ቲኦክራሲያዊ ዜና
◼ ኣብ ቡልጋርያ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ7 ጥቅምቲ 1998 ብወግዒ ብምምዝጋብ ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኺቦም። ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ስለ እተራእየ ንሕና እውን ምስቶም ኣብኡ ዝርከቡ 946 ኣስፋሕቲ ኴንና ንየሆዋ ነመስግኖ።
◼ ብ12 ጥቅምቲ 1998 መንግስቲ ላትቪያ ካብተን ኣብታ ሃገር ዝርከባ 21 ጉባኤታት ነተን ናይ መጀመርታ 2 ጉባኤታት ክምዝገባ ፈቒዱለን።
◼ ኣብ ፈረንሳ ምጽራር እኳ እንተ ሃለወ: እቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋት ብዘይምቍራጽ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። ንኣቓልቦ ናይ ሰባት ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምስሓብ ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን ኣብ እተገብረ ወፈራ ነታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትበሃል ብሮሹር ኣብ ምዕዳል ዘተኰረ ነበረ። 50 ዝዀኑ ቤትኤላውያን ኣብ ዕዮ ሕትመትን ጽሑፋት ምልኣኽን ምእንቲ ክሕግዙ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክኸዱ ከለዉ: እቶም ዝተረፉ 250 ኣባላት ስድራ ቤትኤል ፈረንሳን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ተጸሚዶም ዘለዉ ካልኦት ኣሕዋትን ግን ኣብ ትሕቲ ህዱእ ሃዋሁ ብሓጐስ ምግልጋል ይቕጽሉ ኣለዉ።
◼ እዚ ዝስዕብ ኣደራሻት መንግስቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ንየሆዋ ተወፍዩ:- ኣለታ ወንዶ: ኣዋሳ: ደሴ: ጊንጪ: ሻሸመኔ: ሲባጫሮ: ወሊሶ: ይርጋለም።