“ሓድሽ ሽሓዊ መዋእል —ኣብ መጻኢ እንታይ ኢዩ ዝጽበየካ ዘሎ፧”
1 እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከቡ ሰባት ኣላ። ደቅሰብ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብዙሕ ነገር እኳ እንተ ዓመሙ: እቲ ንኣሽሓት ዓመታት ዘሳቕዮም ሽግራት ሕጂ እውን ስለ ዘሎ ተስፋ ቀቢጾም ኢዮም ዘለዉ። (እዮ. 14:1፣ መዝ. 90:10) ደቅሰብ ኣበይ ደኣ ኢዮም ራህዋ ክረኽቡ ዝኽእሉ፧
2 ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን: ሰባት ናይዛ ሕቶ መልሲ ንኽረኽቡ ንምሕጋዞም ፍሉይ ኣጋጣሚ ተዳልዩልና ኣሎ። ብኸመይ፧ ነታ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ብምዕዳል ኢና ነዚ ኣጋጣሚ እዚ እንረኽቦ። ኣርእስቲ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ “ሓድሽ ሽሓዊ መዋእል—ኣብ መጻኢ እንታይ ኢዩ ዝጽበየካ ዘሎ፧” (እንግሊዝኛ) ዝብል ኢዩ። ኣብ መጀመርታ ክልተ ሰሙናት ናይ ጥቅምቲ: መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ክንዕድል ኢና። ድሕሪኡ ካብ ሰኑይ 16 ጥቅምቲ ክሳዕ ዓርቢ 17 ሕዳር ነታ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ኣብ ምዕዳል ጽዑቕ ወፈራ ክግበር ኢዩ። ኣብዚ ወፈራ እዚ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት ንምዕዳል ከነተኵረሉ ኢና። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኸኣ ምስቲ እዋናዊ መጽሔታት ብሓባር ገይርና ከንዕድላ ኢና።
3 ምሉእ ተሳትፎ ክህልወካ ድዩ፧ ሽማግለታት: ኣገልገልቲ ጉባኤ: ከምኡውን ፓይነራት ኣብዚ ዕዮ እዚ ግንባር-ቀደም ስለ ዝዀኑ: ኣብዚ ወፈራ እዚ መሪሕነት ክወስዱ ከድልዮም ኢዩ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ እዛ ጽሕፍቲ ኣብ እትዕደለሉ ሓዲኡ ወይ ኣብ ክልቲኡ ኣዋርሕ ሓጋዚ ፓይነር ኰይኖም ንምግልጋል ኵነታቶም ኣመዓራርዮም ኢዮም። ካልኦት ድማ ካብ ቀደሞም ዝበዝሐ ሰዓታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከሕልፉ መዲቦም ኣለዉ።
4 መራሕቲ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጕጅለኦም ዘሎ ኣስፋሒ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ኣብ ምዕዳል ንኽካፈል ብምትብባዕ ሓገዝቲ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ዕዮ ስብከት ዝዛሕተሉ ገለ ኣስፋሕቲ ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ሽማግለታት ነዚኣቶም ንምሕጋዝ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ንምፍላጥ ክበጽሕዎም ኣለዎም። ምናልባት ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣተን ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ምስ ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንኽዓዪ ምድላዋት ክግበር ይከኣል ኢዩ። እዚ ቀሊል ኣቀራርባ ናይ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ነዞም ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ንኽነቓቕሑ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።
5 ነቶም መጽሓፍ ፍልጠት ክውድኡ ዝቐረቡን ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንኽዀኑ ብቕዓት ዘለዎምን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ንኽጅምሩ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክዀነሎም ኢዩ። ንኣሽቱ እውን ከይተረፉ ኣብዚ ባህ ዘብል ዕዮ እጃሞም ከበርክቱ ይኽእሉ ኢዮም።
6 ቀሊል ኣቀራርባ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ። ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነዚ ኣዝዩ ጠቓሚ መልእኽቲ ኣብ [ስም ናይታ ከተማ ወይ ናይቲ ከባቢ ጥቐስ] ንዝርከቡ ስድራቤታት ንምዕዳል ብወለንታ እዓዪ ኣለኹ። እዛ ቅዳሕ እዚኣ ንዓኻ ኢያ። በጃኻ ግዳ ኣንብባ።” ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ክንዕድል ከሎና ንኣገልግሎት እንጥቀመሉ ቦርሳ እንተ ዘይተማላእና ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።