ካብ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም
1 ቲኦክራቲካዊ ኣገልገሎት ቤት ትምህርቲ ንኻልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ውጺኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ከነብጽሓሎም ምእንቲ ክንክእ ‘ብናይ ምምሃር ጥበብ’ እንስልጥነሉ መሳርሒ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። (2 ጢሞ. 4:2) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንዝተፈላለዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነጥብታት ዝምልከቱ ኣገደስቲ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ካብቲ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዝህቦ ኣድላይ መምርሒ ምሉእ ጥቕሚ ንወስድ ምህላውናስ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል?
2 ነቶም በቲ ናይዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ተዓዛቢ ኣብ ግዜ ኣኼባ ክትማሃሮም ዘሎካ ዘገድሱ ነጥብታት ከብርህ ከሎ ዝህቦ ናይ መእተዊ ሓሳባት ጽቡቕ ጌርካ ኣድህበሎም። ነቶም ብመልክዕ ሕቶ ገይሩ ከቕርቦም ዝኽእል ሕቶታት ኣስተብህለሎም፣ ከመይ ጌርካ መልስታቶም ኣብ ኣገልግሎት ክትጥቀመሎም ከም እትኽእል ድማ ሕሰብ።
3 ሃናጺ ዝርርብ ናይቲ ተጻሒፉ ዘሎ ሓሳባት ድግማ ኣይኮነን። ኣብ ግብራዊ ቁም ነገር ናይቲ ሓበሬታን ብብሕትኻ ብኸመይ ክጠቕመካ ከም ዝኽእልን ኢዩ ዘተኩር። ኣቐዲምካ ምድላው ኣብቲ ቀንዲ ነጥብታት ብዝበለጸ ከተስተብህልን ኣብቲ ዝስዕብ ናይ ድግማ ሕቶታት ክትካፈልን ክሕግዘካ ኢዩ።
4 ኣብቲ ሰሙናዊ ንባብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ ምዃን እቲ ንቓል ኣምላኽ ዘሎካ ሞሳ ከም ዝዓሙቕ ክገብሮ ኢዩ። ተወሳኺ ምርምር ምግባር ንሐቂ ዘሎካ ፍልጠት ከዕቢ ዝኽእል ዝሓሸን ዘገድስን ዝርዝራት ክገልጽ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣቀራርባ ናይቲ ቀንዲ ሓሳባት ናይ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻብ ምድጋም ጥራይ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ኣሕጽር ኣቢሉ ምስ ደገመ፣ እቲ ተዛራባይ ነቶም ቀንዲ ሓሳባት ናይታ ክፍሊ ብምብራህ ምስ ናብራናን ኣልግሎትናን የተሓሕዞም። ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ብዝበለጸ ከም እትጥቀመሎም ክትመሃር ምእንቲ ኽትክእል ጽን በሃሊ ኩን። — መዝ. 119:105
5 ክፍሊ ክትህብ እንተ ድኣ ተመዚዝካ ነታ እትእረመላ ነጥቢ ኣስተብህለላ። ነቲ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ ተዋሂቡ ዘሎ ብዛዕባኡ ዝምልከት ሓሳባት ከኣ ኣንብቦ። ክትሰርሓሉ ኢልካ ድማ ፈትን። ንኽፍልኻ ዝኸውን ጽሑፋት ክትመርጽ ከሎኻ፣ ኣብቶም ንኣገልግሎት ግብራውያን ዝኾኑ ነጥብታት ኣተኩር። — መጽሓፍ መምርሒ ገጽ 96–9
6 እንተድኣ ተመሃሪት ቍጽሪ 3 ወይ ተመሃሪት ቍጽሪ 4 ዝተዋሃብኪ ሓብቲ ኴንኪ፣ ክፍልኺ ተግባራዊ ብዝኾነ መገዲ ጌርኪ ኣቕርብዮ። እታ በዓልቲ ቤት ምስቲ እትህብዮ ሓሳብ ክሰማማዕ ትኽእል ወይ ድማ ኣይትኽእልን ትኸውን፣ ነታ ሰብ ነቲ ዝተጠቕሰ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕግታት ክትርድኦ ብኸመይ ከም እትሕግዝያ ጻዕሪ ግበሪ። (መጽሓፍ መምርሒ ገጽ 153–8) እዚ ነቶም ሰማዕቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ተመሳሳሊ ተቓውሞ ከጋጥሞም ከሎ ብኸመይ ከም ዝዋጽእሉ ይሕግዞም። ኣቐዲምኪ ግዜ ኣንዊሕኪ፣ ተዳለዊ፣ ምስታ ብዓልቲ ገዛ (ተማሃሪት) ክትደግምዮ ድማ መደብ ግበሪ። እቲ ኣኼባ ምስ ተጀመረ ምድጋሙ ኣድላይ ኣይኮነን።
7 እቶም ክፍሊ ዝህቡ ተመሃሮ ኣብቲ ቅድሚት ዘሎ ኮፍ መበሊ ናይቲ ኣደራሽ ኮፍ ክብሉ ተታባቢዖም ኢዮም። እዚ ግዜ ይቑጥብ ነቲ ናይቲ ትምህርቲ ተዓዛቢ ድማ ሓሳባቱ ብብሕታዊ ኣቀራርባ ገይሩ ክልግሰሎም የኽእሎ። ኩሎም ካብቲ ብመሰረት እታ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ በቲ ተዓዛቢ ዝወሃቦም ሕያውነታውን ውስኑን ሓሳባት ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም። ነቶም ኣብቲ ናይ ዝርርብ ምዕዶ ቅርጻ ዘለዉ ቀደም ተኸተል ናይ ዝርርብ ነጥብታት አይክተልን ይኸውን፣ ዝበለጸ ምዕባለ ምእንቲ ክትገብር ሕጂ ክትሰርሓሉ ዘሎካ ናይ ምኽሪ ነጥቢ ይመርጽ ኢዩ።
8 ኵሎም እዚኦም ክንዳሎን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናይ ቲኦክራቲክ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክንካፈልን ጽቡቕ ምኽንያት ኢዮም ዝኾኑና። እቲ እንረኽቦ መምርሒ ኣብ ኣገልግሎትና ጥበበኛታትን ክኢላታትን ክንከውን ክሕግዘና ኢዩ። — ምሳ. 1:5