ኣቱም መንእሰያት፡ ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም እተውዕልዋ፧
ሓንቲ ጐርዞ፡ “ዝበለጸ ህይወት ከሕልፍ እየ ዝደሊ” በለት። ንስኻ እውን ከምኡ ኸም እትምነ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ “ዝበለጸ” ህይወት ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ መራኸቢ ብዙሓንን መዛኑኻን፡ አረ መምህራንካ እውን ከይተረፉ ዝበለጸ ህይወት ኪርከብ ዚከኣል፡ ብዙሕ ገንዘብ ብምጥራይን ብሉጽ ሞያ ብምሓዝን እዩ ይብሉ ይዀኑ።
ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብስጋዊ መገዲ ኽትዕወት ኢልካ ምምጥጣር፡ “ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ” ምዃኑ ንመንእሰያት የጠንቅቖም እዩ። (መክብብ 4:4) ሓደ ኻብቲ እዚ ዚዀነሉ ምኽንያት፡ መብዛሕትኦም፡ ነቲ ዚምነይዎ ሃብትን ዝናን ዘይረኽብዎ ምዃኖም እዩ። እቶም ዚረኽብዎ እውን እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይዓግቡን እዮም። ሓደ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሐ ብሪጣንያዊ፡ “ስጋዊ ዓወት ልክዕ ከም ሓደ ውሽጡ ምስ ርኣኻዮ፡ ጥርሑ ዚጸንሓካ ሳጹን እዩ” በለ። ሓድሓደ ግዜ ስራሕ፡ ሃብትን ተፈላጥነትን ዜምጽእ እኳ እንተ ዀነ፡ ‘ንመንፈሳውነትካ’ ግና ኼዕግቦ ኣይክእልን እዩ። (ማቴዎስ 5:3) ብዘይካዚ፡ 1 ዮሃንስ 2:17 ‘ዓለም ከም እትሓልፍ’ ተጠንቅቐና እያ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ እትረኽቦ ዓወት እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ንሓጺር ግዜ ጥራይ እዩ።
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እያ መክብብ 12:1፡ ንመንእሰያት፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ብምባል እትላበዎም። እወ፡ ንህይወትካ ኽትጥቀመላ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ምግልጋል ጥራይ እዩ። ቅድሚ ዅሉ ግና ንኣገልግሎት ኣምላኽ ብቑዕ ክትከውን ኣሎካ። ነዚ ብኸመይ ኢኻ ኽትገብሮ እትኽእል፧ ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት እንታይ የጠቓልል፧
ናይ የሆዋ ምስክር ንምዃን ብቕዓት ምጥራይ
መጀመርታ፡ ንኣምላኽ ናይ ምግልጋል ባህጊ ኸተሕድር የድልየካ። ሽሕ እኳ ወለድኻ ክርስትያናት እንተ ዀኑ፡ እዚ ባህጊ እዚ ዚውረስ ኣይኰነን። ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪህልወካ ይግባእ። ሓንቲ ጐርዞ፡ “ጸሎት ምስ የሆዋ ናይ ብሕቲ ርክብ ንኺህልወካ ይሕግዝ እዩ” በለት።—መዝሙር 62:8፣ ያእቆብ 4:8።
ሮሜ 12:2፡ ‘እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርምሩ’ ብምባል፡ ብዛዕባ ኽትወስዶ ዘሎካ ኻልእ ስጕምቲ ተጕልሕ እያ። ገለ ኻብቲ ቕድሚ ሕጂ እተመሃርካዮ ነገራት ተጠራጢርካሉዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበካ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ሓቂ ምዃኑ ‘መርሚርካ’ ኣረጋግጽ። ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ግበር። መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኣንብብ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃር ኪብሃል ከሎ፡ ናይ ኣእምሮ ፍልጠት ምጥራይ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ምሳልያዊ ልብኻ ምእንቲ ኺትንከፍ፡ ብዛዕባ እቲ እተንብቦ ኸተስተንትን ኬድልየካ እዩ። እዚ ድማ፡ ነታ ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኸም እትዓሙቝ ይገብራ።—መዝሙር 1:2, 3።
ቀጺልካ ኸኣ ነቲ እትመሃሮ ዘሎኻ ንመማህርትኻ ኽትነግሮም ጽዓር። ድሕርዚ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ኣገልግል። ከተገልግል ከለኻ፡ ሓድሓደ ግዜ መማህርትኻ ኼጓንፉኻ ስለ ዚኽእሉ፡ መጀመርታ የሸቝርረካ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ‘ብብስራት ከይንሓፍር’ እዩ ዚምዕደና። (ሮሜ 1:16) እንታይከ ዜሕፍር ኣሎካ፧ ህይወትን ተስፋን ዝሓዘ መልእኽቲ እኮ ኢኻ እትዝርግሕ ዘለኻ!
