ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/96 ገጽ 3
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 12/96 ገጽ 3

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ:⁠- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥሪ:⁠- ቅድሚ 1984 እትሓትመ: ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ክህሉ ዝኽእል 192 ገጽ ዘለዎ ዝዀነ መጽሓፍ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ከም እኒ ድሕነት ናብታ ሓዳስ ምድሪ እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ክዕድላ ይኽእላ ኢየን። ለካቲት:⁠- ራእይ​—⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (እንግሊዝኛ)

◼ እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ 1 ታሕሳስ ወይ ድሕሪኡ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ድማ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይነገር።

◼ ኣቐዲምካ ንምምዳብ ምእንቲ ክሕግዝ: ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት በዓል ዝኽሪ ዝውዕለሉ ዕለታት ከነፍልጠኩም:⁠- ሰንበት 23 መጋቢት 1997፣ ቀዳም 11 ሚያዝያ 1998 ድሕሪ ጸሓይ ምዕራባ።

◼ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ናይ ዝኽሪ በዓል ዝርርብ ዝህብ ሰብ ኣብ ምምዳብ: እቶም ኣካል ሽማግለታት በብተራ ወይ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓደ ሓው ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝምድቡ ሓደ ካብቶም ዝያዳ ብቑዓት ሽማግለታት ክመርጹ ኣለዎም።

◼ ንሓንቲ ንጽል ቅዳሕ ብኣየር ንዝለኣኽ ናይ መጽሔት ምዝገባ እተገብረ ምትዕርራይ (ዓመታዊ ዋጋታት):⁠- ካብ ኢጣልያ (ኣምሓርኛ: ትግርኛ: ቋንቋ ኢጣልያ):⁠- ብር 80.00 (ኣስፋሒ): 67.50 (ፓይነር)፣ ካብ ብሪጣንያ (እንግሊዝኛ ጥራይ):⁠- ብር 113.00 (ኣስፋሒ): 100.50 (ፓይነር)፣ ካብ ካናዳ (እንግሊዝኛ ወይ ቋንቋ ፈረንሳ):⁠- ብር 121.00 (ኣስፋሒ): 108.50 (ፓይነር)። ናይ ትግርኛ ግምቢ ዘብዐኛ ሕጂ ኣብ ኢጣልያ ስለ ዝሕተም: ብኣየር ናይ ዝግበር ምዝገባ መጽሔት ዋጋ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣምሓርኛ ሕታም ኢዩ።

◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:⁠- ዓረብኛ:⁠- ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጐሱ፣ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት፣ ኣምላኽ ካባና እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧ እንግሊዝኛ:⁠- ናይ 1997 ዓውደ⁠-ኣዋርሕ።

◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:⁠- እንግሊዝኛ:⁠- ደም ንህይወትካ ከድሕን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ 8 ካሴታት ዝሓዘ ማህደር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