ኣብ ኵሉ ናይ ብሮሹር ዕደላታት ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበር
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ስሊኡ: ኣተሓሳስባኦም ብምሕዳሶም’ ንሰብ ፊልጲ ንኢድዎም ኢዩ። (ፊል. 4:10 ትሓዓ) ነቲ ኣብነቶም ንግራት ኣገልግሎት ከም መርኣያ እንተድኣ ተጠቒምናሉ: ምእንቲ እቶም እንምስክረሎም ‘ኣተሓሳስባና ከነሐድስ’ ከምኡውን ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ቅልጡፋት ክንከውን ኢና።
2 “እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ” እትበሃል ብሮሹር ኣበርኪትካያ እንተድኣ ነይርካ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ዝነበረና ምይይጥ ክሓስብ ከሎኹ: ከካፍለካ ዝደልየን ክልተ ጥቕሲ ኣብ ኣእምሮይ መጻኒ። ብዛዕባ ኣምላኽ ግዝኣት ናይ ምድሪ ምውሳዱ ዝምልከት ተዘራሪብና ምንባርና ትዝክሮ ትኸውን ኢኻ። የሆዋ ኣምላኽ እዚ ክፍጸም ምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመባጺዑ ኣሎ። [ዳንኤል 2:44 ኣንብባ።] እዚ ብሓቂ ክፍጸም ይኽእል ምዃኑስ ትኣምኖዶ ኢኻ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ መብጽዓታቱ ክፍጽም ዘለዎ ክእለት ኣምላኽ ዝበሎ እሞ ስማዕ። [ኢሳይያስ 55:11 ኣንብባ።] እዝስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እምነት ከነሕድር ዘተባብዕዶ ኣይኰነን፧” ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ዝቕጽል ምብጻሕካ ከም እትምልሳ ግለጸሉ።
3 ናብቲ ነታ “እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ኸሎ” እትበሃል ብሮሹር ዝወሰደ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ: ነዚ ኣቀራርባ ክትጥቀም ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ነቲ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ብሞት ምስኣን ዝምልከት ዝገበርናዮ ምይይጥ ኣብ ግምት ብምእታው ንኽምለስ ፍሉይ ጻዕሪ ኢየ ገይረ።” ነቲ ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ እናኣርኣኻ ከምዚ በል:- “ነዚ ሰባት ተንሲኦም ምስ ፍቑራቶም ክራኸቡ ከሎው ዘርኢ ዘሐጕስ ትርኢት ትዝክሮዶ ኢኻ፧ እዚ ኣበይ ኢዩ ክፍጸም: ኣብ ሰማይዶ ወይስ ኣብ ምድሪ ዝብል ሕቶ ሓቲተካ ነይረ። ምናልባት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኣብ ገጽ 26 ናይዛ ብሮሹር ረኺብካዮ ትኸውን ኢኻ።” ነቶም ካብ ሳልሳይ ክሳዕ ሓምሻይ ዓንቀጻት ዘለዉ ቀንዲ ነጥብታት ተመያየጠሎም እሞ ንዮሃንስ 5:21, 28, 29 ኣንብብ። ግዜ ከም ዘፍቅዶ ነቲ ኣብታ ገጽ ዘሎ ዝተረፈ ጥቕስታት ኣንብቦ።
4 በታ “ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጐሱ!” እትበሃል ብሮሹር ገይርካ ጽንዓት ክትጅምር ትኽእልዶ፧
◼ በቲ ናይ ሞት ኣርእስቲ (ስእልታት 8-17) ወይ በቲ ገበር ገይርካ ከምዚ ኢልካ ብምሕታት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:- “ኣብ ከምዚ ኣብዚ ስእሊ እዚ ተራእዩ ዘሎ ዓለም ክትነብር እንተ ትዕደም ምተቐበልካዮዶ፧” (ከምኡውን [ወይ ድማ] ንስእልታት 47ን 49ን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።) ድሕርዚ ንዮሃንስ 17:3 ጥቐስ እሞ ብዛዕባ ፈጣሪና ዝያዳ ክንፈልጥ ከም ዘድልየና ኣጋንን። ብድሕሪኡ ናብ ስእሊ 1 ከምኡውን ናብቲ ናይቲ ስእሊ መግለጺ 1ን 2ን ኪድ። ኵነታት እንተድኣ ፈቒድዎ ነቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ኣንብቦም እሞ ናብ ስእልታት 4ን 5ን ቀጽል። ንዝመጽእ ምብጻሕካ ምትዕርራይ ግበር። ድሕሪ ሳልሳይ ምብጻሕካ እቲ መጽናዕቲ ዝቕጽል እንተድኣ መሲሉ ናይ ሓድሽ ጽንዓት ጸብጻብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ!
5 ምይይጥ ናይታ “እቲ ንዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ስም” ብኸምዚ ክትቅጽሎ ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ኣርእየካ ነይረ። ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ክትፈልጦን ክትጥቀመሉን ናይ ኣምልኾና ኣገዳሲ ክፍሊ ኢዩ።” ናብ ገጽ 31 ብምግንጻል ኣብተን ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ዓንቀጻት ዘሎ ቀንዲ ሓሳባት ድገሞ እሞ: ዮሃንስ 17:3 ከምኡውን ሚክያስ 4:5 ኣንብበን። ስም ኣምላኽ ብኸመይ ብግቡእ ክቕደስ ምዃኑን በረኸታት ናይ ገነታዊት ምድሪ ብኸመይ ከም እነስተማቕርን ከርኢ ዝኽእል መደብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ከም እንህብ ግለጽ።
6 ስለዚ ምእንቲ እቶም ዝረኸብካዮም ሰባት ኣተሓሳስባኻ ኣሐድሶ። ተመሊስካ ክትከይድ ኣይትተሓለል: ከምኡውን ገለ ጠቓሚ ነገር ከተካፍል ተዳሎ። ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ‘ፍረ ዝፈሪ’ ሰብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።—ማቴ. 13:23