ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ይጠቕመና፧
1 ህዝቢ የሆዋ ቲኦክራሲያዊ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎም። (ኢሳ. 54:13፣ ዮሃ. 6:45) እቲ ኻብኡ እንረኽቦ ጥቕሚ ግን ብዓብዪኡ ኣብቲ እንገብሮ ጻዕሪ እዩ ዚምርኰስ። ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣብ መንፈሳውነትካ ዘለዎ ኣወንታዊ ጽልዋስ ኣስተውዒልካሉዶ፧
2 ዚሃንጽ ሓሳባት:- ሓያሎ ናይዚ ቤት ትምህርቲ ተዓዘብቲ ኣብቲ ናይ ዝርርብ ነጥብታት እተገብረ ዓሚቝ መጽናዕቲ: ንጉባኤኦም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብዝያዳ ፍረ እተፍሪ ኸም ዝገበራ ኣስተውዒሎም እዮም። ኣብ ርእሲ እዚውን ሓደ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ሰማዕቲ ኺሳተፉ ኣጋጣሚ ስለ እተኸፍተ: ብዙሓት ኣስፋሕቲ ነቲ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ይስዕቡ ኸም ዘለዉ ሓበረ። ኣብ ክፍሊ ቝ. 2 መእተውን መዕጸውን ከይገበርካ ኣብ ንባብ እቲ ጽሑፍ ጥራይ ዚትኰር ምዃኑ: ብዙሓት ኣሕዋት ተሓጒሶምሉ እዮም። እቶም እዚ ኽፍሊ እዚ ኬቕርቡ ዚምደቡ ናይ ምንባብ ክእለቶም ኣብ ምምሕያሽ ብዝያዳ የተኵሩ ኣለዉ።—1 ጢሞ. 4:13
3 ኵሎም ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም:- ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ምሃብ ዜሐጕስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳ. 15:23) ኣብ ናይ ቃል ድግማ ዚሕተት ሕቶታት ኣቐዲምና እንረኽቦ ምዃንና: ድግማ ኺግበር ከሎ ንኽንዳሎን ንኽንሳተፍን የኽእለና። ኣብ ርእሲ እዚውን ካብ ናይ 1 ጥሪ 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣትሒዙ: ጐድኒ ጐድኒ እቲ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዚምደበልና ንባብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚርከብ መጻሕፍቲ ዚጐልሕ ነጥብታት ይወጽእ ኣሎ። እዚ ዓንቀጻት እዚ ንሓያሎ ኣሕዋት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ኪቐርብ ከሎ ሃናጺ ሓሳባት ንኺህቡ ኣኽኢልዎም እዩ።
4 ኵሉ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እተመዝገበ ሰብ: ክፍሊ ናይ ምድላውን ናይ ምቕራብን ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎ። ኵላትና ኻብቲ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኻብ መድረኽ ዚህቦ ኣወንታዊ ሓሳባት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እቶም ተማሃሮ ኸኣ ካብቲ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብውልቆም ዚወሃቦም ማዕዳ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እቲ ኣብታ በነፊት ፍሮም ቲኦክራቲክ ሚኒስትሪ ስኩል ኤጁኬሽን ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዚርከብ ብዛዕባ ናይ ዝርርብ ነጥቢ ዜጕልሕ ልምምድ እውን ሓጋዚ እዩ።
5 እቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየደሉ እዋን ኰነ ድሕሪኡ ግብራውን ቅዱስ ጽሑፋውን ሓሳባት ትዝ ምስ ዚብለካ: ነዚ ኣብቲ ናይ ብሕትኻ ቕዳሕ መምሃሪ መጽሓፍ ጽሓፎ። ብዛዕባ እቲ እተመሃርካዮ ኣስተንትን: እዚ ኻብ ኣምላኽ ትምህርቲ እንረኽበሉ መገዲ ኸኣ ብመንፈስ ብሱል ንኽትከውን ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ሕሰበሉ።