ምዕራፍ 10
ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ገይሩ ዚልእከሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም” በሎም። ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ስለ ዝነበረ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ” በሎም። (ማቴ. 9:37, 38) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣገልግሎቶም ብኸመይ ከም ዚፍጽሙ መሃሮም። ኣብ ቃላቱ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ይንጸባረቕ ነበረ። “ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ንኸተማታት እስራኤል ዜርኩም ከቶ ኣይክትውድእወንን ኢኹም” ድማ በሎም።—ማቴ. 10:23።
2 ሎሚ እውን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣሎ። መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪስበኽ ኣለዎ፣ ግዜ ኸኣ ይጽንቀቕ እዩ ዘሎ! (ማር. 13:10) እታ ወፊርና እንዓይየላ ዘለና ግራት፡ ዓለም ስለ ዝዀነት፡ ብዝዓበየ ደረጃ ደኣ እዩ እምበር፡ ምስቲ ንየሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ዘጋጠሞም ዚመሳሰል ኵነታት ኣጋጢሙና ኣሎ። ምስቶም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ክንወዳደር ከለና፡ ሒደት እኳ እንተ ዀንና፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺስበኽ እዩ፡ ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኸኣ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ። ኣገልግሎትና መሊእና ምእንቲ ኽንፍጽም፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኽንህባ ዲና፧ ነዚ ንምፍጻም፡ እንታይ ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ክንስዕብ ንኽእል፧
3 የሆዋ ርእሶም ካብ ዝወፈዩ ኣገልገልቱ እንታይ ከም ዚጽበ የሱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ኢሉ እዩ። (ማር. 12:30) ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብምሉእ ነፍስና ኽንገብሮ እዩ ትጽቢት ዚግበረልና። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣለና ብምግባር ዕምቈት ተወፋይነትናን ሓቅነት ወፈያናን ነርኢ ማለት እዩ። (2 ጢሞ. 2:15) ንነፍሲ ወከፍና ኸከም ውልቃዊ ዅነታትናን ክእለታትናን ሓያሎ ኣጋጣሚታት ተኸፊቱልና ኣሎ። ገለ ኻብዚ ኣጋጣሚታት እዚ እንታይ ምዃኑ እሞ ርአ፡ ድሕሪኡ ኣገልግሎትካ ንምፍጻም እንታይ ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ከም እትስዕብ ወስን።
ኣስፋሒ ጉባኤ ዄንካ ምግልጋል
4 ኵሎም እቶም ሓቂ እተቐበሉ፡ ነቲ ብስራት ናይ ምስፋሕ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎም። እዚ ኸኣ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም መሰረታዊ ዕዮ እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ሓደ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ብስራት ዘለዎ ኣገዳስነት ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ንኻልኦት ብዛዕባኡ ኺዛረቦም ይጅምር እዩ። እንድርያስን ፊልጶስን ቆርኔሌዎስን ካልኦት ሰባትን ከምኡ እዮም ገይሮም። (ዮሃ. 1:40, 41, 43-45፣ ግብ. 10:1, 2, 24፣ 16:14, 15, 25-34) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ቅድሚ ምጥማቑ እውን ከይተረፈ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ብስራት ኪነግር ይኽእል እዩ ማለት ድዩ፧ እወ! ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ጉባኤ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ንምዃን ብቕዓት ምስ ኣማልአ፡ ኣብ በቤት እናኸድካ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ኪሳተፍ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ እውን፡ ከም ክእለቱን ከም ኵነታቱን፡ ኣብ ካልእ መዳያት ኣገልግሎት ወፍሪ ኺካፈል ይኽእል እዩ።
5 ሓደ ኣስፋሒ ምስ ተጠምቀ፡ ንኻልኦት ሰባት ነቲ ብስራት ንምምሃር ዚከኣሎ ዅሉ ኺገብር ከም ዚደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ናይ ምስታፍ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ ንእሽቶ እጃም ከነበርክት ብምኽኣልና፡ ተባሪኽና ኢና። ዝዀነ ይኹን ኣገልግሎቱ ብምስፋሕ ኣብ ተወሳኺ መዳያት ኣገልግሎት ኪሳተፍ ዚደሊ ሰብ ብሓቂ ሕጉስ ይኸውን እዩ።
ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ምግልጋል
6 ምናልባት ኣብ ጉባኤኻ፡ እቲ ኽሊ ብተደጋጋሚ ይዕየን ጽቡቕ ምስክርነት ይውሃብን ይኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ብምግዓዝ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትደሊ ትኸውን። (ግብ. 16:9) ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዄንካ ተገልግል እንተ ኣለኻ፡ ሓገዝካ እትደሊ ኻልእ ጉባኤ ኽትህሉ ትኽእል እያ። እቲ ሓላው ወረዳኻ ኣብቲ ወረዳ ንእትርከብ ካልእ ጉባኤ ብኸመይ ከም እትሕግዝ ሓሳብ ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዚርከብ ካልእ ቦታ ኸተገልግል እንተ ደሊኻ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።
7 ናብ ወጻኢ ሃገር ብምኻድ ከተገልግል ትደሊ ዲኻ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ተጠንቂቕካ ኽትሓስበሉ ኣሎካ። ነዚ ስለምንታይ ምስ ሽማግለታት ጉባኤኻ ዘይትመያየጠሉ፧ እዚ ኣባኻን ኣብቶም ምሳኻ ዚግዕዙን ጽልዋ ኸም ዚህልዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ሉቃ. 14:28) ንነዊሕ ግዜ ኽትጸንሕ ዘይመደብካ እንተ ዄንካ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርካ ምግልጋል ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
8 ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ዝዀኑ ኣሕዋት ሓላፍነት ይውሃቦም እዩ። እቶም ዝያዳ ምኩራት ዝዀኑ ኻብ ካልእ ዝመጹ ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ኪመርሑ ኸለዉ፡ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ትሑታት ኣሕዋት ነዚ ብፍታው ይቕበልዎ እዮም። ሽማግለ እንተ ዄንካ እሞ ናብ ከምዚ ዝበለት ሃገር ክትግዕዝ እንተ ሓሲብካ፡ ዕላማኻ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብቲ ዓዲ ዘለዉ ኣሕዋት ኴንካ ኸተገልግል ዘይምዃኑ ዘክር። የግዳስ፡ ምሳታቶም ሓቢርካ ኣገልግል። ንሓላፍነታት ጉባኤ ኺመጣጠሩን ኪቕበሉን ኣተባብዓዮም። (1 ጢሞ. 3:1) ኣብ ገሊኡ መዳይ፡ ከምቲ ኣብ ሃገርካ ዚዕየየሉ መገዲ እንተ ዘይተዓይዩ፡ ትዕግስቲ ግበር። ከም ሽማግለ መጠን ዘሎካ ተመክሮ፡ ነቶም ኣሕዋት ብሓቂ ኺሕግዞም እዩ። ድሕሪኡ፡ ሓደ መዓልቲ ሓዲግካዮም ናብ ዓድኻ ኽትምለስ እንተ ኣድልዩ፡ እቶም ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ንምክንኻን ዝሓሸ ዓቕሚ ኺህልዎም እዩ።
