ካብቲ ናይ 1999 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ ተጠቐም
1 የሱስ ዓቢ መምህር ኢዩ ነይሩ። ሰባት በቲ ‘ኣመሃህርኡ ተገሪሞም’ ኢዮም። (ማር. 1:22) ዋላ ሓደ ኻባና ልክዕ ከም ናይ የሱስ ገይሩ ክዛረብን ክምህርን ዝኽእል እኳ እንተ ዘየለ: ክንመስሎ ክንጽዕር ግን ንኽእል ኢና። (ግብ. 4:13) ነዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ: ኣብቲ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ ምክፋል ነቲ ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትና ብቐጻሊ ንምምሕያሽ ክሕግዘና ኢዩ።
2 ኣብ 1999 ክፍሊ ቍ. 1 ብዝያዳ ኣብቲ ካብ ናይ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት እተወስደ ዓንቀጻት እተመስረተ ኢዩ ክኸውን። ነቲ ዓንቀጻት ኣቐዲምና እንተ ኣንቢብናዮ: ብድሕሪኡ ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ መደብ ክቐርብ ከሎ እንተ ሰሚዕናዮ: ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዘሎና ምርዳእ ኣዝዩ ክዓቢ ኢዩ። እቶም ነዚ ሃናጺ ዝርርብ እዚ ክህቡ እተመዘዙ ኣሕዋት: ደስ ዘብልን ህያውን ብዝዀነ መገዲ ብምቕራብ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላ ናይቲ ትምህርቲ ዘርኢ ክገብርዎ ኣለዎም። ክፍሊ ቍ. 3 ኣብታ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ: ክፍሊ ቍ. 4 ኸኣ ኣብታ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ እተመርኰሰ ኢዩ ክኸውን። ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነቲ ክፍልታት ቅድሚ ምሃቡ ነቲ ጽሑፍ ተጠንቂቑ ክርእዮ ኣለዎ። ኵሎም እቶም ካብታ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ክፍሊ ዘቕርቡ ተማሃሮ ኣብ ናብራ ስድራቤቶም ኣብነት ኰይኖም ዝርኣዩ ክዀኑ ኣለዎም።
3 ምኽሪ ኣብ ተግባር ኣውዕል: ጽቡቕ ገይርካ ተዳሎ:- ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለት ምምሕያሽ ክገብር ይኽእል ኢዩ። (1 ጢሞ. 4:13) ስለዚ ምኽሪ ክንደሊ ኣሎና እምበር ካብኡ ክንሃድም የብልናን። (ምሳ. 12:15፣ 19:20) ነቲ ሓቂ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ንምቕራቡ: ካብ ንማለቱ ጭብጥታት ምፍላጥ ከምኡውን ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ምንባብ ንላዕሊ ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ልቢ ሰማዕትና ክንበጽሕን ከነለዓዕሎምን ኣሎና። ብዛዕባ ሓቂ ካብ ልብና ብዘእምን መገዲ ብምዝራብ ነዚ ክንገብሮ ንኽእል። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 2:37 ኣረኣእዮ።) ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እንረኽቦ ምኽሪ ነዚ ክንፍጽም ይሕግዘና።
4 ክፍሊ ምስ ተቐበልካ: ብዛዕባ እቲ ኣብታ ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ እተመሓይሸሉ መገድታት እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ ክትዓየሉ እተነግረካ ናይ ዝርርብ ነጥብታት ሕሰብ። እቲ ኣቐዲምካ እተቐበልካዮ ምኽሪ ኣብ ተግባር ንምውዓሉ እንታይ ክትገብር ከም ዘድልየካ ኣብ ግምት ኣእቱ። ብዛዕባ ናይ ክፍልኻ ቀንዲ ኣርእስቲ: ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኸኣ ብዛዕባ መልክዕ ኣቀራርባኻ: ከምኡውን ነቲ ኣብ ክፍልኻ ዘሎ ጥቕስታት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኣስተንትን። ንኽትምህርን ንኸተለዓዕልን ኢልካ ነቲ ትምህርቲ ብዝበለጸ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኣመዛዝን።—1 ጢሞ. 4:15, 16
5 ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንምምዝጋብ እንተድኣ ፈሪህካ: ብዛዕብኡ ጸሊ: ከመይ ከም ዝስመዓካ ኸኣ ምስቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ተመያየጥ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ኣብ 1999 ዝህሉ ፕሮግራም ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ምስ ዝካፈል ረብሓ ክረክብ ይኽእል ኢዩ።