ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • od ምዕ. 9 ገጽ 87-104
  • እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት
  • ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ በቤት ምስባኽ
  • ነቶም ዚግብኦም ምድላይ
  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር
  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ምምራሕ
  • ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ናብ ውድብ የሆዋ ምምራሕ
  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ምጥቃም
  • ዘይወግዓዊ ምስክርነት
  • ክሊ
  • ንዅሉ ቛንቋታት ምምስካር
  • ምስክርነት ጕጅለ
  • ነቲ ንተዛረብቲ ቛንቋ ወጻኢ ዚቐርብ ኣገልግሎት ምምዕባል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • እቲ ብዓል ቤት ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ ምስ ዚኸውን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዚዝረበሉ ኽሊ ተሓባቢርካ ምምስካር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ቅድሚ ምስባኽካ፡ ከተናዲ የድልየካ ይኸውን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
od ምዕ. 9 ገጽ 87-104

ምዕራፍ 9

እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት

የሱስ ንፉዕ ኣዋጂ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ፡ ንሰዓብቱ ኣብነት ሰሪዑሎም እዩ። ብተበግሶኡ ናብ ሰባት ብምኻድ፡ ኣብ ኣባይቶምን ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ይዛረብን ይምህርን ነይሩ እዩ። (ማቴ. 9:35፣ 13:36፣ ሉቃ. 8:1) የሱስ ምስ ውልቀ ሰባት ተዛራሪቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብብሕቲ ምሂሩ፡ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ህዝቢ ድማ መደረ ኣቕሪቡ እዩ። (ማር. 4:10-13፣ 6:35-44፣ ዮሃ. 3:2-21) ንዅሉ እቲ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ፡ ዜተባብዕን ተስፋ ዚህብን ቃላት ንምዝራብ ይጥቀመሉ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 4:16-19) ዕረፍቲ ወይ እኽለ ማይ ኪጥዕም ኣብ ዜድልዮ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ ንምምስካር ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኣየሕልፎን እዩ ነይሩ። (ማር. 6:30-34፣ ዮሃ. 4:4-34) ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ዚገልጽ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ጸብጻባት ከነንብብ ከለና፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ድራኸ ደይኰነን ዚሓድረና፧ እወ፡ ከምቲ ሃዋርያት እተደረኹ፡ ንሕና እውን ብርግጽ ንድረኽ ኢና።—ማቴ. 4:19, 20፣ ሉቃ. 5:27, 28፣ ዮሃ. 1:43-45።

2 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብቲ ዳርጋ 2,000 ዓመት ይገብር የሱስ ክርስቶስ ዝጀመሮ ዕዮ ኺሳተፉ ዘለዎም ኣጋጣሚታት እስከ ንርአ።

ኣብ በቤት ምስባኽ

3 መሰኻኽር የሆዋ ብምዃንና፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብስርዓት ኣብ በቤት ምስባኽ ዘለዎ ኣገዳስነት ንፈልጦ ኢና። ነዚ ሜላ እዚ ብሰፊሕ ካብ ምጥቃምና እተላዕለ መለለዪና ዀይኑ ኣሎ። እዚ ሜላ እዚ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ንምብጻሕ ዚሕግዝ ጥበባዊ ሜላ ኸም ዝዀነ፡ ብዜዕግብ ፍረ ተራእዩ እዩ። (ማቴ. 11:19፣ 24:14) ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ኣገልግሎት ንየሆዋን ንሰባትን ፍቕርና እነርእየሉ ግብራዊ መገዲ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ።—ማቴ. 22:34-40።

4 ኣብ በቤት ዚግበር ስብከት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘተኣታተውዎ ዘመናዊ ምህዞ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣባይቲ ሰባት እናኸደ ይምህር ምንባሩ ጠቒሱ ኣሎ። ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሓለውቲ ኺገልጸሎም ከሎ፡ “ካብታ ናብ ኣውራጃ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዘ፡ . . . ዚጠቕመኩም ካብ ምንጋር ወይ ብግህዶን ኣብ በቤትን ካብ ምምሃር ኣየድሓርሓርኩን” ኢሉ እዩ። በዝን ብኻልእ መገድታትን ገይሩ ኸኣ፡ “ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን ብጐይታና የሱስ ኪኣምኑን [ኣጸቢቑ መስኪሩሎም]” እዩ። (ግብ. 20:18, 20, 21) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሃጸያት ሮሜ ኣምልኾ ጣኦት የተባብዑ ነይሮም እዮም፣ ብዙሓት ከኣ “ፍርሃት ኣማልኽቲ” ነይርዎም እዩ። ስለዚ፡ ውዓል ሕደር ከይበሉ ነቲ “ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ኪንስሑ ይነግር ኣሎ” እተባህለሉ “ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ” ኪደልዩ ነበሮም።—ግብ. 17:22-31።

5 ሎሚ፡ ነቲ ብስራት ንሰባት ንምብጻሕ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብህጹጽ ኪዕየ ኣለዎ። መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ብቕልጡፍ ይቐርብ እዩ ዘሎ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጻዕርታትና ኸነዛይድ ንድረኽ ኢና። ነቶም ንሓቂ ዚጠምዩ ንምርካብ ኣብ በቤት እናኸድና ኻብ ምድላይ ዚሓይሽ ፍቱን መገዲ ኣይተረኽበን። እዚ ሜላ እዚ፡ ከምቲ ብግዜ የሱስን ሃዋርያትን ዝነበሮ፡ ሕጂ እውን ውጽኢታዊ መገዲ እዩ።—ማር. 13:10።

