ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/96 ገጽ 2
  • “ልክዕ ኣብቲ እዋኑ እተረኽበ ሓገዝ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ልክዕ ኣብቲ እዋኑ እተረኽበ ሓገዝ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ውሽጢ ናብራ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ስዓብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ተኣኪቦም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ስድራቤትኩም ነባሪ መጻኢ ከም ዝህልዋ ግበሩ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • እተፈላለየ ዕድመ ንዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ሓጐስ ስድራቤት ምዕዳል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 12/96 ገጽ 2

“ልክዕ ኣብቲ እዋኑ እተረኽበ ሓገዝ”

1 ልክዕ ኣብቲ ዘድልየና እዋን ሓገዝ ክንረክብ ከሎና ክሳዕ ክንደይ ዘበራትዕ ኰን ኢዩ! (እብ. 4:​16) ኣብቲ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” እተባህለ ኣውራጃዊ ኣኼባ ልክዕ ኣብ እዋኑ እተረኽበ ንሓገዝ ዝኸውን ክልተ ፍሉይ ምድላዋት ምስ ረኸብና ተሓጒስና ኢና።

2 እታ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብቲ ግቡእ ግዜኣ እተረኽበት ኢያ። ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ከም ዝህሉ ኣብ ዝገብር ኣርባዕተ መሰረታዊ ነገራት ኢያ እተተኵር:- (1) ርእሰ⁠-ግትኣት (2) ንርእስነት ኣፍልጦ ምሃብ: (3) ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከምኡውን (4) ፍቕሪ። ኣብታ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ተዋሂቡ ዘሎ ማዕዳ ንዅለን እተን ኣብ ግብሪ ዘውዕልኦ ስድራቤታት ኣምላኻዊ ሰላም ክረኽባ ክሕግዘን ኢዩ። ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ ብጥንቃቐ ከተንብባን ከም ስድራቤት ኴንኩም ከተጽንዕዋን ግዜ መድብ። ኣብ መጋቢት ንመጀመርታ ግዜ ንሰባት ክትዕደል ከላ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንኽትጥቀመላ እተዳሎኻ ምእንቲ ክትከውን ምስቲ እተፈላለየ ትሕዝቶታታ ተላለ።

3 እታ ኣምላኽ ካባና እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧ እትበሃል ሓዳስ ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ክቀላጠፍ ንምሕጋዝ ልክዕ ኣብቲ እዋኑ ኢያ ተረኺባ። ብፍላይ ነቶም ውሱን ናይ ምንባብ ክእለት ዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ እትጠቅም እኳ እንተዀነት: ከንብቡ ንዝኽእሉ ብዙሓት ዓበይትን ንኣሽቱ ቈልዑን ካብቲ ንመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት ቀሊል መግለጺኣ ክጥቀሙ ኢዮም። ናብ መጽሓፍ ፍልጠት ከም መሰጋገሪት እምኒ ብምዃን ጽንዓት ንምጅማር ጥራይ ክትጠቅም ትኽእል ኢያ። እዛ ምድላው እዚኣ ብዙሓት ተወሰኽቲ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ብምግባር ክሳዕ ክንደይ ኣብዚሖም ክባረኹ ከም ዝኽእሉ ንኸማስው ከም እትሕግዞም እተረጋገጸ ኢዩ።

4 ዳዊት ‘ዝጐድሎ ከም ዘይነበሮ: ነፍሱ ህድእቲ ምንባራ: ጽዋኡ ድማ ምጅርባቡ’ ክዛረብ ከሎ: ንስምዒታትና ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኢዩ ገሊጽዎ። (መዝ. 23:​1, 3, 5) ነቶም ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: የሆዋ ክፈልጥዎን ከገልግልዎን ብቕንዕና ዝብህጉ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ነዚ ዘደንቕ መንፈሳዊ ሓገዝ ከነመሓላልፈሎም ተሓጒስና ብተስፋ ንጽበ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