ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/97 ገጽ 1
  • ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓቢ ደገ ክፉት ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓቢ ደገ ክፉት ኢዩ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ቅድሚ ምስባኽካ፡ ከተናዲ የድልየካ ይኸውን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ጉባኤኻ ሰፊሕ ናይ ኣገልግሎት ዞባ ኣለዋዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 11/97 ገጽ 1

ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓቢ ደገ ክፉት ኢዩ

1 ጳውሎስ ከም ቀናእ ሰባኺ ናይቲ ብስራት መጠን: ዝያዳ ሓገዝ ዘድልየሉ ዞባታት ንምርካብ ብምህንጣይ ሃለው ይብል ነበረ። ሓንቲ ካብተን ዞባታት ድማ ከተማ ኤፌሶን ኢያ ነይራ። እቲ ኣብኡ ዝፈጸሞ ስብከት ሰናይ ፍረ ስለ ዝረኸበሉ: ነቶም ብጾቱ ክርስትያናት “[“ናብ ዕዮ ዝመርሕ:” NW ] ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ አሎ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ቈረ. 16:⁠9) ጳውሎስ ኣብዚ ዞባ እዚ ምግልጋል ቀጸለ: ንብዙሓት ሰብ ኤፌሶን ድማ ኣመንቲ ክዀኑ ሓገዞም።​—⁠ግብ. 19:⁠1⁠-​20, 26

2 ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓቢ ደገ ተኸፊቱልና ኣሎ። ነተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንዞብአን ኣጸ​ቢ⁠ቐን ክሽፍንኦ ዘይከኣላ ጉባኤታት ንኽንሕግዝ ዕድመ ይቐርበልና ኣሎ። ስለዚ ድማ እቲ እንገብሮ ጻዕሪ ንጐደሎ ናይቲ ሓገዝ ዘድልዮ ቦታታት ክመልእ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምስ 2 ቈረንቶስ 8:⁠13⁠-​15 ኣረኣእዮ።

3 ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዘድልየሉ ቦታ ከተገልግል ትኽእልዶ፧ ኣብ ካልእ ቦታ ኬድካ ንምግልጋል ዘሎካ ኣጋጣሚ ብጸ⁠ሎት ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ኣብቲ ዘሎኻዮ ከተማ ንዘላ ጉባኤ ክትሕግዝ ትኽእል ትኸውን። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዘይትዛረቦ እሞ ነቲ ዝብለካ ሓሳባት ንምንታይ ዘይትሓስበሉ፧ ወይ ድማ ኣብቲ ናይ ጉባኤኻ ዞባ ማንም ሰብ ዝከታተሎም ዘይብሎም ብዙሓት ጸማማት ወይ ድማ ካልእ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ነዚ ኣድላይነት እዚ ንምፍጻም: ቋንቋኦም ንኽትማሃር ክትጽዕር ትኽእልዶ፧ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ኣብ ጥቓኻ ዝርከቡ ካልእ ቋንቋ ዝዛረቡ ጕጅለ: ወይ ድማ ጉባኤ ነቲ ‘ጐይታ ዓየይቲ ክልእኽ ይልምንዎ’ ይህልዉ ይዀኑ። (ማቴ 9:⁠37, 38) ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ክትሕግዝ ትኽእልዶ ኢኻ፧

4 ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ብኣሽሓት ዝቝጸራ ክርስትያን ስድራቤታት ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክካፈላ ናብ ካልእ ዓድታት ግዒዘን ኢየን። ከምዚ ዝገበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር “ንየሆዋ ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ከነበርክተሉ እንኽእል ቦታ ከነገልግሎ ኢና ደሊና” በሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህጊ እንተድኣ ኣልዩካ እሞ ኣብዚ ሃገር እዚ ናብ ካልእ ቦታ ክትከይድ እንተድኣ ትደሊ ኴንካ ወይ ድማ ናብ ካልእ ሃገር ኬድካ ከተገልግል ትበቅዕ እንተድኣ ኴንካ: መጀመርታ ነቲ ዘሎካ መደብ ምስ ናይ ጉባኤኻ ሽማግለታት ተመያየጠሉ።

5 ኣበየናይ ቦታ ዝያዳ ሓገዝ ከም ዘድሊ ንማሕበር ክትሓታ እንተድኣ ደሊኻ: ድሌትካ ኣነጺርካ ጠቒስካ ደብዳበ ብምጽሓፍ: ነቶም ናይ ጉባኤኻ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ሃቦም። ምስቲ ናቶም ርእይቶ ኣተሓሒዞም ናብ ማሕበር ክልእክዎ ኢዮም። ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓቢ ደገ ክፉት ክሳዕ ዝዀነ: ኵላትና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ኴንና እንቕጽል ይግበረና።​—⁠1 ቈረ. 15:⁠58

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