6 ኣብቲ ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ትሳተፍ ዲኻ፧ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ብኣኻ ባህ ይብሎ እዩ። (ህዝ. 9:11፣ ግብ. 20:35) እቲ ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ኣገልግሎት ምናልባት ንዓኻ ቐሊል ኣይከውንን ይኸውን። ኣካላዊ ጸገማት ይህልወካ ይኸውን፡ ወይ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘይሰምዑሉ ኽሊ ትሰብኽ ትኸውን። ምናልባት እውን መንግስቲ ዝገበሮ ቐይዲ ይህሉ ይኸውን። ሓፋር ስለ ዝዀንካ፡ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ዝርርብ ክትጅምር የሸግረካ ይኸውን። ስለዚ ድማ፡ ኣብ በቤት ብዝኸድካ መጠን ብእተወሰነ ትጭነቕ ትኸውን። በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። (ዘጸ. 4:10-12) ኵነታትካ ኻብ ኵነታት እቶም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚርከቡ ኣሕዋት እተፈልየ ኣይኰነን።

7 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩሎም እዩ። (ማቴ. 28:20) እቲ ቓል እቲ፡ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ጸኒዕና ኽንዓዪ ኣኽኢሉና እዩ። ከምቲ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ ዚስምዓና። (ፊል. 4:13) ነቲ ብጉባኤ ኣብ በቤት እናኸድካ ንምምስካር እተሰርዐ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ተጠቐመሉ። ምስ ካልኦት ሓቢርካ ብምዕያይ፡ ምትብባዕን ብሕታዊ ሓገዝን ክትረክብ ኢኻ። ዝዀነ ይኹን ዜጋጥመካ ዕንቅፋታት ንምስጋር ዜኽእል ሓገዝ ንምርካብ ጸሊ፣ ከም ሰባኺ እቲ ብስራት መጠን ድማ ተጋደል።—1 ዮሃ. 5:14።

8 ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ብስራት ክትዛረቦም ከለኻ፡ ‘ብዛዕባ እታ ኣባኻ ዘላ ተስፋ ምኽንያታ’ ኽትገልጽ ኣጋጣሚታት ክትረክብ ኢኻ። (1 ጴጥ. 3:15) እቲ ኣብ መንጎ እቶም ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎምን ዘይብሎምን ሰባት ዘሎ ፍልልይ ብዝያዳ ኽትፈልጦ ኢኻ። (ኢሳ. 65:13, 14) ነቲ የሱስ ‘ብርሃንካ ኺበርህ’ ዝሃቦ ትእዛዝ እዙዝ ብምዃንካ ዕግበት ክትረክብ ኢኻ፣ ምናልባት እውን ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ሓቂ ኺፈልጡን ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ትረክብ ትኸውን።—ማቴ. 5:16፣ ዮሃ. 17:3፣ 1 ጢሞ. 4:16።

9 ኣብ ቀዳመ ሰናብትን ኣብ መንጎ ሰሙንን ኣብ በቤት እናኸድካ ንምግልጋል መሰናድዎ ይግበር እዩ። ቀትሪ ንሰባት ኣብ ቤቶም ምርካብ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ ቦታታት፡ ገሊአን ጉባኤታት ናይ ምሸት ምስክርነት ኪግበር መደብ ይገብራ እየን። ሰባት ካብ ንግሆ ብዝሓሸ ኣብ ኣጋ ምሸት በጻሕቲ ኪቕበሉ ይብርሆም ይኸውን።

ነቶም ዚግብኦም ምድላይ

10 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነቶም ዚግብኦም ‘ኪደልዩ’ መምርሒ ሂብዎም እዩ። (ማቴ. 10:11) ንሱ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣብ በቤት ኣብ ዚገብሮ ምስክርነት ጥራይ ኣይኰነን ዜናድዮም ነይሩ። የግዳስ፡ ብወግዓዊ ዀነ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኣብ ኵሉ ግቡእ ኣጋጣሚታት ምስክርነት ይህብ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 8:1፣ ዮሃ. 4:7-15) እቶም ሃዋርያት እውን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ንሰባት መስኪሮም እዮም።—ግብ. 17:17፣ 28:16, 23, 30, 31።

ዕላማና ብእተኻእለ መጠን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ምብጻሕ እዩ

11 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ዕላማና ብእተኻእለ መጠን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ምብጻሕ እዩ። ከምኡ ንምግባር ኸኣ፡ ነቲ የሱስን ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ሜላታት ንቐድሕ፡ ምስቲ ተለዋዋጢ ግዜን በበይኑ ዅነታት እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባትን ድማ ማዕረ ንስጕም ማለት እዩ። (1 ቈረ. 7:31) ንኣብነት፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ቦታታት ስራሕ ብምኻድ ኣሳልጦ ረኺቦም እዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ኣብ መገዲ፡ ኣብ መናፈሻታት፡ ኣብ ደው መበሊ ማካይን፡ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰባት ኪርከቡሉ ዚኽእሉ ቦታ ምስባኽ ውጽኢታዊ ምዃኑ ተራእዩ እዩ። ገሊአን ጉባኤታት፡ ኣብ ክለን ሰደቓታት ወይ ዓረብያታት ኣቚመን እየን። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ድማ፡ ብዙሓት ኣጋር ኣብ ዚውሕዙሉ ኽፋል ከተማ፡ እተፈላለያ ጉባኤታት ዚሳተፋኦ ብግህዶ ዚግበር ፍሉይ ምስክርነት ኪውድብ ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ብስራት ነቶም ኣስፋሕቲ ኣብ ቤቶም ኪረኽብዎም ዘይከኣሉ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ካልእ ቦታ ኺበጽሖም ክኢሉ እዩ።

