ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥሪ:- ቅድሚ 1984 እትሓትመ: ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ክህሉ ዝኽእል 192 ገጽ ዘለዎ ዝዀነ መጽሓፍ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ከም እኒ ድሕነት ናብታ ሓዳስ ምድሪ እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ክዕድላ ይኽእላ ኢየን። ለካቲት:- ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (እንግሊዝኛ)
◼ እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ 1 ታሕሳስ ወይ ድሕሪኡ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ድማ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይነገር።
◼ ኣቐዲምካ ንምምዳብ ምእንቲ ክሕግዝ: ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት በዓል ዝኽሪ ዝውዕለሉ ዕለታት ከነፍልጠኩም:- ሰንበት 23 መጋቢት 1997፣ ቀዳም 11 ሚያዝያ 1998 ድሕሪ ጸሓይ ምዕራባ።
◼ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ናይ ዝኽሪ በዓል ዝርርብ ዝህብ ሰብ ኣብ ምምዳብ: እቶም ኣካል ሽማግለታት በብተራ ወይ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓደ ሓው ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝምድቡ ሓደ ካብቶም ዝያዳ ብቑዓት ሽማግለታት ክመርጹ ኣለዎም።
◼ ንሓንቲ ንጽል ቅዳሕ ብኣየር ንዝለኣኽ ናይ መጽሔት ምዝገባ እተገብረ ምትዕርራይ (ዓመታዊ ዋጋታት):- ካብ ኢጣልያ (ኣምሓርኛ: ትግርኛ: ቋንቋ ኢጣልያ):- ብር 80.00 (ኣስፋሒ): 67.50 (ፓይነር)፣ ካብ ብሪጣንያ (እንግሊዝኛ ጥራይ):- ብር 113.00 (ኣስፋሒ): 100.50 (ፓይነር)፣ ካብ ካናዳ (እንግሊዝኛ ወይ ቋንቋ ፈረንሳ):- ብር 121.00 (ኣስፋሒ): 108.50 (ፓይነር)። ናይ ትግርኛ ግምቢ ዘብዐኛ ሕጂ ኣብ ኢጣልያ ስለ ዝሕተም: ብኣየር ናይ ዝግበር ምዝገባ መጽሔት ዋጋ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣምሓርኛ ሕታም ኢዩ።
◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- ዓረብኛ:- ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጐሱ፣ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት፣ ኣምላኽ ካባና እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧ እንግሊዝኛ:- ናይ 1997 ዓውደ-ኣዋርሕ።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- እንግሊዝኛ:- ደም ንህይወትካ ከድሕን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ 8 ካሴታት ዝሓዘ ማህደር።