ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/10 ገጽ 2
  • ንኽትብርከት እተዳለወት ሓዳስ ብሮሹር!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኽትብርከት እተዳለወት ሓዳስ ብሮሹር!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ ከም እትጥቀመላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንኻልኦት ናይ ሓቂ ሓልዮት ብምርኣይ ንየሆዋ ምሰልዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ናይታ መንግስቲ ብስራት ብብሮሹራት ገይርኩም ኣውጁዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ኣብ ኣገልግሎትካ እተፈላለየ ብሮሹራት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 10/10 ገጽ 2

ንኽትብርከት እተዳለወት ሓዳስ ብሮሹር!

1. ኣብ ወርሒ ሕዳር እንታይ ኢና ኽንዕድል፧ ዕላማ እታ ጽሕፍቲኸ እንታይ እዩ፧

1 ኣብቲ ብ2009 እተገብረ “ንቕሑ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ ዘርእስታ ሓዳስ ብሮሹር ወጸት። ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ንመጀመርታ ግዜ ኺዕድላኣ እየን። እታ ጽሕፍቲ፡ ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባት እትጠቕሞም ብኸመይ እያ፧ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ኣባላት እተን ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀና ሃይማኖታት፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዚ ኸኣ እያ እታ ብሮሹር ኣብ ገጽ 3፡ “ብዛዕባ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ” ንኽትገልጽ ከም እተዳለወት እትሕብር።

2. ነታ ብሮሹር ብኸመይ ክንዕድላ ንኽእል፧

2 ብኸመይ ከም እነበርክታ፦ ከምዚ ዚስዕብ ክንብል ንኽእል ኢና፦ “ብዛዕባ እዚ ዘሎካ ርእይቶ ኽንሰምዕ ምደለና። [2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።] መብዛሕትኦም ዘዘራረብናዮም ሰባት ምስዚ ሓሳባት እዚ ይሰማምዑ እዮም፣ ገሊኦም ከኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ጽቡቕ መጽሓፍ ጥራይ ገይሮም ይርእይዎ። ንስኻኸ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሃይማኖትና ብዘየገድስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ባዕልና ኽንምርምር ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። [ነቲ ኣብ ገጽ 3 ዚርከብ ናይ መእተዊ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብብ።] ነዚ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዚርከብ መሳጢ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክትረክብ ኢኻ። እዚ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሓፈሻዊ ፍረ-ነገርን መልእኽትን ዘለዎ ምዃኑ እዩ።”

3. ብፍላይ፡ ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀነ ሃይማኖት ዘለዎም ሓያሎ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ኽሊ ኽንሰብኽ ከለና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ካልእ ኣቀራርባ ጥቐስ።

3 ብፍላይ፡ ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀነ ሃይማኖት ዘለዎም ሓያሎ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ቦታታት ክንሰብኽ ከለና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ካልእ ኣማራጺ እንሆ፦ “ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት (ወይ ኣብዚ ቕዱስ መጽሓፍ እዚ) ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት እንታይ ርእይቶ ኸም ዘሎካ ኽንሰምዕ ምደለና። [መዝሙር 37:11 ኣንብብ።] እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ዚፍጸመሉ ግዜ ምድሪ ኸመይ እትኸውን ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ኣብነት እዚ፡ ኵሎም ሰባት፡ ባህሎም ወይ እምነቶም ብዘየገድስ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋን ምጽንናዕን ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር እዩ።” ነቲ ኣብ ገጽ 3፡ ኣብ ላዕሊ ዚርከብ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንቢብካ፡ ነታ ብሮሹር ኣበርክታ።

4. ነዛ ብሮሹር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ክንጥቀመላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር፦ ነቲ በዓል ቤት ተመሊስና ኽንበጽሖ ምስ ከድና፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እተመያየጥናሉ ኽፋል ዘሎ ሕቶታት ተጠቒምና፡ ሓደ ወይ ክልተ ሕጡብ ጽሑፍ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እተዘራረብናሉ ነጥብታት ከነዘኻኽሮ ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ብኡንብኡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ከነርእዮ እንተ ደሊና፡ ንዳሕረዋይ ገጽ እታ ብሮሹር ምስኡ ዄንና ኸነንብባ፡ ነታ መጽሓፍ ከነበርክተሉ፡ ኣየነይቲ ምዕራፍ ከም ዝሰሓበቶ ኽንሓቶ፡ ድሕሪኡ ሓንቲ ወይ ክልተ ሕጡብ ጽሑፍ ምስኡ ዄንና ኽንመያየጠሉ ንኽእል ኢና። ስለዚ እምበኣር፡ ኵላትና ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ኣብ ምብርካት ኣብ ዚግበር ወፍሪ፡ ምሉእ ብምሉእ ንሳተፍ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