ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ወይ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ። ሚያዝያን ግንቦትን:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት። እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ንምሃብ ምሳኻ ተማላእ: ከምኡውን ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ጻዕሪ ግበር።
◼ ካብ መጋቢት ጀሚሩ እቲ ብናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ ዝርርብ “ኣምላኽ ንዓኻ ክሳዕ ክንደይ ናይ ሓቂ ኣካል ኢዩ፧” ዝብል ክኸውን ኢዩ።
◼ እቲ ናይ 1999 ናይ ዝኽሪ በዓል ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ዝወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ሰንበት 18 ሚያዝያ ክቐርብ ኢዩ። ኣርእስቲ ናይቲ ዝርርብ “ምስ ኣምላኽን ጐረባብትን ሓቀኛ ዕርክነት ምግባር” ዝብል ኢዩ። እተዋጽአ ጽሑፍ ክለኣኽ ኢዩ። እተን ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ናይታ ሰሙን እቲኣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ: ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ: ወይ ድማ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ዘለወን ጉባኤታት እቲ ፍሉይ ዝርርብ ኣብታ ቀጺላ ዘላ ሰሙን ክወሃበን ኢዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ ዝርርብ እዚ ቅድሚ 18 ሚያዝያ 1999 ክትወስዶ ኣይግባእን ኢዩ።
◼ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ንምግባር እዚ ዝስዕብ መደብ ወጺኡ ኣሎ:-
24 ጥሪ መቐለ
31 ጥሪ ጅማ
31 ጥሪ ደሴ
7 ለካቲት ኣምቦ
8 ግንቦት ኣርባ ምንጭ
9 ግንቦት ሶዶ
16 ግንቦት ድሬዳዋ
23 ግንቦት ናዝሬት
23 ግንቦት ባህር ዳር
29 ግንቦት ኣለታ ወንዶ
30 ግንቦት ሻሸመኔ
29/30 ግንቦት ኣዲስ ኣበባ
5/6 ሰነ ኣዲስ ኣበባ
◼ ናይ 1999 ዓቢ ኣኼባ ዝግበረሉ ግዝያዊ ዕለታት:-
1-3 ጥቅምቲ ድሬዳዋ
8-10 ጥቅምቲ ደሴ
15-17 ጥቅምቲ ሻሸመኔ
22-24 ጥቅምቲ ኣዲስ ኣበባ
29-31 ጥቅምቲ ኣዲስ ኣበባ
5-7 ሕዳር ጅማ
12-14 ሕዳር ኣዲስ ኣበባ
◼ እቲ ጸሓፍን ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ኵሎም ስርዓታውያን ፓይነራት ንጥፈት ክምርምርዎ ኣለዎም። ነቲ ዘድሊ ሰዓታት ኣብ ምምላእ ሽግር ዘለዎ ምስ ዝህሉ: እቶም ሽማግለታት ንምሕጋዙ መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ንምርካብ ነቲ ኣብ 1 ጥቅምቲ ካብ ማሕበር ዝለኣኽ ዓመታዊ ደብዳቤታት S-201 ርኣዩ። ናይ ነሓሰ 1986 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው (እንግሊዝኛ) ቍጽሪ 12-20 እውን ርኣዩ።
◼ ኣብ መኽዘን ዘሎ ሓደስቲ ጽሑፋት:- ኣምሓርኛ:- መጽሓፍ ቅዱስ —ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ቃል ሰብ፧፣ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር —1999፣ እንግሊዝኛ:- ገዛእ ርእስኻ ናብ ምንባብ ወፊ፣ ናይ 1999 ዓውደ ኣዋርሕ፣ ኣውድዮ ካሴት:- ኪፕ ዩር ኣይ ሲምፕል፣ ናይ 1997 ሲዲ ዎች ታወር ላይብረሪ፣ ቪድዮ ካሴት:- ኖዋህ —ሂ ዎክድ ዊዝ ጎድ፣ ፈረንሳይኛ:- ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ደዩ፧፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ትግርኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር —1999።