9 ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ካብ ሓገዝካ ኺጥቀማ ዚኽእላ ስም ጉባኤታት ቅድሚ ምሃቡ፡ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ናይ ደገፍ ደብዳበ ኺልእኩ ኣለዎም። ሽማግለ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ፈላሚ፡ ወይ ኣስፋሒ ኹን ብዘየገድስ፡ እዛ ደብዳበ እዚኣ ተድሊ እያ። እቲ ኮሚተ ኣገልግሎት ነታ ናይ ደገፍ ደብዳበን ነታ ሕቶኻ ዝሓዘት ደብዳበን ብቐጥታ ናብቲ ኸተገልግለሉ እትደሊ ሃገር ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪልእኮ እዩ።
ብኻልእ ቋንቋ ምስባኽ
10 ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ፡ ካልእ ቋንቋ፡ እንተላይ ቋንቋ ምልክት ኽትምሃር ትኽእል ኢኻ። ንስብከት ኢልካ ኻልእ ቋንቋ ኽትምሃር ሸቶ እንተ ኣልዩካ፡ ንሽማግለታትን ንሓላው ወረዳን ንምንታይ ዘይተዘራርቦም፧ ሓሳባትን ዜድሊ መተባብዕን ኪህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ገሊአን ወረዳታት ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ክኢላታት ኣስፋሕትን ፈለምትን ብኻልእ ቋንቋ ምእንቲ ኺሰብኩ፡ ትምህርትታት ቋንቋ ወዲበን እየን።
ኣገልግሎት ፈላምነት
11 ኵሎም ኣስፋሕቲ፡ ሓጋዝን ስሩዕን ፍሉይን ፈላሚ ንምዃን፡ ከምኡ እውን ኣብ ካልእ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምስታፍ እንታይ ሓፈሻዊ ብቕዓታት ኪማላእ ከም ዜድሊ ኺፈልጥዎ ኣለዎም። ሓደ ፈላሚ ነቲ ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ኬሕልፎ ዘለዎ እተወሰነ ሰዓታት ንምምላእ፡ ብሕታዊ ዅነታቱ ዚፈቕደሉ ኣብነታዊ እተጠምቀ ክርስትያን ኪኸውን ኣለዎ። ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ፡ ሓጋዝን ስሩዕን ፈላሚ ንምዃን ዚቐርብ ሕቶ የጽድቕ እዩ፣ ፍሉያት ፈለምቲ ግና ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር እዮም ዚሽየሙ።
12 ሓገዝቲ ፈለምቲ ኸከም ኵነታቶም፡ እንተ ወሓደ ንሓደ ወርሒ፡ ንተኸታታሊ ኣዋርሕ፡ ወይ ንዘይተወሰነ ግዜ ኺሽየሙ ይኽእሉ እዮም። ሓያሎ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት፡ ንኣብነት ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ወይ ሓላው ወረዳ ንጉባኤኦም ኣብ ዚበጽሓሉ እዋን፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ዕረፍቲ ኣብ ዚረኽቡሉ ኣዋርሕ የገልግሉ እዮም። ትምህርቲ ዘይወድኡ እተጠምቁ ኣስፋሕቲ፡ ካብ ትምህርቶም ዕረፍቲ ኣብ ዚረኽቡሉ እዋን ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይደልዩ ይዀኑ። ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን፡ ከምኡ ድማ ሓላው ወረዳ ኣብ ዚበጽሓሉ ወርሒ ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን ኪማላእ ዜድሊ ሰዓታት ስለ ዚንኪ፡ ኣስፋሕቲ ኣብቲ እዋን እቲ ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ይደልዩ ይዀኑ። ብሕታዊ ዅነታትካ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ጽቡቕ ስነ ምግባርን ልማዳትን እንተ ኣሎካን ነቲ ሰዓታት ከተማልእ ትኽእል እንተ ዄንካን ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣዋርሕ ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ከም እትኽእል እንተ ተሰሚዑካን፡ እቶም ሽማግለታት ነዚ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚ ኸተመልክት ባህ እዩ ዚብሎም።