12 ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብዛዕባ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዚግደሱ ሰባት ክንራኸብ ከለና፡ ግቡእ ጽሑፍ ከነበርክት ንኽእል ኢና። ተገዳስነት ንምዅስኳስ ድማ ነቲ ግዱስ ሰብ እንርከበሉ ሓበሬታ ኽንህቦ፡ ተመሊስና ንምብጻሑ ቘጽራ ኽንገብር፡ ናብ jw.org ክንሕብሮ፡ ወይ ኣድራሻ እቲ ኣኼባታት ጉባኤ ዚካየደሉ ዝቐረበ መአከቢ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ንሰባት ምምስካር፡ ንኣገልግሎትካ ኸተስፍሓሉ እትኽእል ባህ ዜብል መገዲ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

13 ይኹን እምበር፡ ሎሚ ንክርስትያናት ተመዲቡሎም ዘሎ ዕዮ፡ ነቲ ብስራት ምእዋጅ ጥራይ ኣይኰነን። ንኻልኦት ነታ ናብ ህይወት እትመርሕ ሓቂ ኪቕበሉ ኽትሕግዞም እንተ ደሊኻ፡ እቶም ተገደስቲ ዕቤት ገይሮም ብሱላት ክርስትያናት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ንዓታቶም ብተደጋጋሚ ኽትበጽሖም ኣሎካ።

ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር

14 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ክሳብ ወሰናት [ምድሪ] መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ግብ. 1:8) ይኹን እምበር፡ “ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” እውን ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምንጪ ሓጐስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጀመርታ ኸተዛራርቦም ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ብስራት ተገዳስነት ከም ዘለዎም ዝገለጹ ሰባት፡ መሊስካ ኽትከዶም ከም ዚደልዩኻ ፍሉጥ እዩ። ተወሳኺ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓበሬታ ብምክፋል፡ ኣብ ኣምላኽ ዘላቶም እምነት ከተደልድላን ንመንፈሳዊ ነገራት ህርፋን ንምሕዳር ክትሕግዞምን ትኽእል ትኸውን። (ማቴ. 5:3) ብግቡእ እንተ ተዳሊኻን ኣብ ዚምሽኦም ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ቈጸራ እንተ ጌርካን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ከተጀምር ትኽእል ትኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሉ ዕላማ ድማ እዚ እዩ። ዘርኢ ሓቂ ንተክል ጥራይ ዘይኰንናስ፡ ነስቲ እውን ኢና።—1 ቈረ. 3:6።

15 ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር፡ ንገሊኦም ይኸብዶም ይኸውን። ምናልባት ነቲ ብስራት ኣሕጽር ኣቢልካ ኣብ ምቕራብ ክኢላ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፣ ነዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ እውን ትፈትዎ ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ተመሊስካ ኼድካ ምስቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምይያጥ ክትሓስብ ከለኻ፡ እቲ ብድሆ ዘይስገር ይመስለካ ይኸውን። ጽቡቕ ምድላው ግና፡ ንርእሰ ምትእምማንካ ኽብ ኬብሎ እዩ። ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ዝቐረበ ግብራዊ ሓሳባት ተጠቐም። ምስ ሓደ ዝያዳ ምኩር ኣስፋሒ ንምኻድ እውን ቈጻራ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ምምራሕ

16 ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ንሓደ ቓል ኣምላኽ ዜንብብ ዝነበረ ጵሮሴሊት፡ “ነቲ እተንብቦስ ብሓቂዶ ትፈልጦ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ኢሉ መለሰ። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 8 ዚርከብ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ፊልጶስ ካብቲ እቲ ሰብኣይ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ቕዱስ ጽሑፍ ጀሚሩ፡ “ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ።” (ግብ. 8:26-36) ፊልጶስ ምስቲ ሰብኣይ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዘሕለፈ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብስራት ኣጸቢቑ ስለ ዝገለጸሉ፡ እቲ ሰብኣይ ኣማኒ ዀነ፡ ኪጥመቕ ድማ ሓተተ። እወ፡ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ኰነ።

17 ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት የብሎምን። ስለዚ፡ እምነት ቅድሚ ምምዕባሎምን ንጥምቀት ቅድሚ ምብቃዖምን፡ ንሰሙናት፡ ንኣዋርሕ፡ ንሓደ ዓመት፡ ወይ ካብኡ ንዚዛይድ ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪግበረሎምን ዓሚቝ መጽናዕቲ ኺምርሓሎምን የድሊ ይኸውን። ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪዀኑ ንምድጋፎም እተርእዮ ትዕግስትን ፍቕራዊ ደገፍን ግና ዓስቢ ኣለዎ፣ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብ. 20:35።

18 በቲ ነዚ ዕላማ እዚ ኢልካ እተዳለወ ጽሑፋት ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ክትመርሕ ከም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ዘሎ መምርሒ እንተ ተግቢርካዮን ኣብ ጉባኤኻ ምስ ዘለዉ ምኩራት መምህራን እንተ ዓዪኻን፡ ፍረ ዘለዎ መጽናዕቲ ኽትመርሕ፡ ንኻልኦት ድማ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።

