምዃን:- እቶም ሃናጺ ዝርርብን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ሓሳባትን ዘቕረቡ ኣሕዋት ነቲ ሓጋዚ መኻሪ ዝነግሮም ነጥብታት የማስዉሉ እዮም። ዝኣኽሉ ብቑዓት ሽማግለታት ኣብ ዘለዉዎ ጉባኤ: ኣብ ዓዓመት ሽማግለታት በብተራ ሓጋዚ መኻሪ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ እቲ ጾር ኣብ ሓደ ኣይጸዓንን። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ግን ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ካብቲ እተፈላለዩ ኽኢላታት ተዛረብትን መምህራንን ዝህብዎም ምኽሪ ዝጥቀሙ ምዃኖም እዩ።
3 ንናይ ቃል ድግማ መደብ ምግባር:- ጉባኤኹም ኣብታ ናይ ቃል ድግማ እትግበረላ ሰሙን ናይ ወረዳ ኣኼባ እንተልይዋ: እቲ ድግማ (ዀነ እቲ ዝተረፈ ነታ ሰሙን እተመደበ ኽፍልታት) ሓደ ሰሙን ንቕድሚት ክመሓላለፍ ኣለዎ: እቲ ኣብ እትቕጽል ሰሙን ዝነበረ መደብ ድማ ኣብቲ ናይ ወረዳ ኣኼባ ኽጥቀሙሉ ይግባእ። እቲ ናይ ቃል ድግማ ኣብቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ዝገብረሉ ሰሙን እንተ ዀይኑ ግን ኵሉ እቲ ነታ ሰሙን እተመደበ ኽፍልታት ምትሕልላፍ ኣየድልን እዩ። ኣብ ክንድኡስ: እቲ መዝሙርን ናይ ዝርርብ ነጥብን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ነጥብታትን በቲ ዝወጸ መደብ ክውሰድ ኣለዎ። እቲ ደድሕሪ እቲ ናይ ዝርርብ ነጥቢ ዝወሃብ ሃናጺ ዝርርብ ካብቲ ናይ እትቕጽል ሰሙን መደብ ክውሰድ ኣለዎ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ነጥብታት ምስ ቀረበ: ቀጺሉ ፍርቂ ሰዓት ዝወስድ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ይቐርብ። እዚ ድማ ሰለስተ ነናይ 10 ደቒቕ ክፍልታት ወይ ክልተ ነናይ 15 ደቒቕ ክፍልታት ማለት እዩ። (ምልክታታት ክስረዝ ኣለዎ።) ደድሕሪ እቲ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መዝሙርን ፍርቂ ሰዓት ዝወስድ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ፕሮግራምን ይቐርብ። ኣብቲ ኣብ እትቕጽል ሰሙን ዝግበር ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: እቲ ናይ ዝርርብ ነጥብን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ሓሳባትን ከምቲ እተመደበሉ ኽውሰድ ከሎ: ስዒቡ ናይ ቃል ድግማ ይቐርብ።
4 መንፈሳዊ ዕቤት ንኽትገብር እትረኽቦ ዘበለ ኣጋጣሚታት ተጠቐመሉ። ካብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኽትጥቀም ኸለኻ: ንጉባኤኻ ተተባብዕ: ኣብ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እጃምካ ተበርክት: ነቲ ምንጪ እቲ እንሰብኮ ዘደንቕ መልእኽቲ ዝዀነ ኣምላኽ ድማ ውዳሰ ተምጽኣሉ።—ኢሳ. 32:3, 4፣ ራእ. 9:19