13 ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን፡ ነቲ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ኣብ ዓመት ከተሕልፎ ዘሎካ ሰዓታት ከተማልእ እትኽእል ክትከውን ኣሎካ። ስሩዕ ፈላሚ እንተ ዄንካ፡ ኵሉ ግዜ ምስ ጉባኤኻ ተሓባቢርካ ኽትዓዪ እትደሊ ኽትከውን ኣሎካ። ቀናኣት ፈለምቲ ንኣገልግሎት ወፍሪ ውዕዉዕ መንፈስ ስለ ዜነቓቕሑን ንኻልኦት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ስለ ዜተባብዑን፡ ንጉባኤ በረኸት እዮም። ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን ቅድሚ ምምልካትካ፡ ካብ እትጥመቕ እንተ ወሓደ ሽዱሽተ ወርሒ ዝገበርካ ኣብነታዊ ኣስፋሒ ኽትከውን ኣሎካ።
14 ፍሉያት ፈለምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ኣድማዕቲ ምዃኖም ካብ ዘርኣዩ ስሩዓት ፈለምቲ እዮም ዚምረጹ። እዚኣቶም ድማ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ዝመደቦም ዘበለ ኼገልግሉ ዚኽእሉ ኪዀኑ ኣለዎም። ብዙሕ ግዜ፡ ግዱሳት ኪረኽቡሉን ሓደስቲ ጉባኤታት ኪቘማሉን ኣብ ዚኽእል ግሉል ቦታታት እዮም ዚምደቡ። ሓድሓደ ግዜ ፍሉያት ፈለምቲ ናብተን ክለን ኣብ ምሽፋን ሓገዝ ዜድልየን ጉባኤታት ይምደቡ እዮም። ገሊኦም ሽማግለታት ኰይኖም ዜገልግሉ ፍሉያት ፈለምቲ፡ ዋላ እኳ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ተወሰኽቲ ዓየይቲ ኣብ ዘየድልየሉ ቦታ፡ ንንኣሽቱ ጉባኤታት ኪሕግዙ ይምደቡ እዮም። ፍሉያት ፈለምቲ ንናብራኦም ዜድሊ መጠነኛ ኣበል ይውሃቦም እዩ። ገሊኦም ፍሉያት ፈለምቲ ንግዜኡ እዮም ዚሽየሙ።
ሚስዮናውያን ወፍሪ
15 ኮሚተ ኣገልግሎት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ሚስዮናውያን ወፍሪ ዀይኖም ዜገልግሉ ይሸይም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ኣብቲ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዎ ቦታታት ኬገልግሉ ብኮሚተ ጨንፈር ይምደቡ እዮም። ንዕዮ ስብከት ኰነ ንንጥፈታት ጉባኤ ኣብ ምድልዳልን ኣብ ምብርታዕን ከኣ ብዙሕ ጽቡቕ ዕዮ ይዓይዩ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሚስዮናውያን ወፍሪ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ስልጠና ይውሃቦም እዩ። ዚነብሩሉ ቤትን ንመነባብሮኦም ዚኸውን መጠነኛ ኣበልን ይውሃቦም እዩ።
ዕዮ ወረዳ
16 እቶም ሓለውቲ ወረዳ ኪዀኑ ብኣመሓዳሪ ኣካል ዚሽየሙ፡ ፈለማ ተተካእቲ ሓለውቲ ወረዳ ዀይኖም ይስልጥኑን ተመክሮ የጥርዩን እዮም። እዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ኣገልግሎት ዚፈትዉን ኣሕዋት ዜፍቅሩን እዮም። ብቕንኣት ዜገልግሉ ፈለምትን ትጉሃት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ውጽኢታውያን ተዛረብትን መምህራንን እዮም። ፍረ መንፈስ ከም ዜፍርዩ ብጕሉሕ የርእዩ እዮም፣ ሚዛናውያንን ልዙባትን ኣስተውዓልትን ምዃኖም እውን ይርአ እዩ። እቲ ሓው ምርዑው እንተ ዀይኑ፡ እታ ፈላሚት ዝዀነት ሰበይቱ ኣብ ኣካይዳኣን ምስ ሰባት ኣብ ዘለዋ ርክብን ኣብነታዊት ክትከውን ኣለዋ። ውጽኢታዊት ሰባኺት እውን እያ። ብዘይካዚ፡ ከም ክርስትያን ሰበይቲ መጠን ተገዛኢት ክትከውን ከም ዘለዋ፡ ማለት ንሰብኣያ ወኪላ ኽትዛረብ ከም ዘይብላ ወይ ንዝርርባት ክትዕብልል ከም ዘይብላ ትርዳእ እያ። ሓለውቲ ወረዳን ኣንስቶምን ጽዑቕ መደብ እዩ ዘለዎም፣ ስለዚ፡ እቶም ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዚመጣጠሩ ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎም ኪዀኑ ኣለዎም። ፈለምቲ፡ ሓላው ወረዳ ንምዃን ኣየመልክቱን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኺሳተፉ ኸም ዚምነዩ ንሓላዊ ወረዳ ይሕብርዎ፣ ንሱ ኸኣ ሓሳባት ይህቦም።
ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ
17 ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ፦ ሳሕቲ ዚዕየ ኽልታት ዚሽፍኑን ንጉባኤታት መንፈሳዊ ደገፍ ዚህቡን ዝያዳ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ የድልዩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ዘይተመርዓዉ ኣሕዋትን ዘይተመርዓዋ ኣሓትን ሰብ ሓዳርን ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ፍሉይ ስልጠና ንምርካብ ኬመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እተማህሩ ምሩቓት፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኽፋል ሃገሮም ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይልኣኹ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ገዛእ ርእሶም ኬቕርቡ ዚኽእሉ፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ካልእ ቦታ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ኪምደቡ ይኽእሉ እዮም። ገለ ኻባታቶም ግዜያውያን ወይ ቀወምቲ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ይልኣኹ እዮም። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኺኣትዉ ዚደልዩ ፈለምቲ ብዛዕባ እቲ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ንምፍላጥ፡ ኣብቲ ኣብ ኣኼባ ዞባ ነዚ ዕላማ እዚ ተባሂሉ ዚግበር ኣኼባ ኺእከቡ ይኽእሉ እዮም።
18 ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ፦ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኺካፈሉ ዚሕረዩ ዘይተመርዓዉ ኣሕዋትን ዘይተመርዓዋ ኣሓትን ሰብ ሓዳርን እንግሊዝኛ ዚዛረቡ እሞ፡ ፍሉያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ዘለዉ ኪዀኑ ኣለዎም። ነቲ እተመደቡሉ ወፍሪ ወይ ውዳበ ጨንፈር ኬበራትዑን ኬደልድሉን ዓቕሚ ዘለዎም እዮም። ድሮ ንኣሕዋቶም ተሓጒሶም ከም ዜገልግሉ ዘርኣዩ እዮም፣ ንኣስፋሕቲ እውን ቅዱስ ጽሑፋውን ቲኦክራስያውን መምርሒ ኺፈልጡን ኪስዕቡን ብለውሃት ከም ዚሕግዙ ዘመስከሩ እዮም። ኮሚተ ጨንፈር ነቶም ተምሃሮ ኪዀኑ ዚኽእሉ መመልከቲ ኺመልኡ ይዕድሞም እዩ። ምሩቓት እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ወይ ኣብ ሃገሮም ናብ ወፍሪ ወይ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እዮም ዚምደቡ።
ኣገልግሎት ቤት-ኤል
19 ኣብ ቤት-ኤል ምግልጋል ፍሉይ መሰል እዩ። እቲ ቤት-ኤል ዚብል ስም “ቤት ኣምላኽ” ማለት እዩ፣ እዚ ስያመ እዚ ኸኣ ነዚ ማእከላት ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ብርግጽ ዚግብኦ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ቤት-ኤል እተጸምዱ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ምስ ምድላውን ምትርጓምን ምዝርጋሕን እተተሓሓዘ ኣገዳሲ ዕዮ ይዓይዩ እዮም። እቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዚርከባ ጉባኤታት ዚመርሕ ኣመሓዳሪ ኣካል ድማ፡ ንኣገልግሎቶም ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ሓያሎ ተርጐምቲ ዝዀኑ ቤት-ኤላውያን ኣብቲ ዚትርጕምዎ ቛንቋ ዚዝረበሉ ኽሊ ጨንፈር እዮም ዚነብሩን ዚዓይዩን። እዚ ኸኣ ነቲ ቛንቋ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ኪሰምዕዎ የኽእሎም። ሰባት ንቛንቋ እቲ እተተርጐመ ጽሑፋት ይርድእዎ እንተ ኣልዮም እውን፡ ባዕሎም ኪርእዩ ይኽእሉ።