19 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ንምጅማርን ንምምራሕን ሓገዝ እንተ ደሊኻ፡ ንሓደ ኻብቶም ሓለውቲ ወይ ንሓደ ኣብ ዕዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድማዒ ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ንምዝርራብ ኣይትሰከፍ። እቲ ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ዚወጽእን ኣብቲ ኣኼባ ብመርኣያ ዚቐርብን ሓሳባት እውን ኪሕግዘካ እዩ። ኣብ የሆዋ ተወከል፡ ባህግኻ ገሊጽካ እውን ጸሊ። (1 ዮሃ. 3:22) ስለዚ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ ስድራ ቤትካ እትገብሮ መጽናዕቲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ንምምራሕ ሸቶ ግበር። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ፡ ካብ ኣገልግሎት ተወሳኺ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።

ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ናብ ውድብ የሆዋ ምምራሕ

20 ሰባት ንየሆዋ ኣምላኽ ኪፈልጥዎን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑን ምስ እንሕግዞም፡ ክፍሊ ጉባኤኡ ይዀኑ እዮም። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንውድብ የሆዋ ኺፈልጥዋን ምስኣ ኺተሓባበሩን እንተ ሓጊዝናዮም፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ኺግስግሱን ኪበስሉን እዮም። ነዚ ብኸመይ ከም ዚገብርዎ ምምሃሮም ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ኢልካ እተዳለወ ቪድዮታትን ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ ብሮሹርን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ገለ ኻብቲ ኣብ ምዕራፍ 4 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከብ ሓበሬታ እውን ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

21 ምስ ተምሃራይካ ኣብ እትገብሮ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ የሆዋ ሎሚ ዕዮ ስብከት ንምፍጻም ንውድቡ ይጥቀመላ ኸም ዘሎ ኣረድኣዮ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋት ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሓሉ፣ እዚ በቶም ርእሶም ንኣምላኽ ዝወፈዩ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ወለንተኛታት ብኸመይ ከም ዚሕተምን ዚዝርጋሕን ድማ ግለጸሉ። ነቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳኻ ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ጉባኤ ኪኸይድ ዓድሞ። ኣኼባታት ብኸመይ ከም ዚምራሕ ግለጸሉ፣ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ፈተውትኻ ድማ ኣላልዮ። ኣብ ኣኼባታት ወረዳን ኣኼባታት ዞባን ከኣ ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣፋልጦ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብዝን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ነታ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀነት ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዜንጸባርቑ ኺዕዘብ ይኽእል። (ዮሃ. 13:35) እቲ ተገዳሲ ንውድብ የሆዋ ዘለዎ ሞሳ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኪቐርቦ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ምጥቃም

22 ቀዳሞት ክርስትያናት ቀናኣት ኣስፋሕቲ ቓል ኣምላኽ እዮም ነይሮም። ብብሕቶም ኪጥቀሙሉ ኢሎም፡ ከምኡ እውን ኣብ ጉባኤ ንመጽናዕቲ ኺጥቀሙሉ ኢሎም ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት የዳልዉ ነይሮም እዮም። ንኻልኦት ሰባት ነቲ ሓቂ ቓል ኣምላኽ ኬንብቡ ይምሕጸንዎም ነይሮም እዮም። እቲ ብኢዶም ዚጽሕፍዎ ዝነበሩ ቕዳሓት፡ ሒደትን ብርቅን እዩ ነይሩ። (ቈሎ. 4:16፣ 2 ጢሞ. 2:15፣ 3:14-17፣ 4:13፣ 1 ጴጥ. 1:1) ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘመናዊ ሜላታት ሕትመት ገይሮም ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸር መጽሓፍ ቅዱሳትን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ናውትን ይሓትሙ ኣለዉ። ገለ ኻብዚ ብሓያሎ ቛንቋታት ዚሕተም ናውቲ፡ ትራክትታትን ብሮሹራትን መጻሕፍትን መጽሔታትን ኪጥቀስ ይከኣል።

23 ነቲ ብስራት ንኻልኦት ከተካፍሎም ከለኻ፡ ነቲ ውድብ የሆዋ ዘዳለወቶ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ናውቲ ተጠቐመሉ። ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምንባብን ብምጽናዕን ብብሕትኻ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተጠቐምካ ስለ እትፈልጥ፡ ንኻልኦት ከተካፍል ክትድረኽ ኢኻ።—እብ. 13:15, 16።

24 ብዝሖም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰባት፡ ንኢንተርነት ከም ቀንዲ ምንጪ ሓበሬታ ገይሮም ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት፡ jw.org ዚብሃል ወግዓዊ ወብሳይትና ነቲ ብስራት ኣብ ምስፋሕ ውጽኢታዊ ንዋት ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ብኮምፕዩተር ገይሮም መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ብኣማእታት ቋንቋታት ኬንብቡ ወይ ኪሰምዑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ምሳና ምዝርራብ ዜሰክፎም ወይ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምዝርራብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ዘይብሎም ሰባት፡ ብjw.org ኣቢሎም ኣብ ቤቶም ኰይኖም ንእምነትና ኺምርምርዎ ኽኢሎም እዮም።

25 ስለዚ፡ ኣብ ኵሉ ምሹእ ኣጋጣሚ ንjw.org ነፋልጥ ኢና። ሓደ ብዓል ቤት ብዛዕባ እምነትና ሕቶ እንተ ሓቲቱና፡ ብሞባይል ወይ ብኮምፕዩተር ጌርና ኸመይ ገይሩ መልሲ ኸም ዚረክብ ሽዑሽዑ ከነርእዮ ንኽእል ኢና። ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ፡ ወይ ቋንቋ ምልክት ዚጥቀም ሰብ እንተ ረኺብና፡ ብቛንቋኡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ምእንቲ ኺረክብ፡ ናብ ወብሳይትና ኽንሕብሮ ንኽእል ኢና። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ብሓደ ኻብቲ ኣብ ወብሳይትና ዘሎ ቪድዮታት ገይሮም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ኪጅምሩ ኽኢሎም እዮም።

