ካብ 20 ጥቅምቲ ኽሳዕ 16 ሕዳር ትራክት ንምዕዳል ዚግበር ፍሉይ ወፈራ!
1 ካብ ሰኑይ 20 ጥቅምቲ ጀሚሩ ንኣርባዕተ ሰሙን ዚቕጽል፡ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ሓዳስ ትራክት ንምዝርጋሕ ኣብ ዚግበር ፍሉይ ወፈራ ኽንሳተፍ ኢና። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ፍሉይ ወፈራ እዚ፡ ሰባት ኣብቲ እንኮ ምንጪ ሓቂ ዘለዎም ተገዳስነት ንኼዛይዱ ኼለዓዕሎም ተስፋ ንገብር።—ዮሃ. 17:17
2 እታ ትራክት ነዘን ዚስዕባ ሽዱሽተ ሕቶታት ሓጺርን ኣዕጋብን መልሲ ትህብ፦ “ኣምላኽ ብሓቂዶ ይሓልየልና እዩ፧” “ንውግእን መከራን ዜብቅዓሉ ግዜ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧” “ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧” “ምዉታት ገለ ተስፋ ኣለዎምዶ፧” “ጸሎተይ ብኣምላኽ ንኺስምዓለይ ብኸመይ ክጽሊ እኽእል፧” ከምኡውን “ኣብ ህይወተይ ብኸመይ ሓጐስ ክረክብ እኽእል፧” ኣብያተ-ክርስትያን ነዚ ሕቶታት እዚ ዜዕግብ መልሲ ሂበናሉ ኣይፈልጣን እየን። ብዙሓት ክርስትያናት ኢና ዘይብሉ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ዚሓስቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር መልሲ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ግን ኣይፈልጡን እዮም። ስለዚ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ንብዙሓት ሰባት ኪስሕቦም ትጽቢት ንገብር።
3 ክልኻ ሸፍን፦ ብእተኻእለካ መጠን ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እትዓዮ ኽልኻ ኽትሽፍኖ ጽዓር። ዓብዪ ኽሊ እንተ ኣልዩካ፡ ነቶም ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕካ ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ እታ ትራክት ንኽትገድፈሎም፡ እቶም ሽማግለታት ኬተባብዑኻ ይኽእሉ እዮም። እዛ ትራክት እዚኣ ንጐረባብትኻ፡ ንኣዝማድካ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንእትፈልጦም ሰባት፡ ከምኡውን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ንእትረኽቦም ካልኦት ሰባት ምዕዳል ኣይትረስዕ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ወይ ሕዳር ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ንኸተገልግል ክትምድብ ትኽእል ኢኻ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብር ዘሎን ኣብዚ ወፈራ ድማ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ ኼገልግል ዚበቅዕን ውሉድ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎካዶ፧ እንተ ኣልዩካ፡ ንሽማግለታት ሓብሮም።
4 እንታይ ከም እትብል፦ እቲ መልእኽቲ ንብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኺበጽሖም፡ ኣቀራርባኻ ሓጺር ግበሮ። ንሰብ ቤት ሓደ ኻብቲ ኣብ ገበር እታ ትራክት ዚርከብ ሕቶታት ሕተቶም፡ ድሕሪኡ ነቲ ኣብታ ትራክት ዚርከብ መልሲ ኣርእዮም። እዚ ንኣስፋሕቲ ኣቀራርባኦም ምስ ከባቢኦም ከም ዚሰማማዕ ንኺገብርዎ ኺሕግዞም እዩ። ሓደ ሰብ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ መዝግቦ እሞ ተመሊስካ ድማ ብጽሓዮ። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ፡ ነቲ እዋናዊ መጽሔታት ምስታ ትራክት ጌርና ኽንዕድሎ ንኽእል ኢና። እቲ ወፈራ ኣብ 16 ሕዳር ምስ ተወድአ፡ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ክንዕድል ኢና። ካብቲ ወፈራ ዝተረፈ ትራክትታት፡ ልክዕ ከምቲ ኻልእ ትራክትታት ኣብ ኣገልግሎት ክንጥቀመሉ ኢና።
5 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር፦ እዛ ትራክት እዚኣ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር ንኽትሕግዘና ተባሂላ ብፍሉይ እያ ተዳልያ። ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸለኻ፡ ኣየናይ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንናዕ ወይ ዕረፍቲ ኸም ዘምጸኣሉ ሕተቶ። እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ዚገልጽ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እታ ትራክት ዚርከብ ሓበሬታ ኣርእዮ፡ ድሕሪኡ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ሃቦ። እንተ ተኻኢሉ፡ ካብቲ ብዛዕባ እታ ዝመረጻ ኣርእስቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ዚህብ ምዕራፍ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሕጡብ ጽሑፍ ኣሕጽር ኣቢልካ ተመያየጠሉ።
6 የሆዋ ነቶም “ብመንፈስን ብሓቅን” ዜገልግልዎ ሰባት ይደልዮም ኣሎ። (ዮሃ. 4:23) ሃየ እምበኣር፡ ካልኦት ንሓቂ ኺፈልጥዋ ንምሕጋዝ ኵላትና ኣብዚ ፍሉይ ወፈራ እዚ ንሳተፍ!