ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ከም እትግደስ ኣርኢ
1 ካብ ማዕጾ ናብ ማዕጾ ብምኻድ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ክትደሊ: ካልኦት ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ክሰምዑ ኣጋጣሚ ክረኽቡ ዘሎካ ድሌት ዘርኢ ኢዩ። ስለዚ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ እትገብሮ ዕደላ መጽሔት ክትከታተሎ ርግጸኛ ኵን: ከመይሲ እዚ ብዛዕባ ካልኦት ዘሎካ ተገዳስነት እተርእየሉ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ።
2 ኣብቲ ቀዳማይ እግርኻ ጽቡቕ መዘኻኸሪ ምውሳድ መሰረት ናይ ዕዉት ተመላሊስካ ምብጻሕ ኢዩ። እንታይ ከም እተዘራረብካ: እንታይ መጽሔት ከም ዝገደፍካሎምን ኣብ ምምላስካ ናይ መዘራረቢኻ ኣርእስቲ እንታይ ከም ዝኸውንን ጽሓፎ። ብድሕሪኡ ካብ ትራክት: ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ምምርማር [እንግሊዝኛ] ወይ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] ዝሳማማዕ ኣርእስቲ ኣዳሉ። ብሮሹራትውን ክትጥቀመሎም ይከኣል ኢዩ። ከም ቀንዲ ነጥቢ ኰይነን ምእንቲ ከገልግላኻ ነዘን ጽሑፋት እዚኣተን ከተስምረለን ትኽእል ኢኻ ወይ ድማ ንመዘኻኸሪ ዝኸውን ንእሽቶ ኢደ–ጽሑፍ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣዝዩ ብዙሕ ኣርእስቲ ክትሽፍን ወይ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሕቶ ክትምልስ ኢልካ ኣይትፈትን: የግዳስ ንጽንዓት ምእንቲ ኪኸውን ኣብቲ መወዳእታ ንሓደ ሕቶ ወይ ኣርእስቲ ከይዓጸኻ ሕደጎ።
3 ነታ “ዓቢ መምህር” እትበሃል መጽሓፍ ዓዲልካያ እንተ ኔርካ: ሓደ ኣቀራርባ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ከምዚ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ:-
◼ “ካልኣይ ግዜ ክረኽበካ ደስ ኢዩ ዝብለኒ። ብዛዕባ ቈልዑ ምዕባይ ንየሱስ ከም ዝበለጸ ኣብነት ገይርካ ምውሳዱ ዝብል ኣብ ቀረባ እተዘራረብናዮ ዘኪርካዮ ክትከውን ተስፋ እገብር። ሎሚ ንቈልዑ ብኸመይ ንህይወት ከም እተለማምዶም ዘርኢ ሒደት ጥቕስታት ኣዳልየ ኣለኹ። [ኤፌ. 6:4፣ ምሳ. 22:6, 15፣ 23:13, 14፣ ካብ ኣርእስቲ ቁጽሪ 38መ “መርዓ” ተጠቐም።] ብድሕሪኡ ካብታ ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] እትበሃል ትራክት ሒደት ዓንቀጻት ሓቢርኩም ምስ ኣንበብኩም እቲ ዝተረፈ ድማ ሓቢርኩም ከተጽንዕዎ ተመለሶም።
4 ካልእ ኣቀራርባ ከምዚ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ:-
◼ “ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዝርርብና ብዛዕባ ትምህርትታት ናይ የሱስ ብዝምልከት ርጡብ ፍልጠት ከም ዘድሊ ተዘራሪብና ነይርና። ሓደ ካብቲ ናይ የሱስ ማራኺ መብጽዓታት ኣብታ ዓቢ መምህር እትበሃል መጽሓፍ ምዕራፍ 44 ኣብ ትሕቲ ‘ኣብ ገነት ምሳይ ክትከውን ኢኻ’ ዝብል ኣርእስቲ ተገሊጹ ኣሎ። ክሳዕ ኣብኡ ኣየንበብካያን ትኸውን: ስለዚ ነዞም ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ዘለው ቀንዲ ሓሳባትን ጥቕስታትን ምሳኻ ኰይነ ከንብቦም ምደለኹ።”
5 ንዕደላ ናይታ “ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ?” [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] እትበሃል ብሮሹር ብኸምዚ ዝብል ሓሳብ ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ‘ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ?’ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ እተልዕል ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ገዲፈልካ ነይረ። ነዛ ብሮሹር ምስ ኣንበብካያ ኣብ እንታይ መደምደምታ በጺሕካ? [መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ እታ ብሰላም ክንነብረላ እንኽእል ገነት ዝኾነት ሓዳስ ዓለም ተስፋ ዝህብ ጥቕስታት ምሰ ኣንበብካ ተጻናኒዕካ ትኸውን ኢኻ። [ነቲ ኣብ ገጽ 2ን 3ን ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ኣርኢኻ: ገለ ዝማርኽ መዳያት ናይታ ሓዳስ ዓለም ኣመልክት።] ንስኻን እቶም እተፍቅሮምን ኣብ ከምዚ ዝበለት ዓለም ክትነብሩ ከም እትደልዩ ርግጸኛ ኢየ። ኣብ ገጽ 31 ቍጽሪ 16 ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝብል እሞ ተዓዘብ።” ነታ ቍጽሪ ኣንብባ እሞ ንየሆዋ ምድላይ ማለት ንቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ብምጽናዕ ብዛዕብኡን ዕላማታቱን ዝያዳ ምምሃር ማለት ከም ዝኾነ ኣመልክት።
6 የሆዋ ነባጊዑ ዝግደስ ፈቃር ጓሳ ብምዃን ፍጹም ኣብነት ሰሪዑ ኣሎ። (ህዝ. 34:11–14) ፍቕራዊ ተገዳስነቱ ንምቕዳሕ እንገብሮ ቅኑዕ ጻዕሪ ንዕኡ የሐጕሶ: ፍቕርና የርኢ ከምኡውን ንኻልኦት በረኸት የምጽኣሎም።