ኣብ ኣገልግሎትካ እተፈላለየ ብሮሹራት ተጠቐም
1 ሎሚ ሰባት ኣብ እተፈላለየ ኣርእስትታት ይግደሱ ኢዮም። ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣገልግሎት ክትጽመድ ከሎኻ ነቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ሰባት እትሰማማዕ ሓንቲ ፍልይቲ ብምጥቃም ብዙሕ እተፈላለየ ብሮሹር ምሳኻ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ካብዞም ኣብዚ ዘለዉ ኣቀራርባታት ሓደ ክትፍትን ትደሊ ትኸውን:-
2 “እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ” እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ከተበርክት ከሎኻ ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ሓደ ዘይተለምደ ሕቶ ክንሓተካ ምፈቶና። ኣምላኽ ሓደ በይኑ ገዛኢ ነይሩ እንተ ዝኸውንሲ ዓለም ከመይ ምዀነት ኢልካ ትሓስብ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግዝኣት ክህልዎ ማለት ልክዕ እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመሃረና ናይ ጐይታ ጸሎት ወይ ከኣ ኣቡነ ዘሰማያት ገይርና እንሓቶ ሕቶ ኢዩ። [ኣብ ገጽ 3 ብምግንጻል ነታ ንማቴዎስ 6:10 እትጠቅስ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ኣንብባ።] ኣብ ከምዚ ዝዓይነታ ዓለም ክትነብር ትደሊ እንተድኣ ኴንካ: ነዛ ብሮሹር እዚኣ ከተንብባ ይግብኣካ።” ነቲ በዓል ቤት ኣበርክታ።
3 እታ “እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ኸሎ” (እንግሊዝኛ) ብኸምዚ ክትቀርብ ትኽእል ኢያ:-
◼ “ዋላ ሓደ ካባና ዘፍቅሮ ሰብ ብሞት ዘይስእነላ መዓልቲ ክትመጽእ ኢያ ኢልካዶ ትሓስብ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ብጽቡቕ ተጻሒፋ ዘላ ብሮሹር: ከምዚኣ ዝበለት መዓልቲ ኣብዚ ቀረባ መጻኢ ግዜ ምህላዋ በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርግጸኛ መብጽዓ ገይራ ንሚልዮናት ኣጸናኒዓ ኢያ። [ናብ ገጽ 5 ብምግንጻል ን1 ቈረንቶስ 15:21, 22 ሓዊስካ ነታ ሓምሸይቲ ዓንቀጽ ኣንብባ። ብድሕሪኡ ናብቲ ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ኪድ።] ኣብዚ እቲ ስኣላይ ነቶም እነፍቅሮም ምዉታትና ኣብ ትንሳኤ ክንቅበሎም ከሎና ክህልወና ዝኽእል ሓጐስ ኢዩ ዘጕልሕ ዘሎ። ግን እዚ ከምዚ ዝበለ ዘሐጕስ ትርኢት ኣበይ ኢዩ ክፍጸም፧ እዛ ብሮሹር እዚኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዝህቦ መልሲ ከተርእየካ ኢያ።” ነታ ብሮሹር እንተድኣ ተቐቢሉዋ: ከምዚ ኢልካ ክትውስኽ ትኽእል ኢኻ:- “ተመሊሰ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዝያዳ ክንዘራረበሉ ምፈቶኹ ነይረ።”
4 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምር ነዚ ቀጥታዊ መእተዊ እዚ ብምጥቃም ነታ “ብምንባር ተሓጐሱ” እትበሃል ብሮሹር ከተበርክታ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ንጐረባብተይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ዘለዎም እንተድኣ ኰይኑ ክሓቶም ኢየ ጸኒሐ። እዛ ሕታም እዚኣ ንገለ ካብቶም ወትሩ ዝለዓሉ ሕቶታት ትዝርዝር ኢያ።” [ናብ ገጽ 2 ብምምልካት ገለ ሕቶታት ምረጽ።] ብድሕሪኡ ናብቲ ብዛዕባ ሞት ዝገልጽ ስእልታት 15-17 ብምግንጻል ምስቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝገልጽ ስእሊ 48 ኣዛምዶ። ከም ኣማራጺ ንስእልታት 20-23 ወሲድካ ምስ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ከተተሓሕዞ ትኽእል ኢኻ። ነታ ብሮሹር ብምብርካትን ነቶም ካልኦት ሕቶታት ክትዘራረበሎም እትኽእለሉ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምምዳብን ዛዝም።
5 በታ “እቲ ንዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ስም” እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ገይርካ ነዛ ቀላል ኣቀራርባ ክትፍትን ትደሊ ትኸውን:-
◼ “ሓደ ካብቶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎም ቀዳሞት ነገራት ስም ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። እንታይ ምዃኑስ ትፈልጦዶ ኢኻ፧ [መልሲ ተጸበ።] ከርእየካ እሞ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 83:18 ኣሎ። [ኣንብባ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ ስም ኣምላኽ: የሆዋ: ብእተፈላለየ ቋንቋታት እንታይ ከም ዝመስል ተርኢ ኢያ። [ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን ኣርእዮ።] ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ዝያዳ ክትማሃር እንተድኣ ደሊኻ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ከተንብባ ኣሎካ።” እታ ብሮሹር ነቲ ብዓል ቤት ሃቦ።
6 ከምኡውን ነተን “ናይ ምዉታት መናፍስቲ—ክሕግዙኻዶ ወይስ ክጐድኡኻ ኢዮም ዝኽእሉ፧” (እንግሊዝኛ) ወይ ድማ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ፧ ዝኣመሰላ ብሮሹራት ከተበርክተን ትኽእል ኢኻ። በዘን ጽቡቓት ዝዀና ብሮሹራት ተጠቒምና: ‘ንትሑታት ብስራት ከነበስር’ ብርግጽ ተዓጢቕና ኢና።—ኢሳ. 61:1