ዘይወግዓዊ ምስክርነት

26 የሱስ ነቶም ብኣቓልቦ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ፡ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። . . . ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼሞግስዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 5:14-16) እቶም ደቀ መዛሙርቲ እቲኦም፡ ነቲ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ዝበለ የሱስ ብምምሳል፡ መገድታት ኣምላኽ ኣንጸባሪቖም እዮም። የሱስ ንጥቕሚ ዅሎም እቶም ዚሰምዕዎ ኢሉ ነቲ “ብርሃን ህይወት” ብምብራህ፡ ንክርስትያናት ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ።—ዮሃ. 8:12።

27 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ ዅላትና ኽንስዕቦ ዘሎና ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። (1 ቈረ. 4:16፣ 11:1) ኣብ ኣቴና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦም ሰባት ይዛራረብ ነይሩ እዩ። (ግብ. 17:17) እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ከኣ ኣብነቱ ስዒቦም እዮም። ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስ ንዓታቶም፡ ‘ኣብ ማእከል ቄናንን ጠዋይን ወለዶ’ ኸም ዚነብሩ፡ ‘ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም ዚበርሁ’ ድማ ከም ዝዀኑ ጽሒፉሎም ኣሎ። (ፊል. 2:15) ሎሚ፡ ንሕና ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ብስራት ክንነግር ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብናሉ ዘበለ፡ እቲ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብቓላትናን ብግብርናን ከነብርሆ ንኽእል ኢና። ሓቂ እዩ፡ ሓቀኛታትን ቅኑዓትን ብምዃን እንሓድጎ ሰናይ ኣብነትና እውን ንባዕሉ፡ ካብ ዓለም እተፈለና ኸም ዝዀንና ሰባት ከም ዜቕልቡሉ ይገብር እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብስራት እንተ ነጊርናዮም፡ ስለምንታይ እተፈለና ኸም ዝዀንና ኺፈልጡ ይኽእሉ እዮም።

28 ሓያሎ ህዝቢ የሆዋ ነቶም ኣብ ዓለማዊ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ህዝባዊ መጕዓዝያ፡ ወይ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ዚረኽብዎም ሰባት እቲ ብስራት የበስርዎም እዮም። ክንጐዓዝ ከለና፡ ነቲ ኣብ ጥቓና ዘሎ ተጓዓዚ ኽንዛረቦ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ተራ ዕላል ናብ ምስክርነት ንምቕያር፡ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። እምበኣር፡ ኣብ ኵሉ ግቡእ ኣጋጣሚታት ንኻልኦት ክንዛረቦም ድሉዋት ንኹን።

29 ንፈጣሪና ንውድሶ፡ ንስሙ ድማ ክብሪ ነምጽእ ከም ዘለና ምስ እንዝክር፡ ከምኡ ንምግባር ንድረኽ ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንየሆዋ ምእንቲ ኼገልግልዎን ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዚርከብ ተስፋ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡን፡ ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ንሕግዞም ንኸውን። የሆዋ ብጻዕርና ይሕጐስ፡ ከም ቅዱስ ኣገልግሎት እውን ይቘጽሮ እዩ።—እብ. 12:28፣ ራእ. 7:9, 10።

ክሊ

30 መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከብ ከተማታት ኰነ ገጠራት ኪስበኽ ፍቓድ የሆዋ እዩ። ነዚ ንምፍጻም፡ ኣብ ግሉል ቦታታት ዚሰብኩ ውልቀ ሰባት ኰኑ ጉባኤታት፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክሊ ይምደበሎም እዩ። (1 ቈረ. 14:40) እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣምላኽ ዝመርሖ ዝነበረ ስርዓት ሕደ እዩ። (2 ቈረ. 10:13፣ ገላ. 2:9) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕልጡፍ ይሰፍሕ ብምህላዉ፡ ክሊ ጉባኤ ብግቡእ ምስ ዚውደብ፡ ብዙሕ ኪዕመም ይከኣል እዩ።

31 እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሓላው ኣገልግሎት እዩ ዚካየድ። ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ክሊ ኺውዝዕ ይኽእል እዩ። ክልተ ዓይነት ክልታት ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ናይ ጕጅለ ኽልታትን ናይ ብሕቲ ኽልታትን ይብሃል። ሒደት ክሊ ኣብ ዘለዋ ጉባኤ፡ ሓለውቲ ጕጅለ፡ ናይ ጕጅለ ኽልታት ይህልዎም እዩ፣ ነዚ ድማ ኣብ ጕጅለኦም ዘለዉ ኣስፋሕቲ ይሰብኩሉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ እኹል ክልታት ኣብ ዘለዋ ጉባኤ፡ ኣስፋሕቲ ናይ ብሕቲ ኽልታት ኪውሃቦም ይከኣል እዩ።