20 መብዛሕትኡ ኣብ ቤት-ኤል ዚዕየ ዕዮ፡ ኣድካሚ ናይ ጕልበት ዕዮ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ናብ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ዚጽውዑ ሰባት፡ ብቐንዱ ጽቡቕ ጥዕናን ጕልበትን ዘለዎም ርእሶም ወፍዮም እተጠምቁ መንእሰያት ኣሕዋት እዮም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርኩም ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግሉ ሰባት የድልዩ እንተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ኸተማልኦ ዘሎካ ብቕዓታት ካብ ሽማግለታት ጉባኤኻ ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።
ኣገልግሎት ህንጸት
21 ህንጸት ቲኦክራስያዊ ህንጻታት ምስ ህንጸት ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዚመሳሰል ሓደ ዓይነት ቅዱስ ኣገልግሎት እዩ። (1 ነገ. 8:13-18) ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ነዚ ዕዮ እዚ ንምድጋፍን እጃሞም ንምብርካትን ግዜኦም ኰነ ሃብቶም ብምውፋይ፡ ዜደንቕ ቅንኣት ከም ዘለዎም የርእዩ እዮም።
22 ክትሕግዝ ትኽእል ዲኻ፧ ኣብዚ ንጥፈት እዚ ኽትሳተፍ ፍቓደኛ ዝዀንካ እተጠመቕካ ኣስፋሒ እንተ ዄንካ፡ እቶም ንዕዮ ህንጸት ብሓላፍነት ዚመርሑ ኣሕዋት ንሓገዝካ የማስወሉ እዮም፡ ክእለትካ ውሱን እንተ ዀይኑ እውን ኬሰልጥኑኻ ፍቓደኛታት እዮም። እሞኸ፡ ክትሕግዝ ፍቓደኛ ምዃንካ ስለምንታይ ንሽማግለታት ጉባኤኻ ዘይትነግሮም፧ ብቕዓት ዘለዎም ገሊኦም ጥሙቓት ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ዚግበር ቲኦክራስያዊ ዕዮ ህንጸት ወለንተኛታት ኪዀኑ ኽኢሎም እዮም።
23 ኣብ ኣገልግሎት ህንጸት ክትሳተፈሉ እትኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። እተወሰነ ኽእለት ዘለዎም እሞ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዚገብር ፕሮጀክትታት ኪድግፉ ዚኽእሉ እተጠምቁ ኣብነታውያን ኣስፋሕቲ ወለንተኛታት ከባብያዊ ንድፊ/ህንጸት ኰይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታታት ኣብ ዘሎ ፕሮጀክት ንምድጋፍ፡ ካብ ክልተ ሰሙን ክሳዕ ሰለስተ ወርሒ ወለንተኛታት ህንጸት ኰይኖም ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይሽየሙ እዮም። እቶም ንነዊሕ ግዜ ኼገልግሉ ዚሽየሙ ኸኣ፡ ኣገልገልቲ ህንጸት ተባሂሎም እዮም ዚጽውዑ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ኬገልግል እተመደበ ኣገልጋሊ ህንጸት ድማ፡ ወጻእተኛ ኣገልጋሊ ህንጸት ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብ ኵሉ ፕሮጀክትታት ብኣገልገልቲ ህንጸትን ብወለንተኛታት ህንጸትን ዝቘመ ጕጅለ ህንጸት እዩ ነቲ ዕዮ ዚመርሖ፣ ወለንተኛታት ከባብያዊ ንድፊ/ህንጸትን ኣብቲ ፕሮጀክት ዚሳተፉ ኻብ ጉባኤታት እተዋጽኡ ወለንተኛታትን እውን ነቲ ጕጅለ ይሕግዝዎ እዮም። ጕጅለታት ህንጸት ኣብ ውሽጢ ኽሊ እቲ ጨንፈር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይግዕዙ እዮም።