ወለድኻ ክርስትያናት እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምስኦም ሓቢርካ ኽትኸይድ ጀሚርካ ትኸውን ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ኣሰኒኻዮም ካብ ምኻድ ወይ ከኣ መጽሔታትን ትራክትታትን ካብ ምዕዳል ንላዕሊ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ባዕልኻ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ ምስቲ ብዓል ቤት ክትዘራረብ ጀሚርካዶ ኣለኻ፧ ገና ዘይጀመርካ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ካብ ወለድኻ ወይ ካብቶም ብሱላት ዝዀኑ ኣባላት ጉባኤኻ ሓገዝ ሕተት። ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን ሸቶ ግበር።
ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ፡ ንኣምላኽ ከተገልግሎ ቓል ብምእታው ርእስኻ ኽትውፊ ትኽእል ኢኻ። (ሮሜ 12:1) ይኹን እምበር፡ ጥምቀት ናይ ብሕቲ ውሳነ እዩ። ኣምላኽ፡ ኵሉ ሰብ ‘ብኣፉ ተኣሚኑ ኺድሕን’ እዩ ዚደሊ። (ሮሜ 10:10) ኣብ ግዜ ጥምቀት፡ መጀመርታ ንእምነትካ ብቓላትካ ጌርካ ኢኻ እትገልጻ። ድሕርዚ ኣብ ማይ ብምጥሓል ትጥመቕ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ጥምቀት ዓብዪ ስጕምቲ ኸም ዝዀነ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘ኣብ መንጎ እንተ ወደቕኩኸ’ ኢልካ ኣይተድሓርሕር። ብርታዐ ንምርካብ ኣብ ኣምላኽ እንተ ደኣ ተወኪልካ፡ ንኽትጸንዕ ዜኽእለካ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኺህበካ ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7፣ 1 ጴጥሮስ 5:10።
ምስ ተጠመቕካ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኢኻ እትኸውን። (ኢሳይያስ 43:10) እዚ ድማ ንህይወትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም እተውዕላ፡ ዓብዪ ጽልዋ ይገብረልካ እዩ። ርእስኻ ምውፋይ ኪብሃል ከሎ፡ ‘ህይወትካ ምቕባጽ’ እውን የጠቓልል እዩ። (ማቴዎስ 16:24) ንገሊኡ ብሕታዊ ሸቶታትን ባህግታትን ብምሕዳግ፡ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለ።’ (ማቴዎስ 6:33) ርእስኻ ምውፋይን ምጥማቕን ብዙሕ ኣጋጣሚታት እዩ ዚኸፍት። ገለ ኻብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ንርአ።
ምሉእ ግዜኻ ንኣምላኽ ከተገልግለሉ እትኽእል ኣጋጣሚታት
● ፈላምነት ሓደ ኻብዚ ኣጋጣሚታት እዚ እዩ። ሓደ ፈላሚ፡ ኣብ ወወርሒ ብስራት ንምስባኽ 70 ሰዓት ዜሕልፍ ኣብነት ዚኸውን እተጠምቀ ክርስትያን እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብዝሕ ዝበለ ሰዓታት ምሕላፍ፡ ናይ ስብከትን ምምሃርን ክእለትካ ንኸተማዕብል ይሕግዘካ እዩ። ብዙሓት ፈለምቲ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህርዎም ሰባት እተጠምቁ መሰኻኽር ንኪዀኑ ስለ ዝሓገዝዎም፡ ሓጐስ ረኺቦም እዮም። ኣየናይ ዓለማዊ ዕዮ እዩ እሞ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስን ዕግበትን ኬምጽእ ዚኽእል፧
