ካብ 16 ጥቅምቲ ኽሳዕ 12 ሕዳር ዚካየድ ፍሉይ ወፈራ!
1 “ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 37 ኻብ ዚመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ መላእ ዓለም ክትዝርጋሕ እያ። ኣብ መጀመርታ ኽልተ ሰሙናት ወርሒ ጥቅምቲ: መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኽንዕድል ኢና። ካብ ሰኑይ 16 ጥቅምቲ ጀሚርና ኽሳዕ ሰንበት 12 ሕዳር ድማ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 37 ንምዝርጋሕ ኣብቲ ጽዑቕ ዕዮ ኽንካፈል ኢና። ኣብቲ ኣብ ኣዋን እዚ ወፈራ እዚ ዚህሉ ቐዳመ-ሰናብቲ: ምስቲ ሽዑ ዚዕደል መጽሔታት ጌርና ኽንዕድላ ኢና።
2 ኣብዚ መን እዩ ኺካፈል ዚኽእል፧ ኵሎም እቶም ነቲ ብስራት ብንጥፈት ዜስፍሑ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኣብዚ ወፈራ እዚ ኺካፈሉ እዮም። ገሊኦም ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብሩ ዘለዉ ውሉዳት ወይ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉኻዶ፧ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ዚበቕዑ እንተ ደኣ ዀይኖም ንምውሳን ምስ ሽማግለታት ኪዘራረቡ ሓግዞም። ሽማግለታት ነቶም ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ምስቶም ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ሓቢሮም ኣብዚ ወፈራ እዚ ኺሳተፉ ንኼተባብዕዎም ተበግሶ ኺወስዱ ኣለዎም።
3 ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ እንተ ወሓደ 30 ቕዳሕ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 37 ምእንቲ ኺሕዝ እዅል ቀረብ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ናብ ኵለን ጉባኤታት ይለኣኽ ኣሎ። ስሩዓት ፈለምቲ እንተ ወሓደ 250 ቅዳሕ ኪወሃቦም እዩ። ነቶም ገና ኣስፋሕቲ ዘይኰኑ ተገደስቲ ሰባት ንኣባላት ስድራቤቶምን ኣዕሩኽቶምን ምእንቲ ኺዕድልዎ ሓሓሙሽተ ቕዳሕ ኪወሃቦም ይከኣል እዩ። ኣስፋሕቲ ቝጽሪ እቲ ዚዕድልዎ ቕዳሓት ኪፈልጡን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እቲ ጸብጻብ ወፍሪ ኣገልግሎት ዚህቡሉ ወረቐት ኪጽሕፍዎን ኣለዎም። እቲ ጸሓፊ ንጠቕላላ ድምር እታ ጉባኤ ዝዓደለቶ ቕዳሓት ደሚሩ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪልእኮ እዩ። ድሕሪ እቲ ወፈራ ዝተረፈ ቕዳሕ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝዀነ መዳይ ኣገልግሎት ምጥቃም ይከኣል እዩ።
4 እንታይ ከም እትብል:- እቲ መልእኽቲ ብዝሰፍሐ መልክዑ ምእንቲ ኺዝርጋሕ: ኣቀራርባኻ ሓጺር ግበሮ። ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ:- “ኣብቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ብመልክዕ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝካየድ ዘሎ ኣገዳሲ መልእኽቲ ናይ ምዝርጋሕ ዕዮ እየ ዝካፈል ዘለኹ። እዚኣ ንዓኻ ብናጻ ኽህበካ እየ። በጃኻ ኣንብባ ኢኻ።” ካብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ከለኻ ንኣገልግሎት እትጥቀመሉ ቦርሳ እንተ ዘይተማላእካዮ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንዅሉ እቲ ዝረኸብካዮ ተገዳስነት ምምዝጋብ ኣይትረስዕ።
5 ንኽልኻ ብኸመይ ከም እትሽፍኖ:- ነታ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ኣብ ክንዲ እትዕድላ: ብእተኻእለካ መጠን ካብ ቤት ናብ ቤትን ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታትን እቲ ኽልኻ ኽትዕድላ ጽዓር። ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ መዝግቦም: ኣብ ካልእ ሰዓታት ወይ መዓልቲ ተመሊስካ ኽትበጽሖም ጽዓር። ካብ ሰኑይ 6 ሕዳር: ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ሓንቲ ቕዳሕ ኽትገድፈሎም ትኽእል ኢኻ። ሓንቲ ጉባኤ ኣብቲ እተወሰነ ግዜ ኪሽፈን ዘይከኣል ክሊ እንተ ደኣ ኣልይዋ ግን እቶም ሽማግለታት ኣብ ብምልኡ እቲ ወፈራ ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ቕዳሕ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ኪግደፈሎም ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም።
6 ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ኣመና ይቐርብ እዩ ዘሎ። ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምጥፍኣ ሰባት ካብኣ ኺወጹ ኣለዎም። (ራእ. 14:8፣ 18:8) ኣብዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ: ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምቕራቡ ዚእውጅ ወፈራ: ምሉእ ብምሉእ ንምስታፍ ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ መድብ።