ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ሰፊሕ ዝርጋሐ ከም እትረክብ ግበር
1 ጥቅምትን ሕዳርን ንዅላትና ኣብ ዕዮ ጽሙዳት ዝገብራና ኣዋርሕ ክዀና ኢየን። ኣብተን ናይ መጀመርታ 11 መዓልትታት ናይ ወርሒ ጥቅምቲ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት ከነበርክት ኢና። ብድሕሪኡ: ካብ ሰንበት 12 ጥቅምቲ ክሳዕ ሰንበት 16 ሕዳር ኣብቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝግበር ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ክንሳተፍ ኢና። ነዚ ኣድላዪ መልእኽቲ እዚ ንዅሎም እቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ከነብጽሓሎም መሰል ክህልወና ኢዩ። እዚ ድማ መልሲ ናይቲ “ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዶዀን ይዀኑ፧” ዝብል ሕቶ ኢዩ። እዚ ፍሉይ ወፈራ እዚ ኣብ ዝካየደሉ እዋን: ኣብ ናይ ስራሕ መዓልትታት ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ክንዝርግሕ ኢና። ኣብ ቀዳመ-ሰንበት: ዜና መንግስቲ ኣብ ርእሲ ምዕዳልና: ናይ መጽሔታት እዋናዊ ሕታማት እውን ከነበርክት ኢና።
2 መን ኢዩ ክካፈል ዘለዎ፧ ሽማግለታት ከምቲ ልሙድ: ኣብቲ ዕዮ ግንባር-ቀደም ክዀኑ ኢዮም። ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝሕጐሰሉ ኢዩ: ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኸኣ ኣብ ሓዲኡ ወይ ኣብ ክልቲኡ ኣዋርሕ ናይቲ ወፈራ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከም ዝምዝገቡ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ካልኦት ኣስፋሕቲውን ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ንላዕሊ ዝያዳ ግዜ ኣብቲ ኣገልግሎት ምሕላፍ ከድልዮም ኢዩ።
3 ኣብ ምጽናዕ መጽሓፍ ፍልጠት ብጽቡቕ ዝቕጽል ዘሎ ከምኡውን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ንኽጽመድ ብቑዕ ዝኸውን ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለካዶ፧ ኣብቲ ወፈራ ዜና መንግስቲ ንኽጽመድ ምናልባት ኣቐድም ኣቢሉ ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነታ ትራክት ንሰባት ንምልላይ ቀሊል ኣቀራርባ ኣድላዪ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ከምዚ ኽብል ይኽእል ኢዩ:- “እዚ መልእኽቲ እዚ ኣዝዩ ኣድላዪ ስለ ዝዀነ ኣብዚ ወርሒ እዚ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብ169 ቋንቋታት ይዝርጋሕ ኣሎ። ናይ ብሕትኻ ቕዳሕ ክትህልወካ ምፈተኹ።” ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፉ ኣብዚ ዘሐጕስ ዕዮ ትርጕም ዘለዎ ተሳታፍነት ክህልዎም ይኽእል ኢዩ።
4 መራሕቲ ትምህርቲ መጽሓፍ እውን ኣብ ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ምሉእ ተሳታፍነት ንኽህልዎ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይታ ጕጅለኦም ከተባብዕዎ ኣለዎም። እቲ ዝድለ ምትብባዕ ምስ ዝዋሃቦም ኣብቲ ኣገልግሎት እንደገና ንጡፋት ክዀኑ ዝኽእሉ ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ክህልዉ እውን ይኽእሉ ኢዮም። ኣብዚ መዳይ ናይ ኣገልግሎት እዚ ምስቶም ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ክሓብሩ ንምሕጋዞም እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ቅድሚ እቲ ወፈራ ምጅማሩ እቶም ሽማግለታት ንነፍሲ ወከፎም ክበጽሕዎም ኣለዎም።