መብዛሕትኦም ፈለምቲ ወጻኢታቶም ንምሽፋን ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ይሰርሑ እዮም። ብዙሓት ካባታቶም ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምስካም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ካብ ወለዶም ናይ ኢደ ጥበብ ትምህርቲ ይመሃሩ እዮም። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳእካ፡ ምስ ወለድኻ ብምምይያጥ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትመሃር ጠቓሚ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ድራኸኻ፡ ብዙሕ ገንዘብ ንምእካብ ዘይኰነስ፡ ኣገልግሎትካ ንምድንፋዕ፡ ምናልባት እውን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንምዃን ኪኸውን ኣለዎ።
ሓደ ፈላሚ ኣብ ህይወቱ ዜተኵረሉ ነገር፡ ንዓለማዊ ስራሕ ዘይኰነስ፡ ነቲ ህይወት ዜድሕን ኣገልግሎቱ እዩ። ንፈላምነት ከም ሸቶኻ ጌርካ ንምንታይ ዘይትርእዮ፧ እዚ ዕዮ እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ ፍሉይ መሰላት እዩ ዜሰጋግር። ንኣብነት፡ ገሊኦም ፈለምቲ፡ ናብቲ ብዙሓት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልይሉ ቦታታት ግዒዞም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ካልእ ቋንቋ ይመሃሩ እሞ፡ ኣብ ሃገሮም ናብ እትርከብ ነቲ ቛንቋ እቲ እትጥቀም ጉባኤ ብምግዓዝ ወይ ከኣ እቲ ቛንቋ እቲ ናብ ዚዝረበላ ሃገር ብምኻድ የገልግሉ። እወ፡ ፈላምነት ዓስቢ ዘለዎ መገዲ ህይወት እዩ።
● ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ካልእ ኣጋጣሚ እዩ። እዚ ኽልተ ወርሒ ዚወስድ ቤት ትምህርቲ ነቶም ዝነበርዎ ኸባቢ ሓዲጎም ኣብ ዜድልዩሉ ዘበለ ቦታ ኼገልግሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ምኩራት ፈለምቲ እተዳለወ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ወንጌላዊ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምምሳል፡ “እኔኹ ልአኸኒ” ዚብሉ እዮም። (ኢሳይያስ 6:8፣ ዮሃንስ 7:29) ካብቲ ዝለመድካዮ ኸባቢ ምግዓዝ፡ ቀሊል መነባብሮ ምንባር ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ፈላሚ ኣጸቢቑ እተፈልየ ባህልን ኵነታት ኣየርን ምግብን ኪለምድ ኣለዎ። ሓድሽ ቋንቋ ኺመሃር እውን የድልዮ ይኸውን። እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ነቶም ካብ 23 ክሳዕ 65 ዝዕድሚኦም ንጽል ኣሕዋትን ኣሓትን ሰብ ሓዳርን ኣብ ኣገልግሎቶም ዜድልዮም መንፈሳዊ ባህርያት ኬጥርዩ፡ የሆዋን ውድቡን ብዝያዳ ኺጥቀሙሎም ዜኽእሎም ክእለታት ከኣ ኬማዕብሉ ይሕግዞም።
● ኣገልግሎት ቤት-ኤል ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍታው ዚግበር ኣገልግሎት እዩ። ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል፡ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኬዳልዉ ኸለዉ፡ ገሊኦም ከኣ፡ ንህንጻታትን መሳለጥያታትን ይጽግኑ፡ ንስድራ ቤት-ኤል ብስጋዊ ነገራት ዜድልዮም ይቕርቡ፡ ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮታት ይዓይዩ። ኵሉ እዚ ዕዮ እዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚውዕል ቅዱስ መሰል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግሉ፡ ዚገብርዎ ዘበለ ዅሉ፡ ነቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋቶም ዚጠቅም ምዃኑ ብምፍላጦም ይሕጐሱ እዮም።