32 ናይ ብሕቲ ኽሊ ዘለዎ ኣስፋሒ፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ዘይህልወሉ ሰዓት ወይ ብጕጅለ ኣኼባ ንምግባር ኣብ ዘይምሽኣሉ ሰዓት፡ ኪሰብከሉ ዚኽእል ክሊ ይህልዎ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብ ጥቓ ስራሖም ክሊ ይወስዱ እሞ፡ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ወይ ድሕሪ ስራሕ ኣብኡ የገልግሉ እዮም። ገሊኦም ስድራ ቤታት ድማ ኣብቲ ዚነብሩሉ ኸባቢ ናይ ብሕቲ ኽሊ ይወስዱ እሞ፡ ኣጋ ምሸት ኣብኡ ኸይዶም ይሰብኩ እዮም። ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ዚጥዕሞ ኸባቢ ኽሊ ምሓዙ፡ ነቲ ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚምድቦ መብዛሕትኡ ግዜ ብዚግባእ ኪጥቀመሉ የኽእሎ። ልክዕ እዩ፡ ናይ ብሕቲ ኽሊ እውን ብጕጅለ ዄንካ ኺዕየ ይከኣል እዩ። ናይ ብሕቲ ኽሊ እንተ ደሊኻ፡ ንኣገልጋሊ ኽሊ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።

33 እቲ ኽሊ ብሓላው ጕጅለ እተታሕዘ ናይ ጕጅለ ኽሊ ይኹን ወይ ብኣስፋሒ እተታሕዘ ናይ ብሕቲ ኽሊ፡ እቲ ዝወሰዶ ሰብ ናብ ኵሉ እቲ ኣባይቲ ብምኻድ ኣብ በቤት፡ ሰብ ንምርካብ እኹል ጻዕሪ ይገብር እዩ። ክሊ ንምሽፋን ዚግበር መሰናድዎታት፡ ምስቲ ዚዕየየሉ ዘሎ ሓበሬታ ናይ ምሕላው ሕግታት ዚሳነ ኪኸውን ኣለዎ። ክሊ እተቐበለ ሓላው ጕጅለ ዀነ ኣስፋሒ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ንምሽፋን ኪጽዕር ኣለዎ። ንኽሉ ምስ ወድኦ፡ ንኣገልጋሊ ኽሊ ኪሕብሮ ኣለዎ። ከከም ኵነታቱ ኸኣ፡ እቲ ሓላው ጕጅለ ወይ እቲ ኣስፋሒ ነቲ ኽሊ ምስኡ ሒዙ መሊሱ ኺዓይዮ፡ ወይ ናብ ኣገልጋሊ ኽሊ ኺመልሶ ይኽእል እዩ።

34 ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም ምስ ዚተሓባበሩ፡ እቲ ኽሊ ምሉእ ብምሉእ ኺሽፈን ይከኣል እዩ። በዚ ኸምዚ እውን፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ንሓደ ቦታ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ኺሽፍንዎ ኢሎም ብምኻዶም ኣብቶም ሰብ ቤት ዜስዕቦ ሕርቃን ከነወግድ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ንኣሕዋትና ዀነ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ሓልዮት ነርኢ።

ንዅሉ ቛንቋታት ምምስካር

35 ኵሎም ደቂ ሰብ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን መንግስቱን ኪምሃሩ ኣለዎም። (ራእ. 14:6, 7) ካብ ኵሉ ቛንቋ ዝዀኑ ሰባት ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ስም የሆዋ ኺጽውዑን ክርስትያናዊ ስብእና ኺለብሱን ክንሕግዞም ንደሊ ኢና። (ሮሜ 10:12, 13፣ ቈሎ. 3:10, 11) ኰይኑ ግና፡ እተፈላለየ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ኣብ ዘለውዎ ኸባቢ እቲ ብስራት ኽንሰብኽ ከለና፡ እንታይ ብድሆታት ኬጋጥም ይኽእል፧ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ብዚርድኦም ቋንቋ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከነብጽሓሎም እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧—ሮሜ 10:14።

36 ብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዚዝረበሉ ኸባቢ፡ ብመሰረት ቋንቋ እዩ ኽልታት ዚምደብ። ስለዚ፡ ብዙሕ ቋንቋ ኣብ ዚዝረበሉ ኸባቢ፡ ኣስፋሕቲ እተፈላለያ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ኸባቢ ኺሰብኩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ እቶም ኣስፋሕቲ ነቲ እተመደበሎም ቋንቋ ንዚዛረቡ ሰባት ኣብ ምስባኽ ኬተኵሩ ኣለዎም። ኣብ ዓዓመት፡ ወረቐት ዕድመ እንዕድለሉ ወፈራ ኽንገብር ከለና እውን፡ ከምኡ ኺግበር ኣለዎ። ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ወይ ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ግና፡ ኣስፋሕቲ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኬዛራርቡን ብዝዀነ ይኹን ቋንቋ ጽሑፋት ኬበርክቱን ይኽእሉ እዮም።

37 ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ካልእ ቋንቋ ዚጥቀማ ጉባኤታት ነቲ ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ክለን ብስሩዕ ኪሽፍናኦ ኣይክእላን እየን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ሓለውቲ ኣገልግሎት እተን ዚምልከተን ጉባኤታት ነቲ ኽሊ ንምሽፋን ኪዛራረቡን ኵሎም ዚሰማምዑሉ ኣሰራርሓ ኺጥቀሙን ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ንምብጻሕ ኣጋጣሚ ይኸፍት፡ ብዘየድሊ እውን ደጋጊምና ኣይንዓይን።—ምሳ. 15:22።

38 ኣብ በቤት ክንከይድ ከለና፡ ዘይንፈልጦ ቛንቋ ዚዛረብ ሰብ እንተ ኣጋጢሙና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ቋንቋኡ ዚዛረቡ ኣስፋሕቲ ኸም ዚመጽዎ ጌርና ኽንድምድም የብልናን። ገሊኦም ኣስፋሕቲ በቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ክሎም ዜጓንፎም ቋንቋ፡ ቀሊል መእተዊ የቕርቡ እዮም። ንእንረኽቦ ሰብ ከመይ ገይሩ ኻብቲ jw.org ዚብል ወግዓዊ ወብሳይትና ብቛንቋኡ ጽሑፋት ኬንብብን ኬራግፍን ከም ዚኽእል ከነርእዮ፡ ወይ ብቛንቋኡ ጽሑፍ ከነምጽኣሉ ንኽእል ኢና።

