እተፈላለየ ዕድመ ንዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ሓጐስ ስድራቤት ምዕዳል
1 ሓደ ኣብ ካሊፎርንያ ዝነብር ወዲ 11 ዓመት: ንመጽሓፍ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘለዎ ሞሳ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ንዓኣ ብምርካበይ ኣዝየ ኢየ ዘመስግን: ጽብቕቲ መጽሓፍ ስለ ዝዀነት ካልኦት ስድራቤታት እውን ከንብባኣ አተባብዐን። ኣብ ቤትና ሰላምን ሓጐስን ንኽህሉ ንስድራቤትና ትሕግዘና . . . ኣላ።” ናይዚ ወዲ ተመክሮ እተፈላለየ ዕድመ ንዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ሓጐስ ስድራቤት ክንዕድሎም ከተባብዓና ኣለዎ። እዚ ቀጺሉ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኣገልግሎትካ ክትፍትኖ እትኽእል ገለ ነጥብታት ዝሓዘ ኢዩ።
2 መንእሰይ ምስ እትረክብ ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ብዙሓት ኣብ ናትካ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ብዛዕባ መርዓ ይሓስቡ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ርጡብ ሓበሬታ ኣበይ ኢኻ ክትረክብ እትኽእል፧ [መልሲ ተጸበ።] መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ንኽምርዓዉ ድሉዋት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ይጠራጠሩ ኢዮም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም እትብል ከካፍለካ ምደለኹ።” ኣብታ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 14 ገንጽል እሞ ቍጽሪ 3 ኣንብብ። ድሕርዚ ኣብታ ምዕራፍ ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ኣርእስቲ ኣርእዮ። ነታ መጽሓፍ ሃቦ እሞ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ቈጸራ ግበር።
3 ምስ ሓደ ወላዲ ክትዛረብ ከሎኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ንወለዲ ኣብ ምዕባይ ቈልዑ ብሓቂ ክሕግዞም ዝኽእል ተግባራዊ መምርሒታት ነካፍሎም ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብዛ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ ኢዩ።” ገጽ 55 ገንጽል። ቍጽሪ 10 ከምኡውን ነቲ ኣብ ቍጽሪ 11 ዝርከብ ዘዳግም 6:6, 7 ኣንብብ። ድሕርዚ ነቲ ካብ ቍጽሪ 12 ክሳዕ 16 ዘሎ ብሰያፍ እተጻሕፈ ምሉእ ሓሳባት ጥቐስ። ከምዚ ብምባል ድማ ቀጽል:- “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንብዙሓት ወለዲ ነቲ ዘለዎም ሓላፍነት ዝያዳ ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ንኽዋጽእሉ ሓጊዛቶም ኢያ።” ነታ መጽሓፍ ኣበርክተሉ።
4 ምስ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ክትዛረብ ከሎኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ብዛዕባ እዛ ቀጺለ ዘንብባ ሕጽር ዝበለት ሓሳብ እንታይ ሓሳብ ምሃብኩም፧” ኣብታ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 169 ገንጺልካ: ነተን ኣብ ቍጽሪ 17 ዘለዋ ክልተ ናይ መጀመርታ ምሉኣት ሓሳባት ኣንብበን። ካብኡ መልሲ ክህቡ ሕተቶም። ኣብቲ ዝወሃብ መልሲ ብምምርኳስ ቅድሚ ነታ መጽሓፍ ምዕዳልካ ካልእ ተወሳኺ ነጥብታት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
5 እታ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ክትዕድል ከሎኻ: ጽንዓት ምጅማር እውን ኣብ ኣእምሮኻ ሓዞ። ካብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ብትምህርቲ 8: ካብታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ከኣ ብምዕራፍ 15 ጽንዓት ንኸተጀምር ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ እናገበርና ኸሎና ግን: እተፈላለየ ዕድመ ንዘለዎም ሰባት ሕጉስ ክርስትያናዊ ናብራ ስድራቤት ንኽሃንጹ ክንሕግዞም ንጽዓር።