ሓድሓደ ግዜ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ኣሕዋት ኣብ ቤት-ኤል ኬገልግሉ ይጽውዑ እዮም። መብዛሕትኦም ግና፡ ኣብ ቤት-ኤል እዮም ስልጠና ዚረኽቡ። ኵሎም ኣብ ቤት-ኤል ዘለዉ ኣሕዋት፡ ንስጋዊ ረብሓ ኢሎም ኣይኰኑን ዜገልግሉ። በቲ ዚግበረሎም ከም ምግብን መዕረፍን ዝኣመሰለ መሰናድዎ፡ ከምኡውን በቲ ወጻኢታቶም ንምሽፋን ዚውሃቦም ሒደት ገንዘብ ዓጊቦም እዮም ዚነብሩ። ሓደ ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚገብሮ ኣገልግሎት፡ “ዜደንቕ እዩ። ወትሩ ሓደ ዓይነት ዕዮ ምዕያይ በዳሂ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብዚ ቤት እዚ ብምግልጋለይ ብዙሕ በረኸት ረኺበ እየ”ብምባል ይገልጽ።
● ኣገልግሎት ህንጸት ንጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዚኸውን ህንጻታትን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ምህናጽ ዚውዕል ኣገልግሎት እዩ። እቶም ኣብዚ ዕዮ ህንጸት እዚ ዚዓይዩ ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ህንጸት ተባሂሎም እዮም ዚጽውዑ። እዚ ዕዮ ህንጸት እዚ፡ ምስ ዕዮ እቶም ንቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዝሃነጹ ዓየይቲ ዚመሳሰል ቅዱስ ኣገልግሎት እዩ። (1 ነገስት 8:13-18) ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ህንጸት ዚዓይዩ ኣሕዋት ዚግበረሎም መሰናድዎ፡ ምስቲ ንስድራ ቤት-ኤል ዚግበረሎም መሰናድዎ ተመሳሳሊ እዩ። እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኦም፡ ኣብዚ ንየሆዋ ንምውዳስ ተባሂሉ ዚግበር ንጥፈት ኬገልግሉ ምኽኣሎምሲ፡ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!
ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኹም ኣገልግልዎ
ንህይወትካ ኽትጥቀመላ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ፡ ንየሆዋ ምግልጋል እዩ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣቲኻ ንኣምላኽ ምግልጋል፡ ንምንታይ ሸቶኻ ዘይትገብሮ፧ ብዛዕባ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምስ ወለድኻ፡ ምስ ሽማግለታት ጉባኤኻ፡ ከምኡውን ምስ ሓላው ወረዳኻ ተዘራረበሉ። ኣብ ቤት-ኤል ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ክትኣቱ ትደሊ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ኣኼባታት ዞባ ኺካየድ ከሎ ንኣመልከትቲ ኣብ ዚግበር ኣኼባ ተኻፈል።
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኬገልግል ዚበቅዕ፡ ኵሉ ኸም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ጥዕና ጸገማት፡ ቍጠባዊ ዅነታት፡ ሓላፍነት ስድራ ቤት ንዓቕምኻ ይድርቶ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት፡ ነቲ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ” ዚብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኪስዕብዎ ይግብኦም። (ማቴዎስ 22:37) የሆዋ ዓቕምኻ ብዜፍቅደልካ መጠን ከተገልግሎ እዩ ዚደልየካ። ስለዚ፡ ኵነታትካ ብዘየገድስ፡ ኣብ ህይወትካ ንየሆዋ ምግልጋል ቀዳምነት ሃቦ። ክትበጽሖ እትኽእል ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ኣውጽእ። እወ፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” እሞ፡ ንዘለኣለም ክትባረኽ ኢኻ!