39 እቲ ሰብ ብሓቂ ግዱስ እንተ ዀይኑ፡ ብዚርድኦ ቋንቋ ኺሕግዞ ምስ ዚኽእል ሰብ ንምርኻብ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ኣብ ቀረባ ዚርከብ ብቛንቋኡ ዚግበር ኣኼባ ኣበይ ምዃኑ እውን ክንሕብሮ ንኽእል ኢና። ቋንቋኡ ዚዛረብ ሰብ ኪመጾ እንተ ደልዩ፡ ኣብ jw.org ከመይ ገይሩ ኣድራሻኡ ኼእቱ ኸም ዚኽእል ከነርእዮ ንኽእል ኢና። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ድማ ነዚ ሓበሬታ እዚ፡ ኣብ ቀረባኡ ናብ ዚርከብ ኣስፋሒ፡ ጕጅለ፡ ወይ ጉባኤ ይልእኮ እዩ።

40 እቲ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ፡ ቋንቋኡ ዚዛረብ ኣስፋሒ ኸም ዝረኸበ ኽሳዕ ዚነግረና፡ ተመላሊስና ኽንበጽሖ ኣሎና። ኣብ ገሊኡ መዳይ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንሽማግለታት፡ ቋንቋ እቲ ግዱስ ዚዛረብ ሰብ ኪርከብ ከም ዘይከኣል ይሕብሮም እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት ንምዅስኳስ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። እንተ ተኻኢሉ፡ ምናልባት ብቛንቋኡ ብእተዳለወ ጽሑፍ ጌርና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሓሉ ንኽእል ኢና። ነቲ ስእልታት ጽቡቕ ጌርና እንተ ተጠቒምናሉን ነቲ ሰብ ጥቕስታት ከም ዜንብብ እንተ ጌርናዮን፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ግንዛበ ኺህልዎ እዩ። ምናልባት እውን ነቲ ቛንቋኡን ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚዝረብ ቋንቋን ዚፈልጥ ኣባል ስድራ ቤት እንተ ኣልይዎ፡ ከም ተርጓሚ ዀይኑ ኼገልግል ይኽእል እዩ።

41 ነቲ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ናብ ውድብ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንመርሖ፡ እቲ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ዘይርድኦ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ ናብ ኣኼባታትና ኽንዕድሞ ኣሎና። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪንበብ ከሎ፡ እንተ ተኻኢሉ ብቛንቋኡ ኣብ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ከነርእዮ ንኽእል ኢና። ኣብ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ኻልኦት ምርኻቡ ጥራይ ሃናጺ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ተወሳኺ መንፈሳዊ ግስጋሰ ኺገብር ድማ ኪሕግዞ እዩ።

42 ቅድመ ጕጅለታት፦ ካብቲ ሓንቲ ጉባኤ እትጥቀመሉ ብእተፈልየ ቛንቋ ዚሰብኩ ብርክት ዝበሉ ኣስፋሕቲ እንተ ኣለዉ፡ ዋላ እውን በቲ ቛንቋ እቲ ሰሙናዊ ኣኼባ ኪመርሕ ዚኽእል ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኣይሃሉ፡ ቅድመ ጕጅለ ኪቐውም ይኽእል እዩ። እዚ ዚስዕብ ብቕዓታት እንተ ተማሊኡ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንሓንቲ ጉባኤ፡ ንቕድመ ጕጅለ ኸም እተአንግድ ጉባኤ ገይሩ ኺፈልጣ ይኽእል እዩ፦

  1. (1) ካብ ቋንቋ እታ ጉባኤ እተፈልየ ቛንቛ ዚዛረቡ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ኸባቢ ኣለዉ።

  2. (2) ነቲ ቛንቋ እቲ ዚፈልጡ ወይ ኪምሃሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ እንተ ወሓደ ሒደት ኣስፋሕቲ ኣለዉ።

  3. (3) ኣካል ሽማግለታት ነቲ በቲ ቛንቛ እቲ ስብከት ንምውዳብ ዚግበር ጻዕሪ ንምምራሕ ፍቓደኛታት እዮም።

ኣካል ሽማግለታት፡ ቅድመ ጕጅለ ንምእንጋድ ድሌት እንተ ኣልይዎም፡ ምስ ሓላው ወረዳ ይማኸሩ። ንሱ ድማ በቲ ቛንቋ እቲ ንምስባኽ ዚፍትና ኻልኦት ጉባኤታት ከም ዘለዋ ይፈልጥ ይኸውን፣ ኣየነይቲ ጉባኤ ነቲ ቕድመ ጕጅለ ኸተአንግድ ከም ዘለዋ ንምውሳን ዜኽእል ኣገዳሲ ሓበሬታ እውን ይህብ ይኸውን። እታ ጉባኤ እቲኣ ምስ ተሓርየት፡ እቶም ሽማግለታት ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደብዳበ ይልእኩን ነታ ንቕድመ ጕጅለ እተአንግድ ጉባኤ ብወግዒ ኽትፍለጥ ፍቓድ ይሓትቱን እዮም።

