ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምዝገባ
1 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ከም ኣገልገልቲ ናይቲ ብስራት መጠን ንሚልዮናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምልምማድ ጠቒሙ ኢዩ። ብዙሓት ካባና መጀመርታ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ክንምዝገብ ከሎና ክሳዕ ክንደይ ፍርሂ ከምኡውን ክእለት ዘይብልና ኰይኑ ከም እተሰምዓና ንዝክሮ ኢና: ሕጂ ከም ተዛረብትን መምህራንን ቃል ኣምላኽ መጠን ኣብ መንፈሳዊ ዕቤትና ዘለዎ ግደ ብምስጋና ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 4:13 ኣረኣእዮ።) ኣብዚ ብሉጽ ቤት ትምህርቲ እዚ ተመዝጊብካዶ፧
2 መን ኢዩ ክምዝገብ ዝኽእል፧ እታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 73 “ምስቲ ክርስትያናዊ ስርዓታት ዝሰማማዕ ናብራ ምስ ዝህልዎም: ነቶም ኣኼባታት ዝካፈሉ ሓደስቲ ሰባት ሓዊስካ ኵሎም እቶም ምስታ ጉባኤ ነጢፎም ዝመላለሱ ሰባት ክምዝገቡ ይኽእሉ ኢዮም” ብምባል ትምልስ። ንዅሎም ብቑዓት ዝዀኑ—ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ—ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ክቐርብዎን ክምዝገቡ ክሓትዎን ንዕድሞም።
3 ናይ 1997 ፕሮግራም ቤት ትምህርቲ:- ናይ 1997 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ ብዙሕ እተፈላለየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታትን ገጸ-ባህርያትን ዝሽፍን ኢዩ። ኣዘራርባናን ክእለት ኣማሃህራናን ኣብ ርእሲ ምዕባይና: ካብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝቐርብ ትምህርቲ ዝርከብ ብዙሕ መንፈሳዊ ሃብቲ ንማሃር ኢና። (ምሳ. 9:9) ነቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ዘጠቓልል ቤት ትምህርቲ ተዳሊና እንተድኣ መጺእና: ከምኡውን ስርዓታውያን ኴንና እንተ ተኻፊልና: ካብቲ ፕሮግራም ብዙሕ መንፈሳዊ ጥቕሚ ክንረክብ ንኽእል ኢና።
4 ኣብ 1997 ንኽፍሊ ቍ. 2 ዝወሃብ መብዛሕትኡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓጸረ ኢዩ። እቲ ተማሃራይ ነዚ ክፍሊ እዚ ክዳሎ ከሎ ነቲ ንባብ ተጠንቂቑ ግዜ ክምድበሉ ኣለዎ: ድሕርዚ ድማ ካብቲ ንኽፍሉ እተመደበ ሓሙሽተ ደቒቕ ንመእተውን መዕጸውን ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክጥቀም ከም ዝኽእል ክውስን ኣለዎ። እዚ ነቲ ተማሃራይ ንግዜኡ ጽቡቕ ገይሩ መሊኡ ክጥቀመሉ ከምኡውን ክልቲኡ ማለት ክእለት ንባቡን ብዘይ ጽሑፍ ዝግበር ክእለት ኣዘራርባን ንምዕባይ ከኽእሎ ኢዩ።—1 ጢሞ. 4:13
5 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት እተመርኰሰ ንኽፍሊ ቍ. 3 ዝኸውን ኣቀራርባታት: ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ከም ሓደ ዓይነት ኣቀራርባ ኰይኑ ንኽዝውተር ተወሲኹ ኣሎ። ስለዚ: ሓንቲ ሓብቲ ነዚ ክፍሊ እዚ ዝኸውን ኣቀራርባ ክትጥቀም ከላ: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ወይ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክትመርጽ ትኽእል ኢያ። ርግጽ ኢዩ: ዝያዳ ኣቓልቦ ክግበር ዘለዎ ኣብ ውጽኢታዊ ኣማሃህራ ድኣምበር ኣብ ኣቀራርባ ክኸውን የብሉን።
6 ሃናጺ ዝርርብ ይኹን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ነጥብታት: ወይ ናይ ተማሃራይ ክፍሊ ብዘየገድስ: ክፍሊ ከተቕርብ መሰል እንተድኣ ረኺብካ: ንኽፍልኻ ብምድላውን ኣጸቢቕካ ብምድግጋምን: ዝርዳእን ውዕዉዕን ገይርካ ብምቕራብ: ግዜኻ ብዘይ ምሕላፍ: ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝህቦ ምኽሪ ብምስማዕን ኣብ ግብሪ ድማ ብምውዓልን: ንኽፍልኻ ብተኣማንነት ምእንቲ ክትፍጽም ኵሉ ግዜ ብምጽዓር: ንቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዘሎካ ሞሳ ከተርኢ ትኽእል ኢኻ። በዚ ድማ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ምምዝጋብካ ንዓኻ ይኹን ነቶም ተሳተፍቲ ንበረኸት ኰይኑ ክርከብ ኢዩ።