የሆዋ፡ ዕዮ ስብከት ንኽንፍጽም የሰልጥነና
1. የሆዋ ንደቂ ሰብ ሓደ ዕዮ ኺህቦም ከሎ፡ እንታይ እውን እዩ ዚህቦም፧
1 የሆዋ ንደቂ ሰብ ሓደ ዕዮ ኺህቦም ከሎ፡ ነቲ ዕዮ ኺፍጽምዎ ዜኽእሎም ሓገዝ እውን ይህቦም እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንኖህ፡ ቅድሚኡ ገይርዎ ዘይፈልጥ ነገር ኪገብር፡ ማለት መርከብ ኪሰርሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ኪሰርሓ ኸም ዚኽእል እውን ነጊርዎ እዩ። (ዘፍ. 6:14-16) እቲ ዓቃል ጓሳ ዝነበረ ሙሴ፡ ናብ ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ፈርኦንን ምስ ተላእከ፡ የሆዋ፡ “ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኽምህረካ እየ” በሎ። (ዘጸ. 4:12) ንሕና እውን ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንካፈል ከለና፡ የሆዋ መምርሒ ይህበና እዩ። ብቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን ኣቢሉ፡ ዕዮ ስብከት ክንፍጽም የሰልጥነና ኣሎ። ካብዚ ስልጠና እዚ ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2. ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ጥቕሚ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦ ናብ ኣኼባ ቕድሚ ምኻድካ፡ ነቲ እተመደበ ኽፍልታት ኣንብቦን ኣጽንዓዮን። ድሕሪኡ፡ እቶም ተመሃሮ ነቲ ሓበሬታ ብኸመይ ከም ዜቕርብዎ ኽትርኢ ኸለኻ፡ ክእለት ኣመሃህራኻ ኺመሓየሽ እዩ። (ምሳ. 27:17) መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ መዘኻኸሪ እትምዝግበላ መጽሓፍ እውን ስለ ዝዀነት፡ ምሳኻ ተማልኣያ። ሓላው ቤት ትምህርቲ ኻብታ መጽሓፍ ጠቒሱ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብ መጽሓፍካ ነቲ ኽትትግብሮ እትደሊ ቐንዲ ነጥብታት ኣስምረሉ፣ ኣብቲ ሕድጋት እውን ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ካብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብዝበለጸ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ተሳትፎ ግበር። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተመዝጊብካ ዲኻ፧ ብመደረ ዚቐርብ ክፍሊ እንተ ተዋሂቡካ፡ ብዚግባእ ተዳሎ፣ ነቲ ዚወሃበካ ምኽሪ ኸኣ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ነቲ እተመሃርካዮ ነጥብታት ኣብ ኣገልግሎት ተጠቐመሉ።
3. ካብ ኣኼባ ኣገልግሎት ጥቕሚ ምእንቲ ኽንረክብ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
3 ኣኼባ ኣገልግሎት፦ ነቲ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዚቐርብ ሓበሬታ ኣቐዲምና ኣንቢብናዮን ተዳሊናሉን እንተ መጺእና፡ ነቲ ዚቐርብ ሓሳባት ብቐሊሉ ኽንዝክሮ ኢና። መልስና ሓጺር እንተ ዀይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ሓሳብ ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ዚቐርብ መርኣያ ኣቕልበሉ፣ ነቲ ንኣገልግሎትካ ውጽኢታዊ ኪገብሮ ዚኽእል ሓሳባት ከኣ ተጠቐመሉ። ንመጻኢ መወከሲ ምእንቲ ኪዀነካ፡ ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚወጽእ ቀንዲ ዓንቀጻት ዓቅቦ።
4. ነዚ ዚወሃበና ቲኦክራስያዊ ስልጠና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ልክዕ ከምቲ ንኖህን ንሙሴን እተዋህቦም መዝነት ኸቢድ ዝነበረ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እውን በዳሂ እዩ። (ማቴ. 24:14) ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ዓብዪ መምህርና ዝዀነ የሆዋ እንተ ተወኪልናን ነቲ ዚወሃበና ስልጠና ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮን፡ ክንዕወት ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 30:20።