43 ጕጅለታት፦ እዚ ዚስዕብ ብቕዓታት እንተ ተማሊኡ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንሓንቲ ጉባኤ፡ ንጕጅለ ኸም እተአንግድ ጉባኤ ገይሩ ኺፈልጣ ይኽእል እዩ፦

  1. (1) በቲ ቛንቋ እቲ እኹል ተገዳስነት ወይ ተኽእሎ ዕቤት ኣሎ።

  2. (2) ነቲ ቛንቋ እቲ ዚዛረቡ ወይ ዚምሃሩ ዘለዉ እንተ ወሓደ ሒደት ኣስፋሕቲ ኣለዉ

  3. (3) በቲ ቛንቋ እቲ እንተ ወሓደ ሓደ ሰሙናዊ ኣኼባ፡—ወይ ከም ህዝባዊ መደረ ወይ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝኣመሰለ ሓደ ኽፋል ሰሙናዊ ኣኼባ፡—ዚመርሕ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኣሎ።

እዚ ብቕዓታት እዚ ብዜዕግብ መገዲ ምስ ተማልአ፡ እቶም ኣካል ሽማግለታት ንጕጅለ እተአንግድ ጉባኤ ዀይኖም ብወግዒ ምእንቲ ኺፍለጡ፡ ምሉእ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘት ደብዳበ ልኢኾም ኪሓትቱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ነታ ጕጅለ ዚመርሕ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ “ሓላው ጕጅለ” ወይ “ኣገልጋሊ ጕጅለ” ጌርካ እዩ ዚርአ።

44 ጕጅለ ምስ ቈመት፡ ኣካል ሽማግለታት እታ እተአንግድ ጉባኤ ኻልእ ክፋላት ኣኼባታት ጉባኤ ኪውሰኽ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኣኼባታት ድማ ኣብ ወርሒ ኽንደይ ሳዕ ኪግበር ከም ዘለዎ ይውስኑ። ንወፍሪ ኣገልግሎት ዚግበር ኣኼባታት እውን ነታ ጕጅለ ኺስርዓላ ይከኣል እዩ። ኵሎም እቶም ኣብታ ጕጅለ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት እቶም ዚድግፍዎም ኣካል ሽማግለታት እዮም ዚምርሑ። እቶም ሽማግለታት ሚዛናዊ መምርሒ ይህቡ፡ ነታ ጕጅለ ዜድልያ ነገራት ንምሕላይ ድማ ብተበግሶኦም ይዓይዩ እዮም። ሓላው ወረዳ ነታ ንጕጅለ እትድግፍ ዘላ ጉባኤ ኣብ ዚበጽሓሉ እዋን ምስታ ጕጅለ ኺዓዪ ኸሎ፡ ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብዛዕባ እቲ ግስጋሰ እታ ጕጅለን ብፍላይ ዜድልያ ነገራትን ሓጺር ጸብጻብ ይህብ እዩ። እታ ጕጅለ ጸኒሓ ጉባኤ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኵሎም እቶም ዚምልከቶም ነቲ ቲኦክራስያዊ መምርሒ እንተ ዓይዮምሉ፡ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ።—1 ቈረ. 1:10፣ 3:5, 6።

ምስክርነት ጕጅለ

45 ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ነቲ ብስራት ንኻልኦት ናይ ምክፋል ብሕታዊ ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ ኺገብሩሉ ዚኽእሉ ሓያሎ መገድታት ኣሎ፣ መብዛሕትና ግና ምስ ካልኦት ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምውጻእና የሐጕሰና እዩ። (ሉቃ. 10:1) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጉባኤታት ኣብ ቀዳመ ሰናብትን ኣብ መንጎ ሰሙንን ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ይገብራ እየን። ኣብ በዓላት እውን ብዙሓት ኣሕዋት ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ስለ ዝረኽቡ፡ ንምስክርነት ጕጅለ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ኣብ መዓልትን ኣብ ኣጋ ምሸትን፡ ምሹእ ኣብ ዝዀነ ቦታን ሰዓትን ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኼዳሉ ኣለዎ።

46 ብጕጅለ ዚግበር ምስክርነት፡ ኣስፋሕቲ ብሓባር ኪዓይዩን ‘ንሓድሕዶም ኪተባብዑን’ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። (ሮሜ 1:12) ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ምስ ክኢላታትን ምኩራትን ኣስፋሕቲ ኼገልግሉን ካባታቶም ስልጠና ኺረኽቡን ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ኸባቢ፡ ንድሕንነት ተባሂሉ፡ ክልተ ወይ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ብሓባር እንተ ዓየዩ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ኽሊ በይንኻ ኽትዓዪ መደብ እኳ እንተ ገበርካ፡ ምስቲ ጕጅለ ምእካብካ ንዅላትኩም ዜተባብዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ምፍላጥካ ጥራይ፡ ከም እትተኣማመን ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ምናዳ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ መዓልቲ መዓልቲ ዚግበር እንተ ዀይኑ፡ ፈለምትን ካልኦትን ንዅሉ እቲ ብጉባኤ ዚውደብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺድግፉ ግዴታ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ኺስምዖም የብሉን። መብዛሕትኡ ግዜ ግና ኣብ ሰሰሙን ንገሊኡ ኣኼባታት ኣገልግሎት ኪድግፉ ይኽእሉ እዮም።

47 ሃየ እምበኣር፡ ኵላትና ነቲ የሱስን ሃዋርያቱን ዝገደፍዎ ኣርኣያ ንስዓብ! የሆዋ ኣብቲ ኣገዳሲ ዕዮ ዝዀነ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክንሳተፍ እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዚባርኾ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 9:57-62።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