5 ንኣገልግሎት መዓስ ክንእከብ ንኽእል፧ ኵሉ እዚ ዕዮታት እዚ ነቲ ምቹእን ተግባራውን ዝዀነ ናይ ጕጅለ ምስክርነት ምድላዋት ምግባር ክሓትት ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ኣርባዕተ ሰባት ዘለዎ ንእሽቶ ጕጅለ ብሓባር ኣብ ሓደ ዞባ ብጥንቃቐ ንኽዓዪ ክምደብ ይከኣል ኢዩ። በብኽልተ ዀይኖም ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ናይቲ ዞባ ክዓዩ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ መገዲ እዚ: ብዙሕ ዞባታት ብተዛማዲ ኣብ ሓጺር እዋን ክሽፈን ይከኣል ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልትታት ናይ ሰሙን: ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ: ከምኡውን ኣብ ኣጋ ምሸት ኣብቲ ክትእከብሉ ዝከኣል ቦታ ንኣገልግሎት ዝኸውን ኣኼባታት ክዳሎ ኣለዎ። እቲ ኣኼባታት: ኣስፋሕትን ፓይነራትን ኣብቲ ናይ ምስክርነት ግዜ ምሉእ ጥቕሚ ክረኽብሉ ኣብ ዘኽእሎም ግዜያት ክካየድ ኣለዎ። ተማሃሮ: ናይ እብረ ሰራሕተኛታት: ከምኡውን ካልኦት ኣብቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ ንኽእከቡ ምድላዋትውን ክግበር ይከኣል ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ክሳተፍ ምእንቲ ክኽእል እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ካብ ቤት ናብ ቤትን ንግዲ ዝካየደሉን እኹል ዞባታት ተዳልዩ ከም ዘሎ ከረጋግጽ ይግብኦ።
6 እቶም ኣብ ገዝኦም ዘይተረኸቡኸ፧ ሰብ ቤት ስለምንታይ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ከንብቡ ከም ዘለዎም ንምግላጽ ብእተኻእለ መጠን ብብሕቶም ክንዛረቦም ንደሊ ኢና። ስለዚ ክትበጽሕ ከለኻ ኣብ ገዛ ሰብ እንተ ዘይረኺብካ: ነቲ ኣድራሻ ጽሓፎ እሞ ካልእ ጊዜ ኣብ እተፈለየ ሰዓት እንደገና ብጽሓዮ። ክሳዕ እቲ መወዳእታ ሰሙን ናይቲ ወፈራ ነዞም ሰብ ቤት ንምርካብ ዝገበርካዮ ጻዕርታት ገና እንተ ዘይተዓወተ: ቅዳሕ ዜና መንግስቲ በቶም ሓለፍቲ መገዲ ኣብ ዘይርአ ቦታ ኣብ ማዕጾ ክትገድፍ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ገዛውቲ ነቶም በቲ መገዲ ዝሓልፉ ውልቀ-ሰባት ዜና መንግስቲ ንምሃብ ትኵር ኩን። ይኹን እምበር: ኵሎም ኣስፋሕቲ ነናብ ዞባኦም ክጓዓዙ ኸለዉ ነቶም በቲ ጎደና እቲ ዝጓዓዙ ሰባት ትራክት ክህብዎም እንተድኣ ፈቲኖም ነቲ ዝህሉ ምድግጋም ክትግንዘቦዶ ምኸኣልካ፧ ኣብ ክንድኡ ግን ቀልጢፍካ ኣብ ዞባኻ ክትበጽሕ: ነታ ትራክት ድማ ብእተኻእለ መጠን ኣብ ኢድ እተፈላለዩ ሰባት ከም እትበጽሕ ክትገብር ምፍታን ዝሓሸዶ ኣይኰነን፧ እዚ ኣብቲ ዞባኻ ዝያዳ ጊዜ ንኸተሕልፍን ብዙሕ ቦታ ክትሽፍንን ከኽእለካ ኢዩ። ኣብ ገጠርን ኣብቲ ወፈራ ዝካየደሉ እዋን ክሽፈን ዘለዎ ዞባን ክትዓዪ ከሎኻ: ኣብቲ ቐዳማይ እግርኻ ነቶም ኣብ ገዝኦም ዘይተረኸቡ ቅዳሕ ዜና መንግስቲ ክግደፍ ይከአል ኢዩ።
7 ዕላማና እንታይ ኢዩ፧ እቲ ወፈራ 16 ሕዳር ቅድሚ ምውድኡ: ጉባኤታት ንዅሉ ዞባታተን ንምሽፋን ብምልኡ ነቲ እተቐረበለን ዜና መንግስቲ ክጥቀማሉ ክጽዕራ ይግብአን። እቲ ንጉባኤኻ እተዋህባ ዞባ ኣዝዩ ሰፊሕ እንተድኣ ዀይኑ: ከምኡውን ኣብ ክንዲ ምስ ካልኣይካ ብውልቂ ኽትዓዪ ዘየስግእ እንተድኣ ዀይኑ: ከምኡ ምግባር ጠቓሚ ኰይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ብእተኻአለ መጠን ንብዙሓት ብቑዓት ሰባት ነቲ ብስራት ከተብጽሓሎም ከኽእለካ ኢዩ። (ማቴ. 10:11) ኣብ ክንዲ ዓቢ ቦርሳ ምሓዝ ኣብ ኢድካ ሒደት ትራክት: ኣብ ጁባኻ ወይ ኣብ ንእሽተይ ቦርሳ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ምሓዝ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ እተረኽበ ተገዳስነት ጽቡቕ ገይርካ ንምምዝጋብ ከኣ ተዳሎ።
8 ንኽትጅምሮ ድሉው ዲኻ፧ ሽማግለታት እታ ጉባኤ ክንደይ ዝኣክል ተወሳኺ መጽሔታት ከም ዘድልያ ኣቐዲሞም ክፈልጡ ብእኡ መሰረት ድማ ክእዝዙ ይግብኦም። እቲ ዝድለ ትራክት ናብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ይለኣኽ ስለ ዘሎ: ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ምእዛዝ ኣየድልን ኢዩ። ፍሉያትን ስርዓታውያንን ሓገዝትን ዝዀኑ ፓይነራት ነፍሲ ወከፎም ዝዝርግሕዎ 250 ቅዳሓት ክህልዎም ኢዩ: ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ድማ ነፍሲ ወከፎም 50 ቅዳሓት ክዋሃቦም ኢዩ። ዓቢ ዕዮ ኢዩ ዝጽበየና ዘሎ። ኣብዚ ዘሐጕስ ዕዮ ኽትካፈል ትብህግዶ፧ ከም እትብህግ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ነዚ ኣብ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣድላዪ መልእኽቲ: ክሳዕ እቲ ዝድለ እንዝርግሕ ይግበረና!