ናይ ቀደም መጻሕፍትና ብጽቡቕ ንጠቐመሎም
1 የሆዋ ኣኽል–ታርፍ ዝኾነ ሃብታም መንፈሳዊ መግቢ ሂቡና ኣሎ። ዝበዝሕ ካብዚ መጻሕፍቲ እዚ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እተሓትመ 192 ገጽ ዘሎዎ ኢዩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝኾነ 192 ገጽ ዘለዎ ቅድሚ 1982 እተሓትመ መጽሓፍ ክንዕድል ኢና። ካብዞም መጻሕፍቲ እዚኦም ገና ዘይኣረጉ ኣብ ገዛኻ ኣለዉኻዶ? እታ ጉባኤ ኣብ መኻዚኖ ቁሩብ ኣለዋዶ? እንተድኣ ኣልዮም ነቲ ትሕዝትኦም ክትደግሞን ኣብ ኣቀራርባኻ ክትጥቀመሎም እትኽእል ገለ ናይ መዛራረቢ ነጥብታት ክትወስድን ጽቡቕ ኢዩ።
2 ንመጽሓፍ “ዘለኣለማዊ ዕላማ” [እንግሊዝኛ] ትጥቀም እንተድኣ ኣሊኻ ከምዚ ብምባል ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “[ሰላምታ።] ካብ ቃል ኣምላኽ ሓደ ዘተባብዕ ሓሳባት ከነካፍለካ ንደሊ ኣሎና። የሱስ ስለምንታይ ክንጽሊ ከም ዝማሃረና ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ:- [ማቴዎስ 6:9, 10 ጥቐስ።] ኣብ ብዙሕ ትርጕማት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተሎ ብዙሓት ዝረኸብናዮም ሰባት ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ቁሩብ ኢዮም ሰሚዖም ዘለዉ። ሓንቲ ሓጻር ቍጽሪ ከንብበልካ ፍቐደለይ። [ገጽ 16 ቍጽሪ 21 ክፈት።] እቲ ዘለኣለማዊ ዕላማኡ ቀልጢፉ ክፍጸም ከሎ ስም ኣምላኽ ኪቕደስ ኢዩ። እዚ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እውን እተኣሳሰረ ኢዩ። ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ትርጕም ናይቲ ኣብ ናይ ኣብነት ጸሎቱ ዘሎ ቃላት የሱስ ብዙሕ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ።”
3 ንመጽሓፍ “ዓቢ መምህር” [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] ተበርክታ እንተድኣ ኣሊኻ ነዚ ኣቀራርባ እዚ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “[ሰላምታ።] ኣብዚ ወርሓት እዚ ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ክርስቶስ ይሰምይዎ ኢዮም። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባኡ ከም ቈልዓ ወይ ክመውት ዝሳቐ ከም ዘሎ ሰብ ገይሮም ይሓስቡ። ስለዚ ብዛዕባ ምውላዱን ምሟቱን ጥራይ ይሓስቡ። ብዛዕባ እቶም ዝበሎምን ዝገበሮምን ዘደንቑ ነገራት ከይተስተብሃለሎም ኢዮም ዝሓልፉ። ኣብ ዮሃንስ 17:3 ብዛዕባኡ ርጡብ ፍልጠት ክንወስድ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ነንብብ። [ኣንብቦ።] ንኣብነት ናብዘን ንሱ ከም ዓቢ መምህር ኰይኑ ዝማሃረን ኣርእስትታት እሞ በጃኻ ኣስተብህል።” ናብ ገጽ 3ን 4ን ናይታ መጽሓፍ ክፈት እሞ ኣበርክታ።
4 ካልኣ መእተዊ ነዛ ዕደላ እዚኣ ከምዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:-
◼ “ሰላም። ኣነን [ገዛእ ርእስኻ ኣፋልጥ] ዓርከይን [ስም ሃብ] ነዞም ሕጂ ኣብ ናብራ ስድራቤት ዘለዉ ሽግራት ብኸመይ ብዝበለጸ ከም እትዋጽኣሎም ምስ ወለድን መንእሰያትን ግዜ ወሲድና ክንዘራረበሎም ጸኒሕና። ኣብዘን መዓልትታት እዚአን ቈልዑ ከተዕቢ ቀሊል ከም ዘይኰነ ተሞኪርክምዎ ትኾኑ። [ሓጺር ዕረፍቲ ግበር።] ዝበዝሑ መንእሰያት ክቐድሕዎ ዝኽእሉ ብሉጽ ኣብነት ሃለው ይብሉ ኢዮም: እቲ ዝበለጸ ኣብነት ድማ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ: ኣይኮነን ድዩ? [ሓሳብ ክህቡ ኣፍቕደሎም።] ኣብ 1 ጴጥሮስ 2:21 ከምዚ ነንብብ:- [ኣንብብ።] ብዙሓት ንዕኡ ክመስሉ እንተዝፍትኑ ዓለም ከመይ ምኾነት ኢልካ ትሓስብ? [መልሲ ተጸበ።] ስድራቤታት ካብኡ ክማሃራን ክመስልኦን እትሕግዘን ጽብቕቲ መጽሓፍ እንሄትልካ።”
5 እታ “ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ?” [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] እትበሃል ብሮሹር ክትጥቀም ትመርጽ ትኸውን። ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ነዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ስለምንታይ ሰቓይ ክህሉ ኣፍቂዱ ኢሎም ይግረሙ። ንሱ ኵሉ ዝኽእል ስለ ዝኾነ ንስቓይና መወዳእታ ምእንቲ ክገብረሉ ስለምንታይ ገለ ነገር ዘይገብር? ንስኻኸ ከመይ ይስምዓካ? [ክምልሽ ኣፍቅደሉ።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘይረሰዓና የረጋግጸልና ኢዩ።” ገጽ 27 ቍጽሪ 22 ገንጺልካ መዝሙር 37:11, 29 ኣንብብ። ነቲ ክንጽበዮ እንኽእል ዝገልጽ ማራኺ ስእላዊ መግለጺ ኣመልክት። እታ ብሮሹር እንተድኣ ተቐቢሎማ: ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትጥቀመላ ከም እትኽእል ከተርእዮም ተመሊስካ ኽትመጽእ ምዃንካ ግለጸሎም።
6 ጽሑፋትና ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ቅርብ ኢሎም ክምርምርዎ ኣለዓዒልዎም ኢዩ። እቲ እተማህርዎ ሕጕስ መጻኢ ክህልዎም ተስፋ ኣምጺኡሎም ኢዩ። (መዝ. 146:5) ክንሕግዞም መሰልና ኢዩ።