እንታይ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣሎካ፧
24 ህይወትካ ንየሆዋ ዝወፈኻ እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ትደሊ ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ኣብዚ መገዲ እዚ እንታይ መንፈሳዊ ሸቶታት እዩ ዘሎካ፧ መንፈሳዊ ሸቶታት ምህላው፡ ጕልበትካን ክእለትካን ጥሪትካን ብጥበብ ክትጥቀመሉ ይሕግዘካ እዩ። (1 ቈረ. 9:26) ከምዚ ዝኣመሰለ ሸቶታት ምውጻእካ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ይድግፈካ እዩ፣ ተወሳኺ ኣጋጣሚታት ኣገልግሎት ንምብጻሕ ክትመጣጠር ከለኻ ኸኣ፡ ኣብ ዚሓይሽ ነገር ከተተኵር ይሕግዘካ እዩ።—ፊል. 1:10፣ 1 ጢሞ. 4:15, 16።
25 ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣምላኽ ኣብ እነቕርቦ ኣገልግሎት ክንመስሎ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት ኰይኑና እዩ። (1 ቈረ. 11:1) ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ተጋዲሉ እዩ። የሆዋ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዝኸፈተሉ ኣስተውዒሉ እዩ። ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋቱ፡ “ናብ ዕዮ ዜእቱ ዓብዪ ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። ንሕናኸ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ደይኰንናን ዘለና፧ እወ፡ ምስ ጉባኤ ብሓባር ንየሆዋ ንምግልጋል፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ብስራት ንምስባኽ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተኸፊቱልና ኣሎ። እንተዀነ ግና፡ ከም ጳውሎስ በቲ “ዓብዪ ኣፍ ደገ” ንምእታው፡ ምስ “ብዙሓት ተጻረርቲ” ኽንቃለስ ከም ዘሎና ኽንርስዕ የብልናን። (1 ቈረ. 16:9) ጳውሎስ፡ ገዛእ ርእሱ ንምግሳጽ ፍቓደኛ ነይሩ እዩ። “ንሰብነተይ አጕስጦን አግዝኦን ኣለኹ” ኸም ዝበለ ኣስተብህል። (1 ቈረ. 9:24-27) ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ድዩ ዘሎና፧
መንፈሳዊ ሸቶታት ምህላው፡ ጕልበትካን ክእለትካን ጥሪትካን ብጥበብ ክትጥቀመሉ ይሕግዘካ
26 ነፍሲ ወከፍና ኸከም ብሕታዊ ዅነታትና፡ ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ንምውቃዕ ክንጽዕር ንተባባዕ ኢና። ብዙሓት ሎሚ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኬገልግሉ ዝኸኣሉ፡ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ቲኦክራስያዊ ሸቶ ስለ ዘውጽኡ እዩ። ገና ቘልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ከምኡ ኺገብሩ ኻብ ወለዶምን ካልኦትን ተተባቢዖም እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሃብቲሞም ኪብሃል ይከኣል እዩ፣ ጣዕሳ እውን የብሎምን። (ምሳ. 10:22) ገለ ኻብቲ ኸነውጽኦ ዘሎና ጽቡቕ ሸቶታት፡ ኣብ ሰሰሙን ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ምጅማርን ምምራሕን፡ ንኣኼባታት ንምድላው ዝያዳ ግዜ ምምዳብ ኪጥቀስ ይከኣል። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ጽኑዓት ኴንና ምቕጻልናን ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ምፍጻምናን እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንየሆዋ ኸነኽብሮ፡ ነቲ ንየሆዋ ንዘለኣለም ናይ ምግልጋል ሸቶና ኸኣ ክንወቕዖ ኢና።—ሉቃ. 13:24፣ 1 ጢሞ. 4:7ለ